ናይ ወርሒ መጋቢት ሓሳብ ጸሎት ር. ሊ. ጳ.፦ "ምእንቲ ኣጽዋር ምርጋፍን ሰላምን" ንጸሊ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ወርሒ መጋቢት ሓሳብ ጸሎት ኣብ ዘካፈሉሉ ምእመና ምስ ቅዱስ ነቶም ኮይኖም ምእንቲ "ምርጋፍ ኣጽዋርን ሰላምን" ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ወርሒ እዚ ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብዓለምለኻዊ ናይ ጸሎት መርበብ ኣቢሎም ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዘመሓላለፍዎ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ቪድዮ ዘርእስቱ፣ ምእመና ምእንቲ እዚ ሓሳብ ጸሎት እዚ ብምጽላይ ምስ ቅዱስነቶም ክሓብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘኻፈልዎ ሓሳብ ጸሎት፣ ጐይታ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመልክዑን ብምስሉን ከም ዝፈጠሮን፣ "ንኲናት ዘይኰነስ ንኅብረት "፣ "ንጥፍኣት ዘይኰነስ ንሕውነት ከም ዝፈጠረና" ብምዝካር ሓሳብ ጸሎቶም ይጅምሩ።
ሓቀይና ድሕንነትን ሰላም ንምርካብ
ኦ ጐይታ ንደቀ መዛሙርትኻ ሰላም ክትብሎም እንከሎም “ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን” ዝበልካዮም ኣብ ታሪኽ ጋህዲ ምእንቲ ክንገብሮ ከኽእለና ሰላምንካን ብርታዐን ሃቡና።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ "ሎሚ ሃገራት ኣጽዋር ሓዲጎም መገዲ ዝርርብን ዲፕሎማሲን ኪመርጻ ብምሕታት ኣብ ዓለም ሰላም ንኺህሉ ጸሎትና ኣልዒልና ኣሎና" በሉ።
'ናይ ዕርቂ መሳርሒ ምእንቲ ኽንከውን' ንጐይታ፣ 'ካብ ልብና ኣጽዋር ጽልእን ቂምን ዘይምግዳስን ኬውጽኣልናን' ኺሕግዘና ንለምኖ።
"ሓቀይና ድሕንነት ብፍርሂ ኣብ ዝብጻሕ ዝለዓዓለ ቍጽጽር ዘይኰነስ፣ ካብ ምትእምማንን ፍትሕን ሓድነትን ህዝብታት ከም ዝመጽእ ንኽንርዳእ ይሓግዘና" ብምባል እውን ኣጕልሑ።
ድሕሪ ደጊም ኑክልየሳዊ ስግኣት ንመጻኢ ደቂ ሰባት ክቖጻጸሮ የብሉን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተወሳኺውን ኣብ ጸሎቶም፣ ጐይታ ንመራሕቲ ሃገራት "ንውጥናት ሞት ሓዲጎም ቅድድም ኣጽዋር ደው ንምባልን ከምኡውን ህይወት እቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝኾነኡ ሰባት ኣብ ማእከል ዕላማኦም ከቐምጡ" ትብዓት ክህልዎም ጸልዮም።"
"ኑክልየሳዊ ስግኣት ደጊም ንመጻኢ ደቂ ሰባት ኣይውስኖ" በሉ።
ቅዱስ ኣቦና መንፈስ ቅዱስ ኣብ ማሕበረሰብናን ስድራ ቤታትናን ከተማታትናን ልብናን ናይ መዓልታዊ ሰላም ሃነጽቲ ምእመናንን መሃዝትን ኪገብረና ጸልዮም።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነፍሲ ወከፍ ቃል ለውሃት፣ ነፍሲ ወከፍ ናይ ዕርቂ ምንቅስቓስ ከምኡውን ነፍሲ ወከፍ ምርጫ ዘተን ዝርርብን እተርኢ ሓዳስ ዓለም ክኸውን ጸልዮም።
ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቪድዮ
ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንጸሊ፣ ኣርእስቲ ናይቲ ወርሓዊ ቅዱስ ኣቦና ዘለዎም ወርሓዊ ሓሳብ ጸሎት ንምዝርጋሕ ዝዓለመ ወግዓዊ ዓለምለኻዊ ተበግሶ እዩ። እዚ ድማ በቲ ንማሕበር ኢየሱሳውያን ብሕድሪ እተዋህበ ጳጳሳዊ ተተልእኾ ርእሰ ሊቃነ ጳጳት ኮይኑ፣ ብዓለምለኻዊ ናይ ጸሎት መርበብ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ብ1844 ሓዋርያነት ጸሎት ተባሂሉ ተመስረተት ማሕበር ኮይኑ። ኣብ ውርሒ ታሕሳስ 2020፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ጳጳሳዊ ተልእኾ፣ ከም ሓደ ናይ ሃገረ ቫቲካን ምንቅስቓስ መስረትዎ፣ ኣብ ውርሒ ሓምለ 2024 ድማ ናይ መወዳእታ ሕግታቱ ኣጽደቑ።
ካብ 2016 ንነጀው ድማ ሓሳብ ጸሎት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሃገረ ቫቲካን፣ ንልዕሊ 247 ሚልዮን ተኸታተልቲ ረኺቡ፣ ናብ ልዕሊ 23 ቋንቋታት ተተርጒሙ፣ ኣብ 114 ሃገራት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ክዝርጋሕ ይረከብ ኣሎ።
ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለምለኻዊ ናይ ጸሎት መርበብ ንደቂ ሰባትን ብተልእኾ ቤተ-ክርስትያንን ዘጣምር ብድሆታት ምላሽ ንምሃብ፣ ብጸሎትን ብተግባረ ሠናይን ንካቶሊካውያን ኣብ ምንቅስቓስ ዘተኰረ ማሕበር እዩ።
