ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ሞናኮ ማሕበራዊ ምሕዝነት ንምድፋዕ ዝተጸወዐ እያ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ ቅድሚ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ዝተኣከቡ በኣሽሓት ዝቁጸሩ ምመናን ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ ናይ ኣምልኾ ናጽነት ውሑስ እኳ እንተኾነ፡ ካቶሊካዊ እምነት ከም መንግስታዊ ሃይማኖት ካብ ዘለወን ውሑዳት ሃገራት ኤውሮጳ፡ ናብ ሞናኮ ዝበጽሑ ኣብ ዘመናዊ እዋን ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምዃኖም ብምዝኽካር፡ ነዚ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያን ሮማን ሞናኮን ዘሎ ዓሚቝ ምትእስሳር ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ ንማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ተወፋይነት ኣዕሚቓ ብደረጃ ዓለም ክፍጸም ብሓላፍነት ዝተወሃባ ምዃኑ ብምምልካት፡ “ኣብቲ ብዙሕ ሃይማኖታዊ ዘይኰነን ኣዝዩ ዓለማዊ ዝዀነን ባህልታት እውን ከይተረፈ፡ ነዚ ማሕበረሰብኣዊ ሰረተ - እምነት እዚ ዚምልከት ጸገማት ባህርያዊ ኣቀራርባ ነቲ ወንጌል ንብዙሓት ተስፋ ምግባር ዘጸግሞም ግዜና ዘቅርቦ ዓብዪ ብርሃን ኪገልጽ ይኽእል እዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ሞናኮ ንባሕሪ መዲተራንያን እትጥምት መሬት ምዃና ብምዝካር፡ ነታ ንእሽቶ ሃገር "ርክባት ንምድንፋዕን ማሕበራዊ ዕርክነት ንምምዕባልን" ዘለዋ ጸዋዕታ ሓንጎፋይ ቢላ ክትቕበል ኣተባቢዖም፡ "ውህበት ንኡስነት ህያው መንፈሳዊ ውርሻን ምዕባሌኹም ኣብ ኣገልግሎት ሕግን ፍትሕን ከተቕርቡ ይዕድመኩም ብፍላይ ከኣ ኣብቲ መርኣያ ስልጣንን ስነ መጎት ጭቈናን ንዓለም ዚጐድእን ንሰላም ኣብ ሓደጋ ዜእቱን ዘሎ ታሪኻዊ ህሞት” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንተቐማጦ ሞናኮ ታሪኻዊ ብድሆታትን ሓላፍነታትን እናሃለወ ኽነሱ እምነቶም ክሓቝፉ ደኣ እምበር ረዳኢ ዘይብሎም ኰይኑ ከይስምዖም ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ሞናኮ ብዙሕነታዊ ኣቃውማኣ፡ ንጡፍ ውሑዳት ነበርቲ እቲ ከባብን መብዛሕትኦም ወጻእተይናታት ዜጋታትን ንሓባራዊ ሰናይ ህይወት ኣበርክቶ ዝገብሩላ ንእሽተይ ቆስሞስ ከም ዝገብራ ኣስተብሂሎም፡ "ኣብ ማሕበረሰብኩም ብዙሓት ሰባት ኣብ ቍጠባውን ገንዘባውን መዳያት ዓብዪ ጽልዋ ኣለዎም" ብዙሓት ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ኣገልግሎት ይሳተፉ ብዙሓት በጻሕትን ኣጋይሽን ከኣ ኣለዉ - ቢሎም - መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ “ኣብ መንጎ ድኻታትን ሃብታማትን፡ ኣብ መንጎ ፍሉይ ዕድል ዘለዎምን ዝተሓረጉን፡ ኣብ መንጎ ፈተውትን ጸላእትን ጋግ ዝፈጥር ዘይፍትሓዊ ኣቃውማ ሓይልን ኣቃውማ ሓጢኣትን” ከም ዘናውጾ ኣስተብሂሎም፡ ንካቶሊካዊ ውርሻ ሞናኮ ብምዝካር፡ ልኡላውነት ኢየሱስ ንኹሉ ሰብ የልዕሎን የራኽበናን፡ ስለዚ ኩሉ ሰብ ንነፍሲ ወከፍ ህይወት ወዲ ሰብ ብፍቕሪ ክሕሉ ይጽውዕ ሓደ’ኳ ዝግለል የሎን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ንሞናኮ ንማሕበራዊ ምዕባለ ንምድንፋዕን ንህይወት ደቂ ሰባት ንምምራሕን ዝዓለመ ዕምቆት ካቶሊካዊ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ንዓለም ከተርኢ ኣተባቢዖም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
