ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ርእሰ ብሔር ፍልስጥኤም ኣባስ ብስልኪ ተራኺቦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ርእሰ ብሔር ፍልስጥኤም ኣባስ ብስልኪ ተራኺቦም  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ርእሰ ብሔር ፍልስጥኤም ኣባስ ብስልኪ ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ዝተራእየ ምዕባለታት ብዝምልከት ካብ ርእሰ ብሔር ሃገረ ፍልስጥኤም ማሕሙድ ዓባስ ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ከም እተሓበሮም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰኑይ ዕለት 16 መጋቢት ንጉሆ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካብ ናይ ሃገረ ፍልስጥኤም ርእሰ ብሔር ማሕሙድ ናይ ስልኪ ጻውዒት ከም እተቐበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ርእሰ ብሔር ኣባስ "ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዘሎ ግጭት ዘሰክፍ ምዕባለታትን ኩነታት መነባብሮ ህዝቢ ፍልስጤምን" ብዝብልከት ንቅዱስነቶም ከም ዝሓበርዎም ኣመላኺቱ፡ ኣብቲ ክሌኣዊ ናይ ስልኪ ዝርርብ፡ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 "ቅድስቲ መንበር ብፖለቲካውን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዘተ፡ ከምኡ'ውን ብሙሉእ ኣኽብሮት ኣህጉራዊ ሕጊ ሰላም ንምርግጋጽ ዘለዎ ተወፋይነት” ንርእሰ ብሔር ኣባስ ከም ዘረጋገጽሎም ኣፍሊጡ።

19 Mar 2026, 09:03