ድለ

2026.03.16 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምሕላው ንህይወት ቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ እዩ 2026.03.16 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምሕላው ንህይወት ቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ እዩ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ምሕላው ንህይወት ቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 16 መጋቢት ንኣባላት ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ከምዚ ዓይነት ሓላፍነት "ባህሊ ሓልዮት" ንምህናጽ፡ ብጭቡጥ ክገጥም እምበር ክውከል ከምዘይብሉ ኣጠንቂቖም፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግህሰት ኣብ ምክልኻል ዘማእከለ ተልእኾኦም የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃግረ ቫቲካን

"ተልእኾኹም ግህሰት ኣብ ምክልኻል ምሕጋዝ እዩ። ይኹን እምበር ምክልኻል ስነ ስርዓት ወይ ኣገባባት ምቕማጥ ጥራይ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ኣብ መላእ ቤተክርስትያን፡ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ኣብ ተቓላዒ ኩነታት ዝርከቡ ሰባትን ካብ ደገ ዝግበር ግዴታ ዘይኮነስ ከም ባህርያዊ መግለጺ እምነት ዝረአ ባህሊ ክንክን ንምፍጣር ምሕጋዝ እዩ" እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ዘካይዶ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣተሓሳሲቦም፡ ንኹሎም ንህጻናትን መንእሰያትን ኣብ ተቓላዕቲ ኩነታት ንዝርከቡ ሰባትን ንምሕላው ኣባላት ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዘካይድዎ ዕዮ ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ንሕይወት ቤተ ክርስቲያንን ንህንጸት ሓቀይና ባህሊ ሓልዮትን ኣገዳሲ ዝኾነ ጠለብ ዘለዎ ኣገልግሎት እዩ፡ ሓንሳብ ሓንሳብ ብጽሞና ዝፍጸም መብዛሕቲኡ ግዜ ከቢድ እኳ እንተ ዀነ ንህይወት ቤተ-ክርስትያንን ሓቀይና ባህሊ ክንክን ንምህናጽን ኣድላዪ እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣማራጺ ዘይኮነ ኣገልግሎት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቲ ሽማግለ ብቐዋምነት ኣብ ውሽጢ ሮማዊ ኩርያ ህልው ክኸውን ምግባሮም "ምክልኻል ግህሰት ኣማራጺ ዕማም ዘይኮነስ ቅዋማዊ ሸነኽ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ንመላእ ቤተክርስትያን ንምዝኽኻር" ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናይ ካልኦት ስቓይ ዘስምዕ መንገዲ ምልዋጥ፡ ተሞክሮ ግዳያትን ዝደሓኑን ከም ኣገደስቲ መወከሲ ነጥብታት ብምግባር፡ ስጉምቲ ክወስዱ ክድርኾም ከም ዘለዎ ቅዱስ ኣቦና ተላብዮም፡ ብርግጽ መሪርን ክትሰምዖም ኣጸጋምን እኳ እንተኾኑ፡ እዞም ተመኩሮታት ብሓይሊ ንሓቂ ናብ ብርሃን ዘውጽኡን ግዳያትን ካብ ሞት ዝደሓኑን ንምሕጋዝ ኣብ እንጽዕረሉ እዋን ትሕትና ዝምህሩናን እያቶም - ቢሎም - ነቲ ዘጋጠመ ቃንዛ ብምልላይ እዩ ተኣማንነት ዘለዎ መንገዲ ተስፋን ምሕዳስን ዝኽፈት። እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ኣካል ናይ ሮማዊ ኩርያ ካብ ምዃን ክመሃርን ምስኡ ክተሓባበርን ብተመሳሳሊ ንኩርያ ብናይ ገዛእ ርእሱ ተመኩሮ ከሀብትምን ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ግሉጽ መሳርሒታት

ኣብዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዓመታዊ ጸብጻብ እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ "ንጽቡቕ ቤተ ክርስቲያን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ክኸይድ ዘለዎ ኣብ ሓቅን ሓላፍነትን ከምኡ'ውን ኣብ ተስፋን ጥንቃቐን ዝግበር ተመኩሮ ምጥራይ ዝውክል ስለዝኾነ ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ ምጋበርያ እዩ። ኣብዚ ሚዛን እዚ፡ ተስፋ ንተስፋ ምቑራጽ ኢድና ከይንህብ ይዓግተና፡ ጥንቃቐ ግን ንመከላኸሊ ግህሰት ኣብ ምፍታሕ ካብ ምምዕርራይን ደጋውነትን ከም ዝዕቅበና ኣስሚሮም፡ ናይ ተራን ዓበይቲ ሓለፍቲን ሓላፍነት ክውከል ከምዘይክእል ብኣጽንዖት ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጭቡጥ መግለጺታት

ግዳያት ምስማዕን ምስናይን "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓቕለሲያዊ ማሕበረሰብን ትካልን ጭቡጥ መግለጺ ክረክብ ኣለዎ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ማሕበረሰብ ኣብዚ ዕማም በይናውነት ከይስምዖን፡ ኣባላት ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ተቓላዕትን ከም ጸጋ ኮይኖም ከገልግሉ ተማሕጺኖም፡ ብፍላይ ጸጋታት ወይ ክእለት ኣብ ዝጎደለሉ ቦታታት ንከባብያዊውያን ኣብያተ ክርስቲያን ክድግፉ ኣተባቢዖም። ኣብ ሳልሳይ ዓመታዊ ጸብጻቦም ብዛዕባ እቲ ድሮ ዝተገብረ ዘተባብዕ ምዕባለ፡ ከምኡ’ውን ገና ተወሳኺ ምዕባለ ዘድልዮም መዳያት ተወሳኺ ሓበሬታ ክረኽቡ ብሃንቀውታ ከም ዝጽበዩ ገሊጾም። እቲ ሽማግለ ምስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ፡ ምስ ግዳያት፡ ብህይወት ዝተረፉ፡ ከምኡ’ውን ምስ መሻርኽቲ በርገሳዊ ማሕበራት ዝገበሮ ምትእስሳር፡ ኣብ ክልተ ብቕልጡፍ ዝምዕብሉ መዳያት ምሕላው፡ ማለት ኣብ ኣምር ተቓላዕነት ምስ ግህሰትን ምክልኻል ብእደ ጥበብ ዝተደገፈ ግህሰት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ቦታን ከዕምቑ ከም ዝደረኾም ድማ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ማዕቅፍ ኵላዊ መምርሕታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ንቤተ ክርስቲያን ንናይ ምሕላውን ምክልኻልን ብድሆታት ብትብዓት ንምፍታሕን ብጉስነታዊ ንጹርነትን መዋቕራዊ ምሕዳስን ምላሽ ብምሃብ ብፍላይ ድማ ማዕቅፍ ኵላዊ መምርሒታት ብምምዕባሉ ኣመስጊኖም፡ ምስዚ ብዝምልከት ቅዱስነቶም ድሕሪ ግቡእ መጽናዕትን መመያን ዝሕተም ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ ኩሉ ጻዕርታት ተልእኾ ጳጳሳዊ ሽማግለ "ወግዓዊ መስርሕ ምምስራት ጥራይ ዘይኮነስ ምልክት ሓድነትን ሓባራዊ ሓላፍነትን ምዃኑ" ዘርእይ ከም ዝኾነ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ኣብ መደምደምታ "ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ኣብ ተቓላዕቲ ኩነታት ዝርከቡ ሰባትን ዝተነጸለ መዳይ ቤተ ክርስቲያናዊ ሕይወት ዘይኮነስ፡ ኣብ ጉስነት፡ ምቛም፡ ምሕደራን ስነ-ስርዓትን ዝሰፍሐ ሸነኽ ምዃኑ" ከም ዘዘካኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 Mar 2026, 15:50