ድለ

2026.02.18 Udienza Generale 2026.02.18 Udienza Generale  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ሰብኣውን መለኮታውን ገጻት ቤተ-ክርስትያን ሓድነታዊ ስኒት አለዎ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ “ብርሃን ኣሕዛብ” ('Lumen gentium') ከካይድዎ ዝጸንሑ ኣስተምህሮ ቀጺሎም፣ ኣብ መንጎ ሰብኣውን መለኮታውን ገጻት ቤተ-ክርስትያን ምጽራር ከም ዘየለ ብምግላጽ ድማ፣ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ናይ ክርስቶስ ፍልይ ዝበለት ተቕዋም ከም ዘይኰነት ኣዘኻኺሮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ካብ ምድሪ እተፈልየት ጽርይትን ጽፍፍት ቤተክርስትያን የላን። ኣብ ታሪኽ ዝተመስረተት ሓንቲ ቤተክርስትያን ክርስቶስ ጥራይ ኢያ ዘላ" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣብዚ ሰሙእን እዚ ኣብ ዘካፈልዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ነቲ ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣተኲሮም ዘካየርዎ ዘለዉ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል ብዛዕባ ቤተክርስትያን ኣስተምሃሩ።

ቅዱስ ኣቦ ኣብ ዘካፈልዎ ኣስተምህሮ ነቶ ብዛዕባ ቤተክርስትያን ዝገልጽ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝኾነ “ብርሃን ኣሕዛብ” (Lumen gentium) እተሰምየ ዶግማዊ ቅዋም ብምጥቃስ ኣስተምህሮኦም  ቀጸሉ፣ እዚ ሰነድ እዚ ብዛዕባ ሰብኣውን መልኮታውይን ምስጢር ቤተ-ክርስትያን ብኸመይ ከም ዘቕርብ ድማ ገለጹ።

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና፣ ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዘካፈልዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ብሩኽ መዓልቲ!

ሎሚ ብዛዕባ እቲ ብዛዕባ ቤተ-ክርስትያን ዘስተምህር ዶግማዊ ቅዋም “ብርሃን ኣሕዛብ” (Lumen gentium) እነካየዶ ዘሎና ተምህርተ ክርስቶስ ንቐጽል።

ኣብቲ ቐዳመይ ምዕራፍ ናይዛ ሰነድ፣ ብቐዳምነት ቤተ-ክርስትያን እንታይ ምዃና ንምምላስ እተዳለወ "እተሓላለኸ ክውንነት" ክብል ይገልጻ (ቁ. 8)። ሕጂ እምበር እስከ ንገዛእ ርእስና ንሕተት፣ እዚ ሕልኽላኻት እዚ እንታይ ዘጠቓልል ይኸውን? ገለ ሰባት ቤተ-ክርስትያን 'እተሓላለኸት' ስለ ዝዀነት ክትገልጻ ኣጸጋሚ ብምዃና ይገልጹ። ገለ ድማ እዚ ሕልኽላኻት እዚ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ማሕበራዊ ወይ ሃይማኖታዊ ጕጅለ እተፈልየ ባህርያት ዘለዋ፣ ኣብ ክልተ ሽሕ ዘመን ታሪኽ ዝቖመት ተቕዋም ስለ ዝዀነት እዩ ይብሉ። ኣብ ቋንቋ ላቲን ግን፣ እዛ 'እተሓላለኸት' እትብል ቃል ኣብ ውሽጢ ሓደ ክውንነት እተፈላለየ መዳያት ወይ ስፍሓት ሥርዓታት ከም ዘለዋ ዘመልክት ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ “ብርሃን ኣሕዛብ”፣ ቤተ-ክርስትያን ብግቡእ ዝቖመት ኣካል ምዃና ከረጋግጽ ይኽእል እዩ፣ ኣብኡ ድማ ሰብኣውን መለኮታውን ስፍሓት ብዘይ ምፍልላይን ብዘይ ምድንጋርን ብሓባር ይነብሩ ክብል የገልጻ።

እቲ ናይ መጀመርታ ስፍሓት ብኡንብኡ ግሉጽ ኮይኑ ዝርአ እዩ፣ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ምእመናን ክርስትያን ብምዃኖም ሓጐስን ቓልስን ዝካፈሉ ብርታዐኦምን ድኽመቶምን ብምድግጋፍ ወንጌል ዝሰብኩን፣ ምልክት ህላወ እቲ ኣብ ጕዕዞ ህይወትና ዘሰንየና ክርስቶስ ዝዀነን ማሕበረሰብ ስለ ዝዀነት እዩ። ይኹን እምበር እዚ መዳይ እዚ – ኣብ ትካላዊ መዋቕራ እውን ከይተረፈ ብንጹር ዝርአ – ኣማናዊ ባህርይ ቤተ-ክርስትያን ንምግላጽ እኹል ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ መለኮታዊ ስፍሓት እውን ስለዘለዋ። እዚ ዳሕረዋይ ባህርይ ቤተክርስትያን ኣብ ምልኣተ ፍጽምና ወይ መንፈሳዊ ጸብለልትነት ኣባላታ ዝምርኮስ ዘይኰነስ፣ ቤተ-ክርስትያን በቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ብክርስቶስ ኣቢሉ ዝመጸሞ መደብ ስለ እተፈጥረት እዩ።

ስለዚ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ሓደ እዋን ምድራዊት ማሕበረሰብን፣ ምስጢራዊት ኣካል ክርስቶስን ዝግለጸላ ማሕበርን፣ መንፈሳዊት ምስጢርን ኮይና፣ ነቲ ኣብ ታሪኽ ዘሎ ክውንነትን ናብ ሰማይ ዝጐዓዝ ዘሎ ህዝቢ ኣላኽን ኢያ እተመልክት (LG, 8; መዝገበ ሃይማኖት 771)።

እዚ ሰብኣውን መለኮታውን ገጻት ቤተክርስትያን፣ ሓደ ነቲ ሓደ ኸይሸፈኖ ብስኒትን ውህደትን ኢዩ ኣብታ ማሕበር ዝርከብ። ስለዚ ቤተክርስትያን ኣብዚ ገምቢጥ ዝመስል ኩነት እያ እትግለጽ። ንሳ ንሓጢኣተይና ሓንጐፋይ ኢላ እትቕበሎን፣ ናብ ኣምላኽ እትመርሖን ሰብኣውን መለኮታውን ሓቂ እያ።

ነዚ ናይ ቤተ-ክርስትያን ኵነታት ንምብራህ እዚ “ብርሃን ኣሕዛብ” እተሰምየ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንህይወት ክርስቶስ የመልክት። አረ እኳ ደአስ እቶም ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መገዲ ፍልስጤም ዝረኸብዎ ሰባት ሰብነቱ ኣዒንቱ ኣእዳዉ ድምጹ ከይተረፈ ተመኪሮምዎ እዮም። እቶም ክስዕብዎ ዝወሰኑ ሰባት በቲ ተቐባሊ ዝኾነ ኣዒንቱ ምትንካፍ ናይ በረኸት ኣእዳዉ፡ ናይ ሓርነትን፡ ምሕዋይን ቃላቱ እውን ተተንኪፎም ኢዮም። ይኹን እምበር እቶም ደቀ መዛሙርቱ፣ ነዚ ሰብኣይ እዚ ብምስዓብ ምስ ኣምላኽ ኪራኸቡ ኸኣሉ። እወ ስጋ ክርስቶስ ገጹ ኣካላዊ ምንቅስቓሳቱን ቃላቱን ነቲ ዘይርአ ኣምላኽ ብንጹር እዩ ዜንጸባርቕ።

ነዚ ክውንነት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ሕጂ ናብ ቤተ-ክርስትያን ክንምለስ ንኽእል ኢና፦ ተጠንቂቕና ምስ እንርእያ ሓድሓደ ግዜ ጽባቐ ወንጌል ዜንጸባርቑ፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ከም ካልኦት ሰባት ዝቃለሱን ጌጋታት ዚገብሩን ሓወይና ብዝኾኑ ሰባት ዝቘመ ሰብኣዊ ገጻት ንረክብ ኢና። ይኹን እምበር ብኣካላታን በቲ ድሩት ምድራዊ መዳያታን እዩ፣ ህላወ ክርስቶስን እቲ ዝፈጸሞ ምድሓንን ዝግለጽ። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ፣ ኣብ መንጎ ወንጌልን ተቕዋምን ዝኾነ ምጽራር የልቦን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፣ መዋቕር ቤተ-ክርስትያን "ወንጌል ኣብ ግዜና ክውን ክኸውንን ተጨባጥነት ክህልዎን" የገልግል (መልእኽቲናብ ጳጳሳት ስዊዘርላንድ 9 ሕዳር 2006)። ካብ ምድሪ ተፈልያ እትነብር፣ ጽርይትን ጽፍፍትን ቤተክርስትያን የላን፣ ኣብ ታሪኽ ዝተመስረተት ሓንቲ ቤተክርስትያን ክርስቶስ ጥራይ ኢያ ዘላ።

እቲ ንቅድስና ቤተ-ክርስትያን ዘቕውም እዚ ዝስዕብ እዩ፡ ክርስቶስ ኣብኣ ዝነብር ብምዃኑ፣ በቶም ንኡሳንን ተነቃፊነትን ኣባላታ ገዛእ ርእሱ ከወፊ ብምርካቡን ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብኣ ዚፍጸም ነባሪ ተኣምር ከነስተንትን እንከሎና 'ጥበብ ኣምላኽ' ክንርድኦ ንኽእል ኢና፦ ንሱ ብድኻምነት እቶም ፍጡራቱ ንገዛእ ርእሱ ይገልጽን ኣብ ስራሕ ይቕስን ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብታ “ሓሴት ወንጌል” (Evangelii gaudium) ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም፣ ንዅላትና "ኣብ ቅድሚ እታ ቕድስቲ መሬት ዝኾኑ ካልኦት (ኣሕዋትናን ኣሓትናን) ኣሳእና ምውጻእ" ክንመሃር ከም ዘሎና ተማሕጸኑና (ዘጸ 3:5)" (ቁ. 169)። እዚ ድማ ሎሚ እውን ንቤተ-ክርስትያን ንምህናጽ ዘኽእለና፣ ነቲ ዝርአ መዋቕራ ዳግም ብምውዳብ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነቲ ሰብነት ክርስቶስ ዝዀነ መንፈሳዊ ህንጻ ብምህናጽ ኣብ መንጎና ብሕብረትን ብፍቕሪ ክነብር እንከሎና እዩ።

እወ ብሓቂ፣ ተግባረ ልግሲ ወትሩ ምልከት ህላወ ናይቲ ዝተንስአ ክርስቶስ እዩ ዝገልጸልና። "ኵላትና ሓሳባትና ኣብ ሓደ ነገር፣ ማለት ኣብ ፍቕሪ ጥራይ እንተ ነተኵር ኔርና! እቲ ንኹሉ ጸብለል ዝብል፣ ብዘይ እዚ ኸኣ ኵሉ ዋጋ ዘይብሉ ኣብ ዝዀነሉ፣ ኣብ ንሱ ዘለዎ ድማ ንኹሉ ናብኡ ዝስሕብ ኢዩ።" (ስብከት 354 6 6)።

04 Mar 2026, 15:25