ድለ

ር. ሊ. ጳ.፡ ከም ኣልኣዛር ነቲ ጐይታ ናብ ሓድሽ ህይወት ዘቕርበልና ጻውዒት ንስማዕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ እቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ኣልኣዛር ዘዘንቱ ክፍሊ ወንጌል ከመይ ገይሩ ብምልኣት ህይወትን ብጸጋ ኣምላኽን ክንሕደስ ከም ዚዕድመና ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ሓምሸይቲ ሰንበት ዘመነ ዓቢይ ጾም፣ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር፣ ብዛዕባ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈጸሞ ተኣምር ትንሣኤ ንኣልኣዛርን፣ "ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞት ዝረኸቦ ዓወትን፣ ከምኡ ውን ብዛዕባ እቲ ብጥምቀት እንቕበሎ ውህበት ዘለኣለማዊ ህይወትን ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል" ኣስተንቲኖም።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ንማርታ ሓብቲ ኣልኣዛር ዝበላ፣ ሎሚ እውን "ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ።  እቶም ብኣይ ዝኣምኑ እንተ ሞቱ እኳ ብህይወት ክነብሩ እዮም፣ ህያው ዘበለኩሉ እቲ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ከቶ ኣይኪመውትን እዩ" ይብለና ክብሉ እውን ኣስተምሃሩ።

ምስንዳው ንሰሙነ ሕማማት

ናይ ሎሚ ሰንበት ንባብ ወንጌል፣ ቀቅድሚ እቲ ቅዱስ ሰሙን ሕማማት ዘሎ መሰናደዊ ኢዩ፣ ብዛዕባ ፍጻመታት ሕማማት ጐይታ — ናብ የሩሳሌም ምእታው ናይ መወዳእታ ድራር ምስርዑ፣ ፍርዲ ስቕለት ምቕባሊን ቀብሩን - ኣመልኪቶም ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ኣካፈሉ። በዚ ኸምዚ ንገዛእ ርእስና ኽንዳሉ ንኽእል፣ ኣገዳስነቱን ትርጕሙን ብዝበለጸ ኽንርድኦን፣ ነቲ ዘቕርበልና ውህበት ጸጋ ድማ ክፉት ክንከውን ንኽእል ኢና ክብሉ ድማ ተላበዉ።

"እዚ ፍጻመታት እዚ በቲ ንድሕነትናን ምልኣት ህይወት ከካፍለናን ኢሉ ንሞት ስዒሩ ብጥምቀት ኣብ ውሽጥና ዝነብር ዘሎ እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ  ኢዩ ተፈጺሙ።”

ንዓለም ዜብርህ ጸጋ

ጸጋ ኣምላኽ ንዓለም ዘብርህ ኢዩ፣ ክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምዝኽኻር፣ ነባሪ ሓጐስ ከምጽኣልና ዘይክእል ነገራት ኣብ ምድላይ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ንጠፍእ ኢና፣ ማለት ነቲ ግዜን ጕልበትን ክብርታትን ከምኡ ውን ንኻልኦት ዘሎና ርሕራሐርን ዘህልኽ ሓድስቲ ነገራት ብቐጻሊ ሃሰስ ብምባል፣ "ከም ዝና፡ ስጋዊ ጥሪት፡ መዘናግዒታት ከምኡውን ሓላፊ ዝኾነ ርክባት ዝኣመሰሉ ነገራት፣ ንልብና ክመልእዎ ወይ ከም ዘይንመውት ከምስሉና ይኽእል ኢዮም" ክብሉ ተላበዉ።

ኵላትና ኣብ ውሽጥና "ነቲ ደረት ዘይብሉ ሃረርታ" ሒዝና ኢና ዘሎና፣ እዚ ኸኣ "ብሓላፊ ነገራት ኪዓግብ ዘይከኣል ድሌት" እዩ ዝነበረ። ከምቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዝጸሓፎ "ንሕና ንኣምላኽ ኢና እተፈጢርና፣ ኣባኡ ኽሳዕ እንዓርፍ ከኣ ሰላም ኣይንረክብን ኢና" ክብል ጸሓፈ።

ንዶባትና ምስፋሕ

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ንዛንታ ትንሳኤ ኣልኣዛር ብሓገዝን ሓይልን መንፈስ ቅዱስ ብምስትንታን "ካብቲ ንልባትና ከም እምኒ ኣብ መቓብር ስስዐን ፍቕረ ንዋይን ዓመጻን ከንቱነትን ዝዓጽወና ልማዳትን ኵነታትን ኣተሓሳስባን ሓራ ኽንገብር" ብኸመይ ከም ዚዕድመና ኽንርኢ ኣተባብዑና።

"ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ናብዚ "ውጹ!" ኢሉ ይጽውዓና ኣሎ፣ ካብቲ ጸቢብ ቦታታት እዚ ብጸጋኡ ተሓዲስና ብምውጻእ፣ ከም ሓደስቲ ኣንስትን ሰብኡትን ብብርሃን ፍቕሩ ኽንመላለስ ተማሕጺኑና እዩ፣ ከም ኣርኣያ እቲ ደረት ዘይብሉ ልቦናኡ፣ ብዘይ ሕሳብን ብዘይ መዐቀንን ተስፋ ኪገብሩን ኪፍቅሩን ዚኽእሉ ሓደስቲ ምእመናን ኰይንና ኽንመላለስ ይምሕጸነና ኣሎ"ክብሉ ድማ ኣዘኻኸሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ቀቅድሚ ምምራሖም "ኣብዘን ዕለታት ቅዱስ ሰሙን ሓማማት፣ ብእምነትን ብምትእምማንን ብተኣማንነትን ክንነብር እሞ፣ እቲ ምስ ዝተንስአ ወዳ ኣብ ምርካብ ዘሕለፍናዮ ዘደንቕ ተመክሮ በብመዓልቱ ኣባና ምእንቲ ክሕደስ" ቅድስቲ ድንግል ማርያም ትሓግዘና ክብሉ ጸልዮም።

23 Mar 2026, 15:10