ድለ

ር. ሊ. ጳ. “ሃይራርቃዊ ሥርዓተ ስልጣን ቤተክርስቲያን ወንጌል ንምስባኽ ካብ ክርስቶስ እተወልደ ኢዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እተኣወጀ ሰነድ “ብርሃን ኣሕዛብ” (Lumen gentium) ዝገብርዎ ዘለዉ ተኸታታሊ ትምህርትታት ብምቕጻል፣ ብዛዕባ እቲ ቤተክርስቲያን ወንጌል ንምስባኽ ኣብ ዘለዋ ተልእኾ ኣገዳሲ ባህርይ ዝኾነ ሃይራርቃዊ ሥርዓተ ስልጣን የስተንትኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ብዛዕባ ሳልሳይ ምዕራፍ ዶግማዊ ቅዋም “ብርሃን ኣሕዛብ” ብምስትንታን፣ ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምሂሮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘካፈልዎ ትምህርተ ክርስቶስ፣ እዚ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝቐረቦ ሰነድ፣ ፈለማ ነመንነት ቤተ-ክርስትያን ከም ህዝቢ ኣምላኽ ገይሩ ድሕሪ ምምርማሩ፣ ናብ ሃይራርቃዊ ሥርዓተ ስልጣን ብምሕላፍ እውን ከም ዝገለጸ ዘኪሮም።

ናይ ቤተ-ክርስትያን ሃይራርቃዊ ሥርዓተ ስልጣን፣ "ንህዝቢ ኣምላኽ ብዝተሓሓዘ ቀጺሉ ዝመጽእ ረቛሒ" ዘይኰነስ ምስ ልደት ቤተ-ክርስትያን እተተሓሓዘ መሰረታዊ መዳይ ምዃኑ እውን ኣመልከቱ።

ካብዚ ብምቕጻል ምኡእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዘካፈልዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓን መጻእኩም!

ብዛዕባ ዶግማዊ ቅዋም “ብርሃን ኣሕዛብ” (Lumen gentium on the Church) [LG] ገለ ሓሳባት ብምክፋል፣ ብዛዕባ እዚ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ትምህርትና ክንቅጽል ኢና። ሎሚ ንቤተክርስቲያን ከም ህዝቢ ኣምላኽ ጌርና ድሕሪ ምቕራብ፣ ብዛዕባ ሃይርቃዊ ሥርዓተ ስልጣን ቤተክርስቲያን ንምርምር ኢና።

ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብቶም ክርስቶስ ህያው ኣዕኑድ ናይታ ምስጢራዊት ኣካሉ ገይሩ ዝሸሞምዎም ሓዋርያት እተመስረተት ኰይና፣ ንሓድነትን ተልእኾን ቅድስናን ኵሎም ኣባላታ ንምግልጋል ዚዓዪ ሃይራርቃዊ ሥርዓተ ሥልጣን ኣለዋ። እዚ ቅዱስ ሥርዓት እዚ ንሓዋሩ ኣብ ሓዋርያት እተመስረተ እዩ (ኤፌ 2:20፣ ራእይ 21:14)፣ ከም ሰበ ስልጣን መሰኻኽር ትንሳኤ ኢየሱስን (ግብሪ ሃዋርያት 1:22፣ 1ቆሮ 15:7) ከምኡውን ብጐይታ ንተልእኾ ናብ ዓለም እተላእኩ ኢዮም (ማርቆስ 16:15፣ ማቴ 28:19)። ሓዋርያት ነቲ ናይ መምህሮም ትምህርቲ ድሕነት ብተኣማንነት ክዕቅብዎ ስለ እተጸውዑ (2ጢሞ 1፡13–14) ኣገልግሎቶም፣ ነቶም ክሳዕ ዳግም ምጽኣት ክርስቶስ ንቤተ-ክርስትያን "ናብቶም ኣብ ሓዋርያዊ ጉስነት ዝተክእዎም" ኣብ ምቕዳስን መሪሕነትን ምስትምሃርን ዝቕጽሉ ሰባት የመሓላልፍዎ (መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ቁ. 857) ።

እዚ ኣብ ወንጌልን ኣብ ትውፊት ቤተክርስቲያንን እተመስረተ ሓዋርያዊ ምትኽኻእ፣ ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ “ብርሃን ኣሕዛብ” (Lumen gentium)፣ "ብዛዕባ ሃይራርቃዊ ሥርዓተ ስልጣን ቤተ-ክርስትያን ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኤጲስቆጶሳውነት" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ተገሊጹ ይርከብ። እቲ ጉባኤ ከም ዝገለጾ፣ እዚ ሃይራርቃዊ ሥርዓተ ስልጣን ቤተክርስቲያን፣ ንውሽጣዊ ውዳቤ ቤተ-ክርስትያን ከም ማሕበራዊ ኣካል ኮይኑ ዝዓዪ ሰብኣዊ ህንጻ ከም ዘይኰነ ድማ ይገልጽ (LG 8 ርአ)፣ የግዳስ ነቲ ክርስቶስ ንሓዋርያት ዝሃቦም ተልእኾ ክሳዕ መወዳእታ ዘመን ንምቕጻል ዝዓለመ መለኮታዊ ተቕዋም እዩ።

እዚ ፍረ ነገር እዚ ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ ኢዩ ተገሊጹ አርከብ፣ ኣብቶም ቀዳሞት ክልተ ምዕራፋት ብዛዕብ እንታይነት ቤተክርስቲያን ድሕሪ ምስትምሃር፣ (cf. Acta Synodalia III/1, 209–210)፣ እዚ ሃይራርቃዊ ሥርዓተ ስልጣን ዘለዎ ተቕዋም ንህዝቢ ኣምላኽ ብዚምልከት፣ ቀጺሉ ዝመጽእ ረቛሒ እዩ ማለት ኣይኰነን፦ ከምቲ እቲ “ናብ ኣሕዛብ” (Ad Gentes) ዝተሰምየ ሰነድ ከም ዝገልጾ. "ሓዋርያት ናይታ  ሓዳስ እስራኤል ኮይኖም ተበቖሉ ተኽሊ እዮም። ብተመሳሳሊ ድማ ጅማሬ ናይዚ ቅዱስ ሃይራርቃዊ ሥርዓተ ስልጣን ኢዮም" (ቁ.5)፣ ከመይሲ ማሕበር ናይቶም ብምስጢረ ፋሲካ ክርስቶስ እተበጀዉ ኮይኖም፣ ንዓለም ከም መሳርሒ ድሕነት ዝቖሙ ኢዮም።

ዕላማ ናይዚ ጉባኤ እዚ ንምርዳእ፣ ነቲ ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ ናይ “ብርሃን ኣሕዛብ” ተገሊጹ ዘሎ ኣርእስቲ ብጥንቃቐ ከነንብቦ ኣሎና፣ እዚ ድማ ነቲ ካብ እግዚአብሔር ኣቦ ብወልድ እተቐበልዮን፣ ብምውራድ መንፈስ ቅዱስ ዝተፈጸመን፣ መሰረታዊ መዋቕር ቤተ-ክርስትያን ዝገልጽ እዩ። ኣበው እዚ ጉባኤ እዚ፣ ከምቲ "ቅዋም" (constitution) ዚብል ቃል ብዘመናዊ መገዲ እንተ ተረዲእናዮ ከም ዜመልክተልና፣ ንትካላዊ ባእታታት ቤተ-ክርስትያን ከቕርቡ ዝተጠቕምሉ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ እዚ ሰነድ ኣብ ትርጉም "ኣገልግሎታዊ ወይ ሃይራርቃዊ ሥርዓተ ክህነት" ዘተኰረ እዩ ዝንበረ፣ እዚ ድማ "ብመሰረቱ ከም ብደረጃታት ሥርልታን ጥራይ ዘይኰነስ"፣ ካብ ተራ ክህነት ምእመናን እተፈልየ እዩ፣ ምስ እዚ ዳሕረዋይ ሓባራዊ ክህነት ምእመና ድማ "ንሓድሕዱ እተኣሳሰረ እዩ፣ ነፍሲ ወከፎም ብፍሉይ መገዲ ኣብ ሓደ ክህነት ክርስቶስ ዝሳተፉ እዮም" (LG 10)። በዚ ኸምዚ እዚ ጉባኤ እዚ፣ ነቲ ንቤተ-ክርስትያን ንምግልጋል እተወፈየ ሥልጣን ከም  sacra potestas ቅዱስ ስልጣን (LG 18 ርአ)፣ ኮይኑ ከም እተዋህበ ኣገልግሎት ገይሩ ይዛረበሉ፦ ብፍላይ ብዛዕባ ኤጲስቆጶሳውነት (LG 18-27) ድሕሪኡ ድማ ብዛዕባ ክህነት (LG 28) ከምኡውን ኣብ መዓርገ ዲያቍና (LG 29) ከም ደረጃታት ናይ ሓደ ምሥጢተ ክህነት ገይሩ ኢዩ ዘቕርቦ።

ስለዚ እዚ ጉባኤ በቲ "ሃይራቃዊ ሥርዓተ ሥልጣን" ዚብል ቅጽል ኣቢሉ፣ ቅዱስ መበቈል ሓዋርያዊ ኣገልግሎት፣ ኣብ ተግባረ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ሕያዋይ ጓሳን ከምኡውን ውሳጣዊ ርክባቱን ክገልጽ ኢዩ ዚደሊ። ጳጳሳት ብቐዳምነት፣ ብጳጳሳት ኣቢሎም ከአ ካህናትን ዲያቆናትን ናብ ኣገልግሎት "ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ" ዝመርሖም ዕማማት (በላቲን munera) ተቐቢሎም እዮም፣ በዚ ኸምዚ ድማ "ናብ ሓባራዊ ዕላማ ብናጻን ብሥርዓትን እናዓየዩ ናብ ድሕነት መንቲ ክበጽሑ እዮም" (LG 18)።

ሰነድ “ብርሃን ኣሕዛብ” ነቲ ጉባእያውንውን ሓባራውን ባህርይ እዚ ሓዋርያዊ ተልእኾ ብተደጋጋሚ ብምዝካር፣ "እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጓሶት ህዝቡ ዝሃቦም ግዴታ፣ ሓቀያና ኣገልግሎት እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ፣ ' diakonia' ወይ ኣገልግሎት ተባሂሉ ይጽዋዕ" (LG 24)። ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ፣ ነቲ ሃይራርቃዊ ሥርዓተ ሥልጣን "ካብ ልግሲ ክርስቶስ እተወልደ፣ ነቲ ክርስቶስ ንቤተክርስትያኑ ዘውረሶ ሃብቲ እምነት፣ ኣብነታትን፣ ትእዛዛትን ባህርያትን ብዘይ ገለ ጕድልነት ንምምሕልላፍን ንምዝርጋሕን ንምርግጋጽን" (ስብከት ዕለት 14 መስከረም 1964 ኣብ Acta Synodalia III/1, 147) ከም ሓቀይና ምስክርነት ገይሮም ዘቕረብዎ ምኽንያት ክንርዳእ ንኽእል ኢና።

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ኣብ ኵሉ ኽፍልታት ዓለም ንሰናይ ኵሎም እተጠምቁ ዘገልግሉ ተባዓት ልኡካነ ወንጌል ዘወፍይዎ ልግስን ናብ መላእ ቤተ-ክርስትያኑ ምእንቲ ኺልእከሎም ናብ ጐይታ ንጸሊ።

25 Mar 2026, 15:40