ድለ

2026.02.28 Seminaristi di diverse Diocesi della Spagna 2026.02.28 Seminaristi di diverse Diocesi della Spagna  (@VATICAN MEDIA)

ር. ሊ. ጳ.፦ ህይወት ምስ ኣምላኽ ርክብ ዘይብላ ምስ እትኸውን ሕንፍሽፍሽ እያ እትብል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንክህነት ዝዳለዉ ዘለዉ ተማሃርቲ ዘርኣ ክህነት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን፣ ኣገልግሎቶም ፍረ ምእንቲ ኽህልዎ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ልዕለ-ባህርያዊ ዝኾነ ርክብ ክቕበሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ቀዳም ምስ ስጳኛውያን ተማሃርቲ ዘርኣ ክህነት ናይ ኣልካላ ደ ሄናረስ ከተማ ቶሌዶ ካርታጌናን ከምኡውን ናይ ብዙሓት ሰበኻታት ተማሃርቲ ዝምልምል ዘርኣ ክህነት ከተማ ካታሎንያን ተራኺቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕድና፣ ነቲ ኣብ ፔሩ ናብ ዝርከብ ሜጥሮፒሊሳዊ ዓቢይ ዘርኣ ክህነት ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ከንብቡ ዓደምዎም፣  እዚ መልእኽቲ እዚ ድማ ኣገዳሲ መዳያት ሥነ መዕበያ ካህናት ኣመልኪቱ ከም ዝገልጽ ኣዘኻኸርዎም።

ነቶም ተማሃርቲ ዘርኣ ክህነት ድማ፣ "ሎሚ ግና ኣብቲ ንዅሉ ነገር ብስቕታ ዝድግፍ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ከይማዕበል ኣብ ሓደ ኣቃሊልካ ክርአ ዝኽእል ነገር ከተኵር እደሊ ኣሎኹ፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ክውንነት ልዕለ-ባህርያዊ ኣረኣእያ ምህላው እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ ነታ ጂ. ኬ. ቸስተርተን ዝጸሓፈ መናፍቓን ዘርእስታ መጽሓፍ ብምጥቃስ፣ "ነቲ መልዕልተ-ባህርያዊ ዝኾነ ነገር እተ ደኣ ወጊንካዮ፣ እቲ ባህርያዊ ዝኾነ ነገር እውን ኣይትረኽቦን ኢኻ፣ እኳ ደአ ዘይባህርያዊ ኩነት ኢዪ ዝኸውን" ንዝበሎ እውን ኣዘኻኸርዎም።

እቲ ዘይባህርያዊ ነገር ዜሕፍር ነገር ጥራይ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ናብ ወሰን እቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዜጋጥመና ውሳነታት ዘወግን ኣገባብ ኣነባብራ እውን ዜጠቓልል ምዃኑ ገለጹ።

ደቂ ሰብ ምስ ኣምላኽ ርክብ ኪህልዎም እዮም ተፈጢሮም። "እዚ ርክብ እዚ ምስ ተዳኸመ ወይ ምስ ተፍአ ህይወት ካብ ብውሽጡ ክበላሾ ይጅምር።"

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፣ ሓደ ካህን ብዛዕባ ኣምላኽ ዝዛረብ ግን ከኣ ህላወ ኣምላኽ ከይፈለጠ ብህይወት ዝነብርን፣ ናብ ምድረበዳ ክወስዶ ዘይፈቕደሉን ካህን ዝገድድ ዘይባህርያዊ ነገር እንታይ ኣሎ? ክብሉ ሓተቱ።

"ብኣምላኽ ከይነበርካ ግን ከአ ብዛዕባ ኣምላኽ ልምምድ ዘሎካ ካብ ምዃን ንላዕሊ ሓደገይና ዝኾነ ነገር የልቦን" በሉ። "ስለዚ ብመሰረቱ ኵሉ ነገር ናብቲ ምስቲ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ዝመረጸና ህያውን ጭቡጥን ርክብ ምምላስ እዩ ዚጅምር፣ ኵሉ ሳዕ ከኣ ናባኡ ይምልሰና ኢዩ።"

መልዕልተ-ባህርያዊ ራእይ ክውንነት ክበሃል ከሎ ዓሚቝ ትርጕም መዓልታዊ ህይወት ምድላይ ማለት ምዃኑ ብምግላጽ፣ ቅዱስ ኣቦና ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ንምሕላው ሥነ መዕበያ ዘርኣ ክህነታትና ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም።

ነቶም ንመዓርገ ክህነት ዝሰናደው ዘለዉ ሰብኡት ድማ ብዛዕባ ህላወ ኣምላኽ ክለማመዱ ዓደምዎም፣ በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ኣማኒ ናብ ክውንነት ዘለዎ ኣረኣእያን፣ ናብቲ ጭቡጥ ምርጫታት ህይወትን ክትርጕም ከም ዘለዎ ኣዘኻከርዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ኣእዋም እውን ውሽጦም ንቝጻት ክንሶም "ትኽ ኢሎም ደው ብምባል ይሞቱ ኢዮም" ብምባል ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነትን ካህናትን እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ንፍርያምነት ምስ ጽዑቕ ንጥፈታት ከደናግርዎ ከም ዝኽእሉ ኣመልከቱ።

"መሰረት ክህነታዊ ሥነ መዕበያ እዚ እዩ፦ ምስ ኣምላኽ ኽትጸንዕን፣ ብውሽጥኻ ኽትፍጠርን ምፍቃድ፣ ኣምላኽ ስጕምቲ ክወስድ ከሎ ምርኣይን፣ ኣብ ህይወትን ኣብ ህይወት ምእመናንን ብኸመይ ከም ዝዓዪ ኣፍልጦ ምሃብን እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ኣገዳስነት መሳርሒታት ሥነ መዕበያ ዝኾኑ ትምህርቲ፣ ማለት ትምህርቲ ስነ-ኣእምሮ ኣገዳሲ እኳ እንተ ኾነ፣ መንፈስ ቅዱስ ግን ንክርስቶስ ኣብ ህዝቡ ንምግልጋል ልብና ዝቐርጽ ሓቀይና ቀላሲ ምዃኑ ዘኪሮም።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮም መበል 14፣ ንተመሃርቲ ዘርኣ ክህነታት ስጳኛውያ ጐይታ በብመዓልቱ ኣብቲ ተራ ዝመስል ክውንነት ክልውጦም ክፈቕዱሉ ተማሕጺኖም።

"ፍቑራት ደቀየ፣ ብስም ቤተ-ክርስትያን ስለቲ ንጐይታ ንምስዓብ ዝገበርኩምዎ ተወፋይነት አመስግነኩም ኣሎኹ" ድማ በልዎም። "በይንኹም ከይትመላለሱ ኵሉ ሳዕ ርግጸኛታት ኩኑ፣ ክርስቶስ ቀቅድሜኹም ይኸይድ ኣሎ፣ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድማ ምሳኻትኩም ትጕዓዝ ኣላ፣ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ብጸሎት ትድግፈኩም ኣላ” ክብሉ ድማ ኣተባብዕዎም።

02 Mar 2026, 11:24