ር. ሊ. ጳ. ንቍምስናዊ ማሕበረሰብ ሰበኻ ሮማ "ምልክት ተስፋ" ኰይኖም ክቕጽሉ ተማሕጺኒም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ናብቲ ኣብ ዙርያ ከተማ ሮማ ዝርከብ ፖንተ ማሞሎ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ገዛውቲ ኣብ ዝርከብ ቍምስና ደብረ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ጉስነታዊ ምብጻሕ ኣካይዶም። ንማሕበረሰብ እቲ ቍምስና ድማ "ምልክት ተስፋ" ኰይኖም ክቕጽሉ ብምትብባዕ፣ ምስ ስደተይናታትን ድኻታትን እሱራትን ኣብ ዝገብርዎ ርክባት ኣሞገስዎም፣ ኣብዛ ስቓይን ግጭትን ዝመልኣ ዓለም ግሉጽነትን ሓድነትን ሰላምን ክሰፍን ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ናብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ገዛውቲ ፖንተ ማሞሎ፣ ናብ ዝርከብ ቍምስና ደብረ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ በጺሖም፣ እዚ ድማ ክፍሊ ናይቲ ኣብ ዘመነ ዓቢይ ጾም ዝገብርዎ ዘወለዉ ምብጻሕ ሓምሻይ ቍምስና ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ናብ ቍምስናታት ሰበኻ ሮማ ዝገብርዎ ዘለዉ ጉስነትዊ ምብጻሕ ቀጺሎም። ኣብቲ ምብጻሕ ምስ ብፁዕ ካርዲናል ባልዶ ሬና ጠቕላሊ ዓቃቤ መንበር ስበኻ ሮማን ሊቀ ኻህናት ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራን ኮይኖም ኢዮም ዘካየድዎ።

በዚ ምብጻሕ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ናብቲ ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበጽሖም ቍምስና ዑደት ኣካየዱ። በዚ ዘካየድዎ ምብጻሕ ድማ ነቲ ካብ ወርሒ ለካቲት ዝጀሚሮም ከካየድዎ ዝጸንሑ ተኸታታሊ ጉስነታዊ ምብጻሕ ናብ ቍምስናታት ሰበኻ ሮማ ዛዚሞም።

ቍምስና ደብረ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዘፖንተ ማሞሎ፣ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ክፍለ ከተማ ሮማ ዝርከብ ኮይኑ፣ ማሕበራዊ ብድሆታት ዘለዎ ግን ከኣ ድልዱል ናይ ሓድነት መርበብ ኣለዎ ቍምስና ኢዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፣ ነቲ ንነዊሕ እዋን ንህይወት እዚ ኸባቢ ዝቐረጸ ኣብ ጥቓኡ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ረቢቢያ ዜጠቓልል ምብጻሕ እውን ኢዩ ዝንበረ።

በቲ ማሕበረሰብ እተገብረሎም ምውቕ ተቕባል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ኣብቲ ቍምስና ምስ በጽሑ፣ ካብ ማሕበረሰብ እቲ ቍምስና ብዝተኣኻኸቡ ቈልዑን መንእሰያትን ስድራ ቤታትን ድሙቕ ተቐባል ተገብረሎም። ስለቲ ኣብ ግብረ ሰናይን እንግዶትን ዝገበርዎ ምስክርነት እውን ኣመስገንዎም፣ ኣገልግሎቶም ኣብዛ ስቓይን ውግእን ዝመልኣ ዓለም ከም "ምልክት ተስፋ" ኮይኑ ከም ዝረኸብዎ ድማ ገለጹሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነቶም ኣብ መጀመርታ መደቦም ንዝረኸብዎም ጕጅለ ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን፣ ነቲ ማሕበረሰብ ዘካየዶ ዘሎ ብዙሕ ተበግሶታት፣ እንተላይ ዕዮ ካሪታስ ኣቢሎም ንስደተይናታት ዝገብርዎ ዘለዉ ሓገዛትን፣ ንሕሙማት ኣብ ምድጋፍ ከምኡውን ነቶም ሽቕለት ኣልቦነት ዘጓነሶም ስባት ናይ መነባብሮ ጸገማቶም ኣብ ምቅላልን፣ ካልእ ዓይነት ጸገማትን ንዘለዎም ሰባት ንሕጋዝ ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓሳት እውን ኣጕልሑ።

ጕስነታዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ቍምስና ደበረ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ፖንተ ማሞሎ
ጕስነታዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ቍምስና ደበረ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ፖንተ ማሞሎ   (@VATICAN MEDIA)

ህያው ምልክት ተስፋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ "ከም ሰበኻ መጠን ነዚ ኹሉ ብኸመይ ከም እትቕበልዎ ብሓቂ ዝፈልጥ ማሕበረሰብ ፈጢርኩም ኣሎኹም" ድማ በሉ።

ካብ መንበሮም ቀቅድሚ ምንቃሎም፣ ነዊሕ ከይጸንሑ ሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት እተሰምዓ ዓሚቝ ጓሂ እንክትገልጸሎም፣ ንዝበለቶም ቃላት ብምዝካር፣ ነቲ ዘጓነፎም ዛትንታ እውን ኣካፈልዎም።

"ኣብ ዓለም ናይ ተስፋ ምልክታት ከም ዘየለ ነጊራትኒ" ድማ በሉ። "ብሰንኪ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ውግእ ትሳቐ ስለ ዘላ፣ 'ሕጂ ናበይ ክኸይድ እኽእል?' ክትብል ንገዛእ ርእሳ እውን ሓተተት በሉ። ኵሉ ነገር ጠፊኣ፣ እትገብርዎ ሓርቢትዋ ኢዩ ዘሎ" ክብሉ ድማ ዘላቶ ኩነታት ኣመልከቱ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፣ ቍምስናዊ ማሕበረሰብ ህያው ምስክር ተስፋ ልኸውን ከም ዝኽእል ድማ ገለጹ። "ንሕና ብጐይታናን መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንኣምንን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓድነት እንነብርን፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ትእምርትታት ዝጠፍአሉ ኣብ ዚመስል ዘሎ እዋን እውን እንተ ዀነ፣ ምልክት ተስፋ ኽንከውን ንኽእል ኢና። ነዚ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ ኢና ከአ እንውክል።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ነቶም ናብ ቤተ-ክርስትያን ክኣትዉ ዘይከኣሉን ካብ ሰገነትን ናሕስን ኰይኖም ዝከታተሉ ዝነበሩ ሰባት እውን ሰላምታኦም ኣካፈልዎም። "ኵሉ ሰብ ተዓዲሙ ኢዩ፣ ኵሉ ሰብ ተጸዊዑ እዩ" ብምባል እዚ ደብቲ እዚ ንድሕነትን ፍቕርን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንምክፋል ድሉውን ንዅልና ኽፉት ዝኸውን ስድራ ቤት ኮይኑ ከም ዜመልክት እውን ኣጕልሑ።

ጕስነታዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ቍምስና ደበረ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ፖንተ ማሞሎ
ጕስነታዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ቍምስና ደበረ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ፖንተ ማሞሎ   (@VATICAN MEDIA)

ምስ ኣረጋውያንን ሕሙማትን ምርኻብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም መሥዋዕተ ቅዳሴ ቀቅድሚ ምዕራጐም ምስ ኣረጋውያንን ስንክላትን ተራኺቦም። ኣብቲ ርክቦም ኣሕዋትን ኣሓትን ብምዃን ክብሃል እንከሎ፣ ብዛዕባ እቲ ዘለዎ ሓጐስ ኣመልኪቶም መስከሩ፣ እዚ ኣፍደገ እዚ ንዅሉ ሰብ ክፉት ንምግባር ዝቐርበልና ጻውዒት ድማ ዘከሩ።

ነቶም ንወጻእተይናታት ንምቕባልን ኣገልግሎት ንምውፋይን፣ ብዙሓት ቍምስናታት ሰበኻ ሮማ ዝገብርዎ ዘለዉ ንጥፈታት ኣመልኪቶም ኣመስገንዎም፣ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ ከኣ ነቲ ንጋሻ ንምቕባል ዝቐርበሎም ጻውዒት ብምዝካር፣ ነቲ ዝቐርበሎም ናይ ምግልጋል ኣተሓሳስባ ንኽቃወምዎ ኣተባብዕዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ብዛዕባ እቲ ጽምዋ ዘስዕቦ ስቓይ እውን ኣመልክቶም ተዛረብዎም፣ ብዙሓት ሰባት ኣብ ጕዕዞኦም ዘሰንዮም ሰብ ከይረኸቡ ንበይኖም ከም ዚርከቡ ድማ ኣመልከቱሎም። ንቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዜንጸባርቕ ቍምስና፣ ኵሉ ዓይነት ሰብን ስድራ ቤትን ዚረኽበሉ ሓቀይና ልግሲ ዝግለጸሉን ስፍራ ክኾኑ ከም ዘለዎም ድማ ኣመልከቱሎም።

ጕስነታዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ቍምስና ደበረ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ፖንተ ማሞሎ
ጕስነታዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ቍምስና ደበረ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ፖንተ ማሞሎ   (@VATICAN MEDIA)

ክርስቶስ ንዓለም ብርሃን የምጽኣላ

እዚ ምብጻሕ እዚ ድማ በቲ ምስ ካህናትን ምእመናንን እቲ ኸባቢ ኮይንኖም ብዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ድማ ኢዩ ተዛዚሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ስብከቶም፣ ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነቲ ብዕዉር እተወልደ ሰብኣይ ከም ዘሕወዮ ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ብምስትንታን፣ ክርስቶስ ንደቂ ሰብ ካብ "እከይ ዑረት" ሓራ ኼውጽእን፣ ናብ ሓድሽ ህይወት፡ መንገዲ ክኸፍትን ዝኽእል ብርሃን ከም ዜምጽኣሎም ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ዓመጻ ዝመልኦ ግጭታት ዘስዓቦ ስቓይ እውን ኣመልኪቶም ተዛረቡ፣ ውግእ ንግርጭታት ክፈትሕ ከም ዘይክእል እውን ኣጕልሑ፣ ንዓመጻ መመኽነይታ ንምሃብ ናብ ኣምላኽ ከጽልዩ ድማ ኣጠንቀቑ። ኣምላኽ ብርሃንን ተስፋን ሰላምን ኢዩ ዘምጽእ፣ እቶም ዝጽውዕዎ ድማ ዘተ ሰላም ኪደልዩ ኸም ዘለዎም ገለጹ።

ኣስዕብ ኣቢሎም እውን ብዛዕባ ናይ ዕለቱ ናብብ ወንጌል እንከስተንትኑ፣ "ብዓይኒ ኣምላኽ" ምርኣይ ክበሃል ከሎ፣ ንጽልኢ ምስዓርን ክብሪ ናይቶም እቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ኣፍልጦ ምሃብን ማለት ምዃኑ ገለጹ። ክርስትያን ምእመናን ብልግስን ብጸሎትን ከም ብሓድሽ ምላሽ ክህቡ ተጸዊዖም ከም ዘለዉ ድማ ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንማሕበረሰብ እቲ ቍምስናን ኣብ ምሕጋዝ ንድኻታትን ንስደተኛታትን ካልኦት ተኣፈፍቲ ወገናትን ስለቲ ዝገበረሎም ዘለዉ ኣገልግሎት እንተላይ ምስቶም ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከን ቤት ማእሰርቲ ሬቢቢያ እተተሓሓዘ ዝገብርዎ ምንቅስቓሳት ጠቒሶም ምስጋናኦም ገለጹሎም። ምእመናን ነቶም እተሸገሩ ብምግልጋልን ብምምሃርን ብምክንኻንን ከም "ደቂ ብርሃን" መጠን ምስክርነቶም ክቕጽሉ እውን ኣተባብዕዎም።

ጕስነታዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ቍምስና ደበረ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ፖንተ ማሞሎ
ጕስነታዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ቍምስና ደበረ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ፖንተ ማሞሎ   (@Vatican Media)

ኣብ መወዳእታ እቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ምስ ቤት ምኽሪ ሓዋርያዊ ጉስነት ቀጺሎም ድማ ምስቶም ኣብቲ ደብሪ ዘገልግሉ ዘልዉ ካህናትን ተራኺቦም። ናብ ሃገረ ቫቲካን ቀቅድሚ ምምላሶም ድማ ነቶም ኣብ ወጻኢ እቲ ቤተ-ክርስትያን ተኣኪቦም ዝነበሩ ምእመናን ሰላምታ ኣቕረቡሎም።

ማሕበር ልበ ኢየሱስ ክኸውን እተጸውዐ ቍምስና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንቤት ምኽሪ ሓዋርያዊ ጕስነት እቲ ቍምስና ኣብ ዘካፈልዎም ሓሳባት ድማ፣ ነቲ ኣብ መላእ ማሕበረሰብ እቲ ቍምስና ዘወፍይዎ ዘለዉ መስዋእትታትን ኣገልግሎታትን ብምጥቃስ፣ ተወፋይነት እቶም ኣብ ናብራ እቲ ቍምስና ብንጥፈት ዝሳተፉ ብምዃኖም ነኣድዎም። ብዛዕባ ጕዕዞ ጾምን ምሳልያዊ ናይ ጥምቀት ማይን ድማ ኣስተንተኑ፣ ናብ ክርስቶስ ንምቕራብ መንፈሳዊ ንጽህናን ልግስን ኣድላዪ ምዃኑ እውን ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ተልእኾ ንድኻታትን ንስደተኛታትን ከምኡ ውን ነቶም ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ረቢቢያን ንዝርከቡ ሰባት ዘካይድዎ ምንቅስቓሳት ከም ዜጠቓልል ኣመልከቱ። እዚ ቍምስና ደብረ ቅዱስ  ልበ ኢየሱስ ሓቀይና ማሕበር ልበ ኢየሱስ ክኸውን ከም እተጸውዐን፣ ኣብ መንጎ እተሓላለኸ ማሕበራዊ ብድሆታት እውን ከይተረፈ ህያው ምስክርነት ፍቕሪ ኣምላኽ ዘንጸባርቕ ክኸውን ከም ዘለዎን ገለጹ።

ቃላት ምስጋናን ምትብባዕን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብ ቫቲካን ንምምላስ ናብ ማኪናኦም ቕድሚ ምድያቦም፣ ንማሕበረሰብ እዚ ቍምስና ዘለዎም ምስጋና ደጊሞም ብምቕራብ፣ ነቶም ምእመናን ስለቲ ኣባኡ ምርካቦምን፣ ስለቲ ዘርኣይዎ ምስክርነትን ልግስን ኣመስገንዎም።

ኣባል ቍምስና ደብረ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ምዃን፣ ኣብ ከተማ ሮማ ሓቀይና ምስክርነት ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ምዃኑ እውን ገሊጾም፣ ንካህናት እቲ ቍምስናን ንዅሎም እቶም ኣብ ህይወት ማሕበረሰብ ዚተሓባበሩ ሰባትን ዘለዎም ሞሳኡ እውን ደጊሞም ገለጹ። ብተወሳኺውን ተቐማጦ እቲ ኸባቢ ነቲ ቍምስና ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊ ስድራቤት ፍቕሪ ኣምላኽ ዝረኽቡሉ ቦታ ገይሮም ክርእይዎ ኣተባብዕዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀሲኾም፣ ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንመወዳእታ ግዜ ከም ዝበጽሕዎም ብምዝካር፣ እዚ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ነዊሕ ከይወስደ ክድገም ተስፋ ኸም ዝገበሩ እውን ገለጹ።

ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ኣብዛ ሰንበት ዘሓሴት ቢሎም ብምምልካት፣ ነቶም ምእመናን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ቅድሚ ምክፋሎም፣ ኪሕጐሱን ንኻልኦት ከም ምልክት ተስፋ ኮይኖም ኪነብሩን ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ጕስነታዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ቍምስና ደበረ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ፖንተ ማሞሎ
ጕስነታዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ቍምስና ደበረ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ፖንተ ማሞሎ   (@Vatican Media)
16 Mar 2026, 13:41