ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14፣ ጥዕና ንውሑዳት ሰባት ጥራይ ዝኸውን ምጮት ክኸውን የብሉን
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ረቡዕ፣ "ኣድማሳዊ ክንክን ጥዕና ክብጻሕ ዘለዎ ተክኒካዊ ሸቶ ጥራይ ኣይኰነን፤ ብቐዳምነት ንገዛእ ርእሶም ፍትሓውያን ኢሎም ክጽውዑ ዝደልዩ ሕብረተ-ሰባት፣ ክህልዎም ዘለዎ ስነ-ምግባራዊ ግዴታ ኢዩ፣" እንተዀነ ውን ንዘይፍትሓዊ ተግባር ጠንቂ ግጭታት ከይከውን ንምክልኻል ኣገዳስነት ኣለዎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንተሳተፍቲ ኣባላት ናይቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን “ብጻየይ መን ኢዩ!” ብዝብል ኣርእስቲ እተኻየደ ዕጽው ኣኼባ፣ ብቤት ምኽሪ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣውሮጳን፣ ውድብ ጥዕና ዓለም (ዞባ ኤውሮጳን) ከምኡውን ብጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢጣልያን እተወደበ፣ ቃለ ምዕዳን ኣካፊሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብታ ካልአይ ሰነድ "ናይ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕባ ኤውሮጳዊ ማዕርነት ክንክን ጥዕናዊ መብርሒ" ኣብ ዝወጸላ መዓልቲ ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ እዚ ሰነድ "ኣብ ኣውሮጳ ንብዙሓት ድኻታትን እተገለሉ ሰባትን ንዘጋጥሞም ዘሎ ዅነታት ኣቓልቦ ዝስሕብ ኢዩ" ብምባል ገለጹ።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ዓውዲ ክንክን ጥዕና ዘይማዕርነት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፣ ንኣእምሮኣዊ ጥዕና ሰባት ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ህጹጽ ቈላሕታ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ክንክን ጥዕናን ማሕበራዊ ሰላምን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "ጥዕና ንውሑዳት ጥራይ ምቾት ዝህብ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ!" ብምባል "ንማሕበራዊ ሰላም ኣድላዪ ቅድመ ኩነት" ምዃኑ እውን ኣጕልሑ።
"ክንክን ጥዕና እቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ወገናት ክረኽብዎ ዘለዎም፣ ክብረቶም ዝሓቶ ጥራይ ስለ ዝኾነ ዘይኰነስ፣ ዘይፍትሓዊ ተግባር ሓደ ጠንቂ ግጭት ንኸይከውን እውን ንምክንኻን ክኸውን ኣለዎ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብዛዕባ ጥቕስታት ወንጌልን፡ ካብ ኦሪት ዘፍጥረትን፡ ካብ ጽሑፋት ቅዱስ ኣጉስቲኖስን፡ ካብታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘዳለውዋ ዓዋዲት መልእኽቲ “ኣኃው ኩልነ” ዘርእስታን ብምስትንታንን፣ "ርሕቀትን፡ ኣቓልቦ ዘምግባርን፡ ከምኡ ውን ኣብ ቅድሚ ዓመጻን ስቓይ ካልኦትን ርሕራሔ ዘብልካ ምዃን፣ ናብ ዘይምግዳስ እዩ ዚመርሓና። ይኹን እምበር ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ብፍላይ ከኣ ክርስትያን ምእመናን፣ ናብቶም ዚሳቐዩ ሰባት ክጥምቱ ተጸዊዖም እዮም፣ እዚ ኸኣ ነቶም ጽምዋ ዚስምዖምን ዝሳቐዩን ዘለዉ ወገናት፣ ነቶም ብእተፈላለየ ምኽንያታት እተነጸሉን፣ ከም "እተገለሉን" ጌርካ ዚቝጸሩ ሰባት ከተኵሩ ተጸዊዖም እዮም። ብዘይ ንሳቶም ኣብ ሰብኣዊ ኣካል እተመስረተ ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ክንሃንጽ ኣይንኽእልን ኢና" በሉ።
ኣስዕብ ኣቢሉውን፣ "ብሓባር ጥራይ ኢና ንዅሉ ሰብ ክንከናኸን እንኽእል፣ ድሕንነትን ሰላምን ንረብሓ ዅሉ ሰብ ከማዕብል ዝኽእል ሓድነት ዘለዎ ማሕበረሰብ ክንሃንጽ ውን እንኽእል" በሉ።
ክርስትያናዊ ኣነባብራ ንመንፈስ ሕያዋይ ሳምራዊ የንጸባርቕ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ መደረኦም፣ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ወትሩ "ንምዕባለ ሰብኣውነትን ኣድማሳዊ ሕውነትን ዘገልግል" ዘለዋ ተራ ደጊሞም ኣረጋገጹ።
ኣብ ኣውሮጳን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን፣ ምስ ኣህጉራውያን ውድባት ብምትሕብባር "ሎሚ ኣብ ክንክን ጥዕና ዘይማዕርነት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ህዝባታት ኣብ ምድጋፍ ወሳኒ ግደ ክጻወት የኽእላ ኢዩ" በሉ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ንክርስትያን ምእመናን፣ "ክርስትያናዊ ኣነባብራና ወትሩ ነዚ ሕውነታዊ መንፈስ 'ሕያዋይ ሳምራዊ' ዘንጸባርቕ ክኸውን ኢዩ – እዚ ምስ ኣምላኽ ኣብ ዘሎና ሓድነትን፣ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና እምነትን እተመስረተ ተቐባልነት ዝረኸበ ተባዕ ቈራጽነት ዝህብ ከምኡውን ደገፍቲ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዝገብረ ኢዪ" ክብሉ መደረኦም ዛዘሙ።
