ድለ

2026.03.05 ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ናይ ሲንጋፖር ርእሰ ብሔር 2026.03.05 ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ናይ ሲንጋፖር ርእሰ ብሔር   (@VATICAN MEDIA)

ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ናይ ሲንጋፖር ርእሰ ብሔር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንርሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሲንጋፖር ሻንሙጋራትናም ሓሙስ ዕለት 5 መጋቢት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 5 መጋቢት ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተወ ናይ ረፓብሊካዊት ሲንጋፖር ርእሰ ብሔር ታርማን ሻንሙጋራትናም ከም እተራኸቡን ርእሰ ብሔር ሻንሙጋራትናም ካብ ቅዱስ ኣቦና ተሰናቢቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰየዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸበን ብመሰረት እቲ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ካብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ሰናይ ዝምድና ከም ዝጎለሐን ኣብ ርእሲ እዚውን ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ እተፈላለዩ ባህልታትን ሃይማኖታትን ሰላማዊ ሓባርዊ ናብራ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን እንኮላይ ነዚ ሓባራዊ ረብሓ ዝገበረቶም ብዘይምቍራ. እትህቦ ኣበርክቶ ርእሰ ብሔር ሲንጋፖር ከም ዘመስገኑ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ክሌኣዊ ዘተ ብዛዕባ ኣህጉራውን ዞባውን ኵነታት ከምኡውን ብዛዕባ ኣገዳስነት ህሉው ኣሰራርሓታት ብዝሓ ጎናውነት ስርዓት ምድጋፍን ምሕዳስን ዘለዎ ኣገዳስነት ከም እተሰመረሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

Photogallery

ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ናይ ሲንጋፖር ርእሰ ብሔር
07 Mar 2026, 16:38