ር. ሊ. ጳ. ናብ ቍምስናታት ሮማ፦ ቍስሊ ጐረባብቲ ብሰናይነት ንዘንኖ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ትማሊ ሰንበት ዕለት 1 መጋቢት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ንሳልሳይ ግዜ ናብ ሓደ ኣብ መንበረ ጵጵስናኦም ዝርከብ ቍምስና ሰበኻ ሮማ፣ ማለት ኣብ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ክፍለ ግዜ፣ ኣብቲ ኣብ ምብራቓዊ ወገን ከተማ ሮማ ዝርከብ "ኳርቲቺየሎ" ዝስመ ከባቢ ዘሎ ቍምስና ደብረ ዕርገት ጐይታና ጉስነታዊ ምብጻሕ ኣካይዶም።
ኣስር ኣሰር ናይቶም ቅድሚ 46 ዓመት ብዕለት 3 ለካቲት 1980 ናብታ ቍምስና ምብጻሕ ዘካየዱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምስዓብ፣ ብብፁዕ ካርዲናል ባልዶ ሬና ጠቕላሊ ዓዋቤ መንበር ሰበኻ ሮማ ተሰንዮም ናብታ ቍምስና በጺሖም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመጀመርታ ግዜ ምስ ደቂ እቲ ቍምስና ኣብ ዓጸድ እቲ ደብሪ ተራኺቦም ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ሰላምታ፣ ኣምላኽ ንዅሎም ሰባት ሰላም ከም ዝደሊ ብምግላጽ፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓድሽ ውግእ ብምኽሳቱ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም።
"ንሰላም ኣበርቲዕና ኽንጽሊ፣ ብሓድነት ክንነብር ከምኡውን ንኻልኦት ንምጕዳእ ዝግበር ፈተና ክንነጽጎ ኣሎና" በሉ። "ዓመጽ ቅኑዕ ምርጫ ኣይኰነን” ድማ ክብሉ ኣጠንቀቑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንቘልዑን ህጻናትን ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን ድማ፣ ንሓድሕዶም ክከባበሩን ወልፍታት ሓሽሽን ካልእ ልምድታትን፣ ኣብቲ ዝነብሩሉ ዘለዉ ከባቢታት ጸገማት የኸትል ከም ዘሎ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ንሓድሕዶም ክተሓላለዩን ኵሉ ሳዕ ነዚ ነገራት እዚ 'ኣይፋል' ክብሉ ከም ዘለዎምን መዓድዎም።
ብድሕሪ'ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ሽማግሌታትን ኣረጋውያንን ከምኡ ውን ሕሙማት ዝኾኑ ምእመናን እቲ ቍምስና ብምርኻብ፣ ንረብሓ ዅሎም ማሕበረሰብ ሓድነት ክሃንጹ ድማ ዓደምዎም።
"ንገዛእ ርእስና ኣብ ማሕበረሰብ እንተ ደኣ የእቲናያ፣ ካብ ነፍሲ ወከፍና ዝበልጽ ብርታዐ ንርኢ ኢና" በሉ። "እዚ ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝመጽእ ብርታዐ ኢዩ፣ እዚ ድማ ሓቀይና ስድራቤት ዝገብረና ኢዩ።"
ኩሉ ሰብ ምስ ሲቪላዊ ሰበ-ስልጣን ገበን ኣብ ምጥፋእ ብምትሕብባር፣ ማሕበረሰቦም ንምዕባይ ብሓባር ክዓዪ እውን ተማሕጺኖም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብቲ ቍምስና መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግ ድማ፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ንባባት ቅዳሴ ምርኩስ ብምግባር፣ ብዛዕባ ጕዕዞ ኣብርሃምን ተኣምራዊ ምልዋጥ ትርኢት ኢየሱስ ኣብ ደብረ ታቦርን ኣስተንተኑ።
ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብ ኣምላኽ ናይ ምውካል ጕዕዞ ክጅምር ከም እተጸውዐ ብምዝኽኻር፣ ካብ ምጥርጣር ክንሃድም ክንፍትን ከለና፣ ሓቀይና መዝገብ ናይ ምርካብ ዕድልና ከም እንስእኖ እውን ገለጹ።
"ካብ ሓደገኛ ዅነታት ክንሃድም ክንፍተን ንኽእል ኢና፣ ሓደ ሰብ ግን ዘይተጸበናዮ ዓብዪ ነገር ከም ዝህሉ ዝኣተዎ መብጽዓ ብውሽጡ ከም ዘማስወሉ ኢዩ ዝገብሮ" በሉ።
ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ነቲ ናብ የሩሳሌምን መስቀልን ዝገበሮ ጕዕዞ ዓብዪ ምጽራር እኳ እንተ ገበሩ፣ጐይታ ግና ነቲ ተቓውሞኦም ሓዲጉ ንኻልኦት ህይወት ምእንቲ ክህቡ፣ ህይወቶም ኣሕሊፎም ክህቡ ከም ዘለዎም ምሂርዎም እዩ ክብሉ ኣስተንተኑ።
"ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ደው ከይንብልን ኣንፈት ከይንቕይርን የተባብዓና እዩ!" በሉ። "ካብዚ ዝዓቢ ተስፋ ድማ የልቦን። ህይወት ንምሃብ ብህይወት ካብ ምንባር ዚዓቢ ኽቡር መዝገብ የልቦን!” ድማ በሉ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ብዛዕባ እቲ ንጐረባብትና ዘጋጥሞም ጸገማት ብምስትንታን፣ ምእመናን ንዅሉ ነገር ብተስፋ ንምቕያርን፣ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ቝስሊ ንምዝናንን ብእምነት ክርእይዎ ከም ዘለዎም ጻውዒት ኣቕሪቦም።
"ኣብዚ ከባቢታት እዚ፣ ኽፉታት ኣብ ምዃን ክትቅጽሉን በዚ መንገዲ እዚ ንቕድሚት ክትስጕሙን ንሰባት ክትከናኸንዎምን አተባብዓኩም ኣሎኹ" በልዎም። "ካልኦት ድማ ምሳኻትኩም ክሓብሩ ተስፋ እገብር፣ ኣብዚ ኣብ ኳርቲቺዮሎ ናይ ሕያውነትን ፍትሕን መባዅዕቲ ክትኮኑ ድማ ተስፋ እገብር" ክብሉ ተማሕጸንዎም።
ብፍላይ መንእሰያት፣ "ተባዓትን ሓቀይናታትን ብምዃን ከምኡ ውን ሠናይ ህይወት ብምምራጽ ነቲ ናይ ላንጋላንጋነት ህይወት ክሰግርዎ" ብምትብባዕ መዓድዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣስዒቦም፣ ንተቐማጦ እቲ ከባቢ ጐይታናን መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድሮ ኣብ ማሕበረሰቦም ይዓዪ ኸም ዘሎ ብምምስካር፣ ምልክት ተስፋ ክዀኑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
ኣብ መደምደምታ ድማ "ከም ክርስትያን ምእመናን መጠን ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብቲ ዝነብሩሉ ዘለዉ ቦታን ግዜን ክትግለጽ ከም ዚደልዩ ሰባት መጠን እውን፣ መንነትና ኽንምስክር ዘሎና" ክብሉ ስብከቶም ደምደሙ።
ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምምላሶም ምስ ኣባላት ሽማግሌ ሓዋርያዊ ጉስነት ናይቲ ቍምስና ተራኺቦም።
ኣብቲ ዝለገሱሎም ሓጺር ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ድማ፣ ስለቲ ኣብ ማሕበረሰቦም "ህይወትን ፍቕርን ልግስን ሕውነትን" ንኽሰፍን ዘርኣይዎ ድልዱል እምነትን ባህግን ኣመስገንዎም።
ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም "ኣነ ከም ናይ ሮማ ጳጳስ መጠን ሓድሽ እየ፣ ግናኸ ነዚ ማሕበረሰብ እዚ ብምርካበይን፣ ነዚ ህያው መንፈስ እዚ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምርዓየይን ብሓቂ ተሓጒሰ፣ እዚ ድማ መግለጺ እቲ ኣብ ውሽጥኹም ዘሎን እትካፈልዎ ዘሎኹምን ህይወት እዩ" በሉ።
