ድለ

2026.03.16 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፦ ሓበሬታ ናብ ፕሮፖጋንዳ ክቕየር የብሉን ብፍላይ ኣብ መንጎ ኲናት 2026.03.16 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፦ ሓበሬታ ናብ ፕሮፖጋንዳ ክቕየር የብሉን ብፍላይ ኣብ መንጎ ኲናት  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፦ ሓበሬታ ናብ ፕሮፖጋንዳ ክቕየር የብሉን ብፍላይ ኣብ መንጎ ኲናት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 16 መጋቢት ናይ ኢጣሊያ ራዲዮን ተለቪዥንን ክፍሊ ዝኾነ መበል 50 ዓመት ቅዋመኡ ዘብዕል ናይ ዘሎ ራይ ዱወ ክፍሊ ፈነወ ራዲዮን ተለቪዥንን ኢጣሊያ ኣባላት ተራኺቦም ኣብ ዘስሞዎ መደረ፡ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላይ ኣብ እዋን ግጭት መጉልሒ ንስልጣን ከይኮና የጠንቅቑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃግረ ቫቲካን

ኣብ እዋን ኲናት መራኸቢ ብዙሓን ግርጭታት ብሰብኣዊ ኣረኣእያ ናይቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ከስተውዕልን ክሕብርን ንስልጣን “መጉልሒ ድምጺ” ካብ ምዃን ክቑጠቡን ኣለዎም እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 16 መጋቢት ናይ ኢጣሊያ ራዲዮን ተለቪዥንን ክፍሊ ዝኾነ መበል 50 ዓመት ቅዋመኡ ዘብዕል ናይ ዘሎ ራይ ዱወ ክፍሊ ፈነወ ራዲዮን ተለቪዥንን ኢጣሊያ ኣባላት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ተላብዮም፡ “ኩሉ ግዜ ግን ብፍላይ ኣብዚ ከምዚ ዘጋጥመና ዘሎና መዓተይና ኩነታት ኲናት፡ ሓበሬታ ናብ ፕሮፖጋንዳ ካብ ምቕያር ሓደጋ ክከላኸል ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብዚ ናይ ግጭት እዋን፡ “ዕማም ጋዜጠይናታት፡ ንስልጣን መጒልሒ ድምጺ ከይኮኑ ነቲ ሓበሬታ ኣብ ምርግጋጽ፡ ዝያዳ ህጹጽን ስንኩፍን ይኸውን - ብሓቂ ድማ ኣገዳሲ እዩ - ቢሎም -  ኲናት ኩሉ ግዜ ንህዝቢ ዘምጽኦ መከራ ምርኣይ፡ ገጽ ኲናት ምርኣይ፡ ናብ ናይ ቪድዮ ጸዋታ ከይቅየር ብዓይኒ ግዳያት ምሕባር” ናይ መራኸቢ ብዙሃን ዕማም ምዃኑ ኣጉሊሖም፡ “ፈነወ ሓበኢረታን ክፋላት ትንተናኡን ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ቀሊል ከምዘይኮነ ኣፍልጦ ሂቦም እዚ ድማ እቲ ዓቢይ ብድሆ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

እደ ጥበብ ንወሳኒ መመያ ክትክኦ ኣይክእልን እዩ

ኣብ ቅድሚ ቅልጡፍ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ናብ መራኸቢ ብዙሃን ሰብኣዊ ኣረኣእያ ምምጻእ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጉሊሖም። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ጋዜጠይናነት ተለቪዥን ዝተፈላለዩ ለውጥታት ከም “ካብ ንጽጽራዊ (analog) ናብ ስነ ኣሃዛዊ (digital) ምስግጋር” ከም ዘጋጠመ ኣመልኪቶም ኣብዚ መዳይ እዚ “ዝኾነ ይኹን እደ ጥበባዊ ምህዞ ንመሃዝነትን ነቐፌታዊ ምስትውዓልን ናጽነት ኣተሓሳስባን ክትክእ ከምዘይክእል” ኣስሚሮም፡ "ናይ ዘመንና ብድሆ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ ስለዝኾነ፡ ንርክብ ብመሰረት ናይ ሰብኣዊ ረባሕታ እምበር ብእደ ጥበባዊ ረባሕታ ምቁጽጻር ከምዘድሊ እየ ዝሓስብ" እንክብሉ ኣብሪሆን፡ እዚ "ማለት፡ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ መንጎ መጋበርያን ሸቶን ዘሎ ፍልልይ ምፍላጥ ማለት'ዩ" እንክብሉ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ዘመነ ፖላራይዘሽን ክፉትነት

ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ግሉጽነትን ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣረኣእያ ጥራይ ንምርግጋጽ ዘይምፍታንን ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣስተብሂሎም። ነቶም ጋዜጠይናታት “ዘይሃይማኖታውነትን ብዙሕነት ምንጭታት ዜናን” ኣብ መንግስታዊ ተለቪዥን ከይተረፈ ኣድምዑ። ዓለማውነት “ስነ ርእየታዊ ቅድመ - ሓሳባት ምንጻግን ንክውንነት ብኽፉት ኣረኣእያን” ምምልካት ማለት ምዃኑ ኣብሪሆም፡ "ብሓቅታት፡ ርክባት፡ ኣረኣእያን ድምጺ ካልኦትን ክንግረም ምፍቃድ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ኩላትና ንፈልጥ ኢና፤ ንርእይቶታትና ዘረጋግጽ ጥራይ ክንደሊ፡ ክንርእን ክንሰምዕን ዝድርኽ ፈተና ክሳብ ክንደይ ሓያል ምዃኑ" ኣስተብሂሎም፡ “ግን ብዘይ እዚ ክፉትነት ጽቡቕ ርክብ፡ ወይ ሓቀይና ናጽነትን ጥዑይ ብዙሕነትን ክህሉ ኣይክእልን እዩ - ቢሎም - ኣብ ምሉእ ታሪኽ ራይ ዱወ ክፍሊ ፈነወ ራዲዮን ተለቪዥንን ኢጣሊያ ዝተፈላለየ ባህላዊ ኣረኣእያታት ብሓባር ከምዝነበሩ” ኣስሚሮም፣ እዚ ብዙሕነት እዚ ድማ “ብፍላይ ብመንፈስ ምሕዝነት ቅንቀሳቐስ እንከሎ፣ ንመንነት ፈነወ ዜና ተወሳኺ ክቡር ዋጋ ይኸውን። "ብዝሓ ምንጭታት ሓበሬታን ምይይጥን ኣብዚ እዋን እዚ ብእተሓላለኸ ክውንነት ንኸይንርእን ንኸይንርዳእን ብዚዓግተና ውልትውና፡ ርእየተ ዓለማዊ ዕጹው ኣተሓሳስባን ጭርሖታትን ዝዕብለል ዘመን ብዙሕ ይምህረና” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 Mar 2026, 16:11