ር. ሊ. ጳ.፦ ሥነ-መለኮት ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ንቕድሚት ኣብ ምስጓም የገልግል
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ሥነ-መለኮት ንስብከተ ወንጌል ስለ ዘገልግል ገልግል፣ በዚ ምኽንያት እዚ ዘይንጸልን መሰረታውን ክፋል ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ኢዩ።" ክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ትማሊ ሰኑይ ንግሆ ኣብ ቫቲካን ምስ ተወከልቲ ናይ ተቕዋም ሥነ-መለኮት ፑልያን ካላብሪያን ተራኹቦም ኣብ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን ኣመልከቱሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ብእተፈላለያ ትካላት ዝቐረበ መንገዲ ሥነ መዕበያ ሓሳባት ብምሃብ ቅዱስነቶም ነቶም ተወከልቲ ሊቃውንቲ ሥነ መለኮት ንቕድሚትን ንድሕሪትን ክስጉሙን ከምኡ ውን ብሓባር ኣብ ሥነ መለኮት ክዓዪ ኣተባብዕዎም።
ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ ፑልያን ካላብሪያን ኣብ ገምገም ባሕሪ ከም ዝርከባ ብምዝካር፣ እቶም ዝሓለፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ኣብ 2017 ዓ.ም. ንጸሓፍቲ ላ ሲቪልታ ካቶሊካ ዝተሰምየ መጽሔት፣ "ኣብ ክፉት ባሕሪ ጽንሑ፣ ሓደ ካቶሊካዊ ካብ ክፉት ባሕሪ ክፈርህ የብሉን፤ ዕቝባ ውሑስ ወደባት እውን ክደሊ የብሉን" ክብሉ ንዘመሓላለፉሎም መልእኽቲ ኣዘኻኸርዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ እዚ ኣረኣእያ እዚ ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ፣ እምነት ክእወጅን ክምዕብልን ዘድልዮ ሃዋሁ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ገሊጾም። "እቲ ጕዳይ ትምህርታዊ ግዴታታት ንምፍጻም ሓሳባት ምጥራይ ምክፋል ዘይኰነስ፣ ብትብዓት ዝመልኦ ጕዕዞ ኣብ ላዕለዋይ ባሕሪ ምስጋር እዩ" በሉ።
ክልተ ዝኣንፈቱ ጕዕዞ
እዚ ጕዕዞ እዚ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ብኽልተ ኣንፈት እዩ ዚኽየድ።
"በቲ ሓደ ሸነኽ ናብ መዓሙቝ ምውራድ፣ ማለት ናብ መዓሙቝ ምስጢር ኣምላኽ ብምእታው እተፈላለየ ስፍሓት ክርስትያናዊ እምነት እትምርምረሉ መገዲ እዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ "በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ንድሕሪት ንምኻድ ካልእ ባይታታት ንምድህሳስ ዝኽየድን፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ታሪኽ፣ ወንጌል እንሰብከሉ፡ ሓደስቲ ሥርዓታትን ሓደስቲ ቋንቋታትን ንምርካብ ካብ መዓሙቝ ምውጻእ እዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ሓደ "ኣገዳሲ ነጥቢ" ክውስኹ ከም ዝደለዩ እውን ገለጹ፣ እዚ ድማ "ሥነ-መለኮት ንስብከተ ወንጌል ኢዩ ዘገልግል፣ ስለዚ ሓደ ዘይንጸልን መሰረታውን ክፋል ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ኢዩ" ክብሉ ድማ ኣስመሩሉ።
ምሥጢር እምነት ምዕሟቕ
ኣብዚ መዳይ እዚ ሥነ-መለኮታዊ መዕበያ፣ "ንሒደት ክኢላታት ዝኸውን ዕድል ኣይኰነን"፣ እኳ ደአ "ንኹሎም ደቂ ሰባት እተዋህበ ጻውዒት እዩ" ብምባል፣ ነፍሲ ወከፎም ነቲ ምስጢር እምነት ብምዕሟቕ፣ ነቲ ባህላውን ማሕበራውን ማእከላይነት ወንጌል ብውዕዉዕ ስምዒት ንምቕጻል ጠቓሚ መሳርሒታት ምእንቲ ኺረኽቡ እውን ኣዘኻኸርዎም።
በዚ ኣረኣእያ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ነቲ ኣብ ተልእኾኦም ዝጀመረ ኽቡር ጕዕዞ ብሓድነት ክዝክርዎ ከም ዝደልዩ ገሊጾም፣ እዚ ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ብገዛእ ርእሱ ዝቕጽል ዝነበረ ክውንነታትን ትካላዊ መገድታትን ብሓድነት ክካየድ ከም ዝደልዩ እውን ኣመልከቱሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ እዚ ብሓቂ "ኣገዳሲ ምትሕብባር" ምዃኑ ብኣድናቖት ገለጹሎም፣ እዚ ኸኣ "ተዋሳእቲ ዝዀኑሉ ዘለዉ፣ ሓቀይና ታሪኻዊ ስጕምቲ" እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ ኣጳጳሳት ሕብረት ዜተባብዕ፣ ነቲ ኣቐዱሙ ዝንበረ፣ ኣብ ሥነ መለኮታዊ መጽናዕትታት ዘሎ ውድድር ንምስዓር እውን ዜተባብዕ፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ብሓድነትን ሕውነትን ዝፍለጥ ናይ ቤተ-ክርስትያን ጕዕዞ ዘማዕብል ኢዩ ክብሉ ኣተሓሳሰብዎም።
ንድሕሪት ዘይኰነስ ንቕድሚት ምጕዓዝ
ኣብዚ መገዲ እዚ ብዛዕባ ጉስነታዊ ብድሆታትን፣ ናይ ተልእኾ ወንጌላውነት ጠለባትን፣ ሓባራዊ ኣተሓሳስባን ምትሕብባርን ምህናጽ ይከኣል እዩ ድማ በሉ።
ስለዚ ነቶም ሊታውነቲ ሥነ መለኮት፣ "ብሓባር ሥነ-መለኮታዊ መጽናዕትታት ከካይዱ" ጻውዒት ኣቕረበሎም። ንስብከተ ወንጌል ዜገልግል ኣገባብ ብሓባር ጥራይ ኢዩ ኪርከብ ዚከኣል፣ "ኣብ ክፉት ባሕሪ" ደኣ እምበር ንበይኖም ባሕረኛታት ኴይኮም ከም ዘይበጽሕዎ እውን ኣጕልሑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ እዚ ጻዕርታት እዚ "ካብ ውሕስነት ዘለዎ ወደብ ወጺእካ፣ ካብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዶባት ኣከባቢያዊ ቤተ-ክርስትያን እውን ሓሊፍካ ኣብ ምርኻብን ምልውዋጥን፣ ኣብ ሓባራዊ ጽን ምብህሃልን ምይይጥን፣ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስትያን ዘሎ ሃብትን ክእለትን ባህርያትን ዘጣምር ሕብረት ምርካብ" ዚሓትት ምዃኑ እውን ገለጹሎም።
ብሓባር ስነ-መለኮታዊ መጽናዕቲ ብምግባር ኣእምሮኣውን፡ መንፈሳውን፡ ጕስነታውይን ኣረኣእያ እናሰፍሐ ከም ዝኸይድን፣ ብምግላጽ ሓባራዊ ኣረኣእያታትን ዝያዳ ስጋ ዝለበሰ ናይ ቤተ-ክርስትያን ቃል ኪዳን ከም ዝፈጥርን ኣመልኪቶም፣ እዚ ኸኣ ንኣጸሓሕፋን ቋንቋታትን እምነት ኣብቲ ዚረኽቡሉ ናይ ሓቀይና ትሕዝቶ ንምሕዳስ ኣጋጣሚ ዝኸፍት ኢዩ ክብሉ ድማ ኣመልከቱሎም።
ብሓባር ሥነ-መለኮት ምስዓብ
ብተወሳኺ ብሓባር ሥነ-መለኮታዊ መጽናዕቲ ምክያድ ክበሃል እንከሎ፣ ንመጻኢ ካህናትን ጓሶት ነፍሳትን ኣገልገልቲ ቤተ-ክርስትያንን፣ ብሲኖዳዊ ኣገባብ ኣቅላሲያዊ ርክባት ንኽነብሩ ዘዳልዎም ቤተ ምርምር ምዃኑ ክግንዘቡ ድማ መዓድዎም፣ ኣብኡ ድማ እተፈላለዩ ናይ ቤተ-ክርስትያን ርእሰ ጉዳያትን ኣገልግሎታትን ውህበታትን ንሓድሕዶም ዝደጋገፉን፣ ንዅሉ ዓይነት ዶባት ዝሰግሩሉን፣ ሕቶታትን ብድሆታትን ማሕበራውን ባህላውን ሃዋህው ብዝሓሸ መገዲ ክቕበሉ እውን ከም ዝኽእሎም ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ከም ዘመልከትዎ፣ እቲ ሃብታም ታሪኽን፣ ሃይማኖታውን ዞባውን ዘሕዝን ኩነታት፣ ነቲ ብዙሕ ማሕበራዊ ጸገማት ከም ዘይድምስሶ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ናይ ስራሕ ቅልውላው፣ ናይ ስደት ተርእዮታት ከምኡውን ዅሉ ዓይነት ጭቈናን ባርነትን ምጕዳል ፍትሕን ዝኸውን፣ ሓድሽ ሕልናን ትብዓት ዝመልኦ ቈራጽነትን ካብ ኵሉ ሰብ ከም ዝሓትት ኣጕልሑ።
ንድሕሪት ንኽትምለስ ብዝቐርብ ፈተና ኣይትታለሉ
ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና፣ ሥነ-መለኮታዊ መዕበያ ነቐፌታን ትንቢታዊ ኣተሓሳስባን ንምፍጣር ኣበርክቶ ከም ዝገብር ኣጕልሑ፣ እዚ ኸኣ ንመጻኢ ናይ ስንብታን ዘይምግዳስን ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ንምውጋድ ዘኽእል ባህላዊ ወፍሪ ኢዩ ዘመልክት ክብሉ ኣስመሩሉ።
"ነዚ ውጥን እዚ ብውዕዉዕ ስምዒትን ብቘራጽነትን ክቕበልዎ፣ ንድሕሪት ንምምላስ ብዝቐርበሎም ፈተና ኸይትታለሉን፣ ወትሩ ንቕድሚት ክትስጕሙ አተባብዓኩም ኣሎኹ" ክብሉ መዓድዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ንኣገልግሎት እተወፈዩ ሰብኡትን ኣንስትን ምእመናንን ምእመናትን ብሓባር ደው ዝብሉሉ፣ ናይ ሊቃውንቲ ሥነ መለኮት ማሕበር ክሓልሙ ብምዕዳም፣ ንክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ምልክታት ወንጌልን ናይ ተስፋ ዓውደ መጽናዕትን ክዀኑ ይሕግዞም ኢዩ ክብሉ ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።
