ድለ

2026.03.26 Cattedrale di Canterbury, presso l'altare che si dice sia il luogo del martirio di San Thomas Becket. arcivescovo di Canterbury e primate della Comunione anglicana, Sarah Mullally, e il cardinale Kurt Koch, prefetto del Dicastero per la Promozi 2026.03.26 Cattedrale di Canterbury, presso l'altare che si dice sia il luogo del martirio di San Thomas Becket. arcivescovo di Canterbury e primate della Comunione anglicana, Sarah Mullally, e il cardinale Kurt Koch, prefetto del Dicastero per la Promozi 

ር. ሊ. ጳ. ምስ ካንተርበሪ 'ብሓቅን ፍቕርን' ዝርርብ ከም ዝግብር ኣረጋገጹ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሊቀ ጳጳሳት ሳራ ሙላሊ ኣብ ዝምድና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ኣንግሊካዊት ቤተክርስቲያንን ንዘጋጠመ ምዕባለን ብድሆታትን ብምዝካር መልእኽቲ ለኣኹ። እቲ ኣብ ካቴድራል ካንተርበሪ እተገብረ ምቕባል መንበር ብዕለት 25 መጋቢት እዩ ተኻይዱ።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14  ንሳራ ሙላሊ ሊቀ ጳጳሳት ካንተርበሪ ዀይና ኣብ እተሸመትሉ ኣጋጣሚ መልእኽቲ ጸሓፉሎም፣ ጸሎቶም ብምርግጋጽ "ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ... ብሓቅን ብፍቕርን" ብምናይ ድማ መልእኽቶም ኣመሓላለፉሎም።

እቲ ብታሪኻዊ መገዲ ምቕባል መንበር ተባሂሉ ዝፍለጥ ሥነ-ስርዓት፣ ብዕለት 25 መጋቢት ኣብ ካቴድራል ካንተርበሪ እዩ ተኻይዱ። መስፍን ዌልስን በዓልቲ ቤቱን ሓዊስካ ኣስታት 2,000 ዝኾኑ ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኽቡሉ እዋን ከም ሊቀ ጳጳሳት ካንተርበሪ መጠን ህዝባዊ ኣገልግሎታ ጅመራ ኣላ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ እቲ ንሓዳስ ሊቀ ጳጳሳት ኣግሊካዊት ቤትክርስቲያን ብሕድሪ እተዋህበ ቤት ጽሕፈት፣ ኣብ ውሽጢ ሰበኻ ካንተርበሪ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ መላእ ኣግሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝን ኣብ ዝሰፍሐ ሕብረት ኣንግሊካውያን እውን ኣገዳሲ ሓላፍነታት ከም ዘለዋ ገሊጾም። ኣገልግሎታ "ኣብ ታሪኽ ሕብረት ኣግሊካውያን ድማ በዳሂ ህሞት" ከም ዝጀመረት ኣስተንተኑ፣ ከም ማርያም ኣደ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሓ ብጥበብ ክትብርትዕን ብመንፈስ ቅዱስ ክትምራሕን ድማ ጸልዮም።

ካርዲናል ኩርት ኮኽ ምስ ሳራ ሙላሊ ኣብ ርክቦም
ካርዲናል ኩርት ኮኽ ምስ ሳራ ሙላሊ ኣብ ርክቦም

ነቲ ብ1966 እተገብረ ጉባኤ ምዝካር

እዚ መልእኽቲ ቅዱስነቶም፣ ነቲ ብ1966 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይን ሊቀ ጳጳሳት ማይክል ራምሲን እተገብረ ታሪኻዊ ኣኼና የዘኻኽረና ብምባል፣ ካቶሊካውያንን ኣንግሊካውያንን "ኣብ ክርስትያናዊ ልግሲ እተመስረተ ሕውነታዊ ርክባት ኣብ ምምዕባል ንሓድሽ መድረኽ" ተመባጺዖም ኢዮም። እዚ ተምጸምዶ እዚ ኣብ ዝሓለፈ 60 ዓመታት ፍረ ኣፍርዩ ኸም ዘሎ እውን የጉልሕ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ ነቲ ድሕሪ እቲ ኣኼባ እተመስረተ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ኣንግሊካውያንን- ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን (ARCIC) ብምጥቃስ፣ ዝያዳ ሓባራዊ ምርድዳእ ንኽህሉ ኣበርክቶ ከም ዝገበረን፣ ብፍላይ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዓለምለኻዊ ብድሆታት እናሃለወ ኽነሱ፣ ዝያዳ ውጽኢታውን ሓባራውን ምስክርነት ከም ዝደገፈ ገሊጾም።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፣ እቲ ናይ ኤቁመናዊ ጕዕዞ ጸገማት ከም ዘጋጠመ እውን ኣፍልጦ ሂቢምሉ ኣለዉ። ነቲ ብ2016 ዓ.ም. ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ጀስቲን ዌልቢን እተኸተመ ሓባራዊ ኣዋጅ እውን ይዝክሩ፣ እዚ ድማ "ሓድሽ ኵነታት ሓድሽ ዘይምስምማዕ ከም ዘምጽአ" ገለጹ።

ኣስዕብ ኣቢሎም እውን እዚ ፍልልያት እዚ፣ ክርስትያን ምእመናን ብምኽንያት እቲ ሓባራዊ ጥምቀቶም ንሓድሕዶም ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ብክርስቶስ ካብ ምቅብባል ኣይዓግቶምን እዩ።

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክርስትያን ንጸጋን ምሕረትን ሰላምን ኣምላኽ ብሓባር ምእንቲ ኺፈልጡን፣ ንዓለም ምእንቲ ኼቕርቡን፣ "ብሓቅን ብፍቕርን" ዝርርብ ክቕጽሉ ከም ዘለዎም ይኣምኑ ኢዮም ክብሉ ድማ ኣመልከቱ።

ሓድነትን ሓባራዊ ምስክርነትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም፣ እቲ ክርስትያን ምእመናን ዝደልይዎ ሓድነት፣ ናብ ስብከት ክርስቶስ ዘተኰረ ምዃኑ ጽሒፎም ይርከቡ፣ ነቲ "ዓለም ምእንቲ ኽትኣምን" ክብል ዝጸለዮ ጸሎት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምዝካር ድማ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ 2024 ዓ.ም. ናብ ሊቀ ጳጳሳት ኣንግሊካዊት ቤተክርስቲያን ዘቕረብዎ መደረ እውን ዘኪሮም፣ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ክርስትያን ምእመናን ዘሎ ምክፍፋላት፣ ነቲ ክርስቶስ ንምስባኽ ዘለዎም ሓባራዊ ጽውዓ ዕንቅፋት ከም ዝኾኖም ገለጹ።

ብዛዕባ ዕርቅን ሓድነትን ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ዝገልጽ ምስክርነት፣ ነቲ እንሰብኮ ወንጌል ብንጹር ከም ዝገልጽን ኣበርክቶ ኸም ዚገብርን እውን ኣረጋጊጾም።

ካርዲናል ኩርት ኮኽ ኣብ ካንተርበሪ
ካርዲናል ኩርት ኮኽ ኣብ ካንተርበሪ

ኣብ ካንተርበሪ እተኻየደ ሥርዓተ ኣምልኾ

እዚ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ሓሙስ ዕለት 26 መጋቢት ኣብ ካቴድራል ካንተርበሪ ኣብ መደምደምታ ናይቲ ሊቀ ጳጳሳት ሙላሊን ልኡኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ሓድነት ክርስትና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዘካየድዎ ሓባራዊ ናይ ጸሎት ስነ-ስርዓት ኢዩ ተላኢኹ።

እቲ መደብ ጸሎትደማ መበል 60 ዓመት ናይቲ ብ1966 ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይን ሊቀ ጳጳሳት ማይክል ራምሲን እተገብረ ኣኼባ ዝዝክር ኢዩ ዝንበረ። ኣብ እዋን እቲ መደብ ጸሎት ድማ፣ ነቲ ኣብ 1982 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊን ሊቀ ጳጳሳት ሮበርት ሩንቺን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ እተጠቕመሉ መበርኺ ኢዮም ተጠቂሞም።

እዞም ናይ 2026 ዓ.ም. ልኡኻት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ድማ ንብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፍላቪዮ ፓቸ ዋና ጸሓፊ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ክርስቲያናዊ ሓድነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈትን ከምኡውን ክቡር ኣባ ማርቲን ብራውን ብዓል ስልጣን እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፍትን፣ ብፁዕ ካርዲናላት ቪንሰንት ኒኮልስን ቲሞቲ ራድክሊፍን፣ ሊቀ ጳጳሳት በርናርድ ሎንግሊ ናይ በርሚንግሃም ተራዳኢ-ኣቦ መንበር ARCICን፣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሪቻርድ ሞት ብዓል ዌስትሚኒስተርን፣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጆን ዊልሰን ናይ ሳውዝዋርክን፣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ሊዮ ዊልያም ኩሽሊ ናይ ሰበኻ ቅዱስ እድርያስ ኤድንበርግን፣ ኣብ ሕቡራት ንግስነታት ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ናይ ዩክረይን ግሪኻዊት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ከነት ኖዋኮቭስኪ ከምኡውን ኣብ ለንደን ዝርከቡ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣንቴ ቪዶቪችን ዘጠቓለለ ኢዩ ዝንበ።

ኣብ ሓባራዊ ናይ ጸሎት ግዜ
ኣብ ሓባራዊ ናይ ጸሎት ግዜ
27 Mar 2026, 16:45