ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ሰዲዶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ሰዲዶም 

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14፦ ቤተክርስትያን ኣማዞንያ ምልክት ሓድነት ኣብ ብዙሕነት ክትከውን ኣለዋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዞባ ኣማዞን እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ኣብቲ ነዊሕ ጕዕዞ ስብከተ ወንጌል፡ ንወጌል ኣብ ባህሊ ምስራጽ ክትቅጽሎ ኣተባቢዖም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰሉስ ኣብ ቦጎታ ኮሎምብያ ኣብ ዝተኻየደ 6ይ ኣኼባ ጉባኤ ቤተ-ክርስትያን ኣማዞንያ (CEAMA) ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ልኢኾም።

ነቶም ጳጳሳትን፡ ካህናትን፡ ሰብ ውፉይ ሕይወትን፡ ምእመናንን ከኣ "ብዛዕባ ሕይወት እቶም ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝነብሩ ማሕበረሰባት ንምዝታይ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ንምስማዕ ኣብ ዝተገብረ ፍሉይ ጊዜ" ስለ እተኻፈሉ ኣመስጊኖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ እቶም ኣብ ኣማዞንያ ዝነብሩ ሕዝቢ ንዘሕልፍዎ ዘለዉ፡ ሥጋውን መንፈሳውን ቓልሲ ብምዝካር ንዅሎም እቶም ቤተ-ክርስትያን እተሰንዮም ሰባት ኣብ ቀረባኦም ምዃኖም ገሊጾም።

ነቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ጉባኤ ድማ፡ ኣብ ተልእኾኡ ንኣብያተ-ክርስትያን ንቕድሚት ንምምራሕ ናይ ሲኖዶሳዊ ጕስነታዊ መደባት ንከሰናዱ ኣተባቢዖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ነቲ ቐስ እናበለ ዚዓቢ ግን ከኣ፡ ዓሰርተታት ሜትሮታት ዝቝመቱ ልዕሊ ሽሕ ዓመት ኪነብር ዚኽእልን፡ ንሕይወት እንስሳታት ዝኸውን ምቹእ ኣከባቢ ዚፈጥር ኦም ሺዋዋኮ ከም ኣብነት አቕሪቦም።

"እዚ ኦም እዚ ሕይወት ዚህብን፡ ውሕስነት ዘለዎ መዕቈብን ስለዝኾነ፡ ምልክት ሓድነት ኣብ ብዙሕነትን ኰይኑ፡  ኣብዚ እዋን እዚ ቤተ-ክርስትያን እንታይ ክትከውን ከም እትደሊ ንኽንርዳእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ " ክብሉ ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ምእመናን ብተደጋጋሚ ኣብ ጸሎት ኬስተንትኑሉ ዘለዎም ጕዕዞ ኰይኑ፡ እታ ኣብ ኣማዞንያ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን፡ እምነታ ኣብ ክርስቶስን ኣብ ፍቕሩን ዝተመስረተ ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ።

"እዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ነቲ ኣብ ኣማዞን ዘሎ ብዙሕ ማሕበራዊ፡ ኣከባብያዊ፡ ባህላውን ቤተ-ክርስትያናውን ብድሆታት፡ ብዓመጽን ምዝመዛን ኣብ ዘስግእ ኵነታት ስለ ዘሎ ብቑዕ ምላሽ ዝሓትት ኢዩ።"

ኣብ ማእከል ብድሆታት፡ ቤተ-ክርስትያን  ነቶም  ዝሳቐዩ ኣብ ቀረባኦም ምዃና ክትገልጽን፡ ንፍጥረት ክትከላኸልን፡ ንሕይወት ብዅሉ መልክዑ ብፍላይ ከኣ ንሕይወት ደቂ ሰብ ከተኽብርን ክትጽዕር ከላ፡ ብስራተ ወንጌልን፡ ሓድሽ ሕይወት ኣብ ክርስቶስ ክትእውጅ ኣለዋ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ንምስጢር ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ንምግላጽን ንምኽባርን፡ ንወንጌል ኣብ ባህልታት ናይቲ ከባቢ ምስራጽ ኣድላዪ ምዃኑ ኣብሪሆም።

"ንብስራተ ወንጌል ኣብ ባህሊ ምስራጽ ኣጸጋሚ ግን ከኣ ኣድላዪ መገዲ እዩ" ዝበሉ ቅዱስነቶም፡  “ካብ ዘይውዳእ መዝገብ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኵሉ ሳዕ ሓድሽ ነገር ኪፈጥር ንዚኽእል፡ ብመንፈስ ቅዱስ ናይ ምሕዳስ ሕይወት ብትብዓት ክንቅበሎ ኣሎና" ክብሉ ጠቂሶም።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ነቶም ኣብ ዞባ ኣማዞን ዚርከቡ ካቶሊካውያን ምእመናን፡ ከም ሰበኽቲ ወንጌልን፡ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስን መጠን መንነቶም ኬደልድሉ ተማሕጺኖም።

"እቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ዝመስረትዎ፡ ኣብ ሕማማት ኢየሱስ ክርስቶስ ንክሳተፉ ከኣ ብደሞም ከይተረፈ ዘስተይዎ ግራት ወንጌል፡ ንስኻትኩም ውን ኣሰሮም ስዒብኩም ክትዘርኡሉ፡ ከምቲ ኣብ ኣማዞን ዝበቍል ገዘፍቲ ኣእዋም ከኣ ኣብ ወንጌላዊ ሕይወት ዓሚቝ ክትሰዱ ኣለኩም” ክብሉ ውን ኣተባቢዖም።

 

 

18 Mar 2026, 11:30