ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዝወርድ ዘሎ መጉዳእቲ ሓዘኖም ገሊጾም፣ ሰላም ክወርድ ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዝወርድ ዘሎ መጉዳእቲ ሓዘኖም ገሊጾም፣ ሰላም ክወርድ ይጽልዩ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዝወርድ ዘሎ መጉዳእቲ ሓዘኖም ገሊጾም፣ ሰላም ክወርድ ይጽልዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ቦምባታት ዘስዕቦ ዘሎ ሞትን ዕንወትን ዝፈጥረሎም ሓዘን ገሊጾም፡ ብፍላይ ንህጻናትን ማሮናዊ ካህን ኣባ ፒየር ኤል ራሒ ይዝክሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 9 መጋቢት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ “ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባታት ግዳያት ዝኾኑ ኩሎም፣ ብዙሓት ህጻናት ሓዊሱ ብዙሓት ንጹሃት፣ ከምኡ’ውን ነቶም ዝሕግዝዎም ዝነበሩ ከም በዓል ኣባ ፒየር ኤል ራሒ፣ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቅላያ ዝተቐትሉ ማሮናዊ ካህን፣ ዘሕደረሎም ዓሚቝ ሓዘን፡ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ብሻቕሎት ይከታተልዎ ከም ዘለዉን፡ ኩሉ ጽልኢ ድማ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ደው ክብል ጸሎቶም ምዃኑ” ከምዘረጋገጹ ይሕብር።

ብመሰረት መራኸቢ ብዙሓን ሊባኖስ እቶም ኣብ ሊባኖስ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካህን ኣባ ፒየር ኤል ራሒ ዕለት 9 መጋቢት ኣብ ቃሊያ ነቶም ቤቶም ብታንክታት እስራኤል ዝዓነዎም ምእመናን ሓገዝ እናቕረቡ እንከለዉ ታንክታት እስራኤል ብዝፈጸመኦ ዳግማይ መጥቓዕቲ ቆሲሎም ናብ ቤት ሕክምና ምስ ተወስዱ ከም ዝዓረፉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ጢሮስን ዲርሚማስን ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሊባኖስ ቆሞስ ኣባ ቱፊክ ቡ መርሒ ብስልኪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ወዲ 50 ዓመት ማሮናዊ ካቶሊካዊ ካህን ኣባ ኤል ራሒ ሓቀይና ጓሳ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ህዝብን ኣባላት ቁምስናኦም ኣብ ስቓዮም ብሓባር ምስኦም ቢሎም ካብቲ ከባቢ ክወጹ ከም ዘይመረጹ ሓቢሮም ካብ መንግስቲ እስራኤል ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ክወጽእ ትእዛዝ እኳ እንተ ተዋህበ ህዝበይን ምእመናነይን ካብ ምግልጋል ኣይበኩርን ዕጫ ህዝቢ ዕጫይ እዩ. ዝበሉ ምንባሮም ይሕብሩ።

ኣባ መርሒ ኣስዒቦም ከም ዝገለጽዎ፡ ኣባ ኤል ራሒን ቆሞስ ቆይኖም ዘገልገልዎ ማሕበረሰብ ኣብ ከቢድ ሓዘንን ፍርሕ ከም ዘለዉን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ካብ ዓድታቶምን ኣባይትኦም ክወጹ ኣይደልዩን እዮም፡ ካብ ቤቶም ምውጻእ ማለት ኣብ ጎደናታት ወይ ናብ ካልእ ቦታታት ምግዓዝ ማለት እዩ። ህዝቢ ዓቕሚ የብሎምን፡ ብፍላይ እታ ሃገር ድሮ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ኩነታት እያ ዘላ ይብሉ።

ፍራንቸስካውያን ናይ ቅድስቲ መንበር ዓቃቤ ቅድስቲ መሬት ኣብዚ እዋን እዚ ዝተመዛበሉ 200 ሰባት ኵሎም ስዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝኾኑ ኣብ ገዳም ጢሮስ ከም ዘአንገዶም ኣባ መርሒ ገሊጾም፡ ልዕሊ 300,000 ሰባት ድሕንነት ንምርካብ ካብ ደቡባዊ ሊባኖስ ከም ዝወጹን "እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ክመውት ዘይግብኦ ናይ መወዳእታ ነገር እንተሎ እቲ ወትሩ ንኽንቅጽል ብርታዐ ዝህበና ኣብ ጎይታ ዘሎና ተስፋ እዩ። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝበልዎ ኣጽዋር ሰላም ኣየምጽእን እዩ፡ ጃምላዊ ቕትለትን ጽልእን ጥራይ እዩ ዝፈጥር። ህይወትና ብኣኽብሮት ክንነብር ኢና ንሓትት ዘሎና" እንክብሉ ንዜና ቫቲካን ዝሃብዎ መግለጺ ዛዚሞም።

Photogallery

ኣብ ቅላያ ዝተቐትሉ ማሮናዊ ካህን ኣባ ፒየር ኤል ራሒ
10 Mar 2026, 16:41