ድለ

2026.03.23 Dirigenti e Personale di Ita Airways 2026.03.23 Dirigenti e Personale di Ita Airways  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14፦ ነፈርቲ ዕንወት ዘይኰነስ ሰላም ከምጽኣ ኣለወን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ንርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሓዋርያዊ ጕዕዞኦም ዘበጻጽሖም፣ ሃገራዊ ትካል መንገዲ ኣየር ኢታ ምስጋናኦም ገሊጾም፣ ነፈርቲ ኣብ እዋን ኲናት ከም መራኽብ ሞትን ዕንወትን ኰይኖም ብምርካቦም ድማ ሓዘኖም ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀቅድሚ እቲ ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጕዕዞ፣ ዕስራ መዓልታት ተሪፍዎ ኣብ ዝሃለወሉ እዋን፣ ምስ ልኡኻት ኣካየድትን ሰራሕተኛታትን ሃገራዊ መገዲ ኣየር ኢጣልያን ሉፍታንዛን ዝኾኑ ጉጀለ ተራኺቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ፣ ንኢታ መንገዲ ኣየርን ነታ ቅድሚኣ ዝነበረት ትካል መንገዲ ኣየር ኣልኢታልያን፣ ነቲ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ጀሚረን ንኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘወፈይዎ ኣገልግሎታት ዘኪሮም ኣመስገንዎም።

ንዓኣቶም ድማ "ብብቕዓትን ብምኩራት ክኢላታትን" ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ነቶም ንሓዋርያዊ ጕዕዞታት ቅዱስነቶም ጋዜጣዊ ሸፈነ ንምሃብ  ምስ ቅዱስነቶም ንዝጕዓዙ ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን፣ "ህዱእ ሃዋህው" ብምፍጣሮም ኣሞገስዎም።

ኣስዕብ ኣቢሎም እውን፣ መንግዲ ኣየር ኢታ ናብ ወጻኢ ሃገራት ንኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ንምብጻሕ "ኣኽብሮት ምስ ተወፋይነት እተተሓሓዘ ዳርጋ ናይ ስድራ-ቤታዊ ሃዋህው" ንኽረኽቡ ሓጊዞምዎም ኢዮም ክብሉ ድማ መስከሩሎም።

"ምሳኻትኩም ብምርኻበይ ነዚ ኽቡር ኣገልግሎት እዚ ብሕታዊ ሞሳን ምስጋናን ቅድስቲ መንበር ክገልጽ ኣጋጣሚ ይኸፍተለይ ኣሎ" ድማ በልዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ በረራታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንተልእኾ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘመናዊ ሕብረተሰብ ከም "ልኡኽ ሰላም" ኮይኖም ናብ ሃገራት ዝበጽሑ ምዃኖም ንጹር ምልክት ኢዩ ክብሉ እውን ኣመልከቱሎም።

"ጕዕዞታቶም ከምቲ ዅሉ ሳዕ ክኸውን ዝግብኦ ማለት ድልድላትን ዝርርባትን፣ ርክብን ሕውነትን ኢዩ" ድማ በሉ።

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ነፈርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋናት ኲናት ዕንወትን ፍርህን ዘምጽኣ ኮይነን ተረኺበን ኣለዋ ክብሉ ድማ ኣተንቀቑ።

"ነፈርቲ ወትሩ ናይ ሰላም መራኽብ ደኣ እምበር ናይ ውግእ መሳርሒ ኣይኰናን!" ድማ በሉ። "ወላ ሓደ ሰብ እኳ ካብ ሰማይ ሞትን ጥፍኣትን ምፍርራህን ከይመጽእ ክፈርሕ የውብሉን” ክብሉ ድማ ተማሕጸኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ዝለገሱሎም ቃለ ምዕዳን፣ ነቲ ኣብ ውግእ ዓለምን ካልእ ግጭታትን ብነፈርቲ ዝፍኖ ዘሎ ደብዳብ ቦምብታት ብምዝካር፣ እዚ ኸኣ ሎሚ እውን ከይተረፈ ይቕጽል ኣሎ ክብሉ ኣመልከቱሎም።

"ድሕሪ እቲ ኣብ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ዘጋጠመ ዜሕዝን ተመክሮታት፣ ናይ ኣየር ደብዳባት ቦምባታት ንሓዋሩ ክእገድ ነይርዎ" በሉ። "ኣብ ክንዳኡስ ገና ኣለዉ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለ ኣወንታዊ እኳ እንተ ተኾነ፣ ንባዕሉ ኣብ ኣገልግሎት ውግእ እዩ ዝውዕል ዘሎ። እዚ ምዕባለ ኣይኰነን፣ ንድሕሪት ምምላስ እዩ!"

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሰራሕተኛታት መንገዲ ኣየር ኢታ (ITA Airways) ናይ ሰላም ወንጌል ንምዝርጋሕ ኣብ ዝገበርዎ ተልእኾ፣ ስለቲ ዝለገስዎ ሓገዝ ኣመስገንዎም።

"ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ ዅነታት ኣብ ሰማያት ናይ ሰላም መገድታት ምርካብ ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ፣ ኣብቲ ጐይታ ብሕድሪ ዝሃበኒ ተልእኾ ኣባኻትኩም ኽውከል ከም ዝኽእል ስለ ዝፈልጥ ከአ አመስግነኩም" ክብሉ መደረኦም ዛዘሙ።

24 Mar 2026, 15:10