ር. ሊ. ጳ. ኣብ በዓለ ሆሣዕና፣ "ኢየሱስ ንጸሎት እቶም ውግእ ዝእውጁ ኣይሰምዖን እዩ"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ትማሊ ሰንበት እታ ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊ ቤተክርስቲያን በዓለ ሆሣዕና ብምኽባራ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፣ ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ ድማ ጐይታና መደሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንውግእ ከም ዝነጽጐን ንጸሎት እቶም ውግእ ዝእውጁ ሰባት ዘይሰምዕ ንጉሥ ሰላም ምዃኑ ኣስተንተኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ሰንበት ዘሆሣዕና መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጽሕትን ድማ ስብከት ቃል ኣምላኽ ኣካፈልዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሕናኢናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጉስ ሰላም ምኳኑ ዝገለጸሉ እዋን እውን ከይተረፈ ዓመጻ ኣብ ዙርያኡ ከም ዝነበረ ኣስተንትኑ።

ጉይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመገዲ መስቀል ክንመላለስ ከሎና፣ ወትሩ ምስኡ ክንመላለስን ነቲ ምእንቲ ደቂ ሰብ ከም ውህበት ፍቕሪ ገይሩ ዝጾሮ ሕማማሩ ከነስተንትን ይዕድመና ክብሉ ድማ ኣስተምሃሩ።

ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ፣ ጐይታናን መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ኣብ ትሕትና ብጽንዓት ይቕጽል እኳ እንተ ነበረም፣ እቶም ካልኦት ግና ዓመጽ የለዓዕሉ ነበሩ" በሉ። "ካልኦት ኣስያፍን ኣባትርን ኬልዕሉ ኸለዉ እውን፣ ንደቂ ሰብ ኪሓቝፍ ርእሱ የወፊ" ክብሉ ድማ ብዛዕባ ሕማማት ጐይታና ኣስተንተኑ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ጸልማትን ሞትን ኪውሕጦ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን እውን ከይተረፈ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ህይወትን ብርሃንን ኬምጽኣላ እዩ መጺኡ።

ቅዱስነቶም ወሲኾም፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ኣብ ሕቝፊ ኣቦ ኼእትዋን፣ ካብ ኣምላኽን ካብ ብጻይናን ዝዓግተና ዅሉ ዕንቅፋታት ኬፍርስ ከም ዚደሊ ኣመልኪቶም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስብከቶም፣ "ንጉስ ሰላም" ክብሉ ብምድግጋም፣ ነቲ ጐይታናን መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕማማቱ ሰላም ንምምጻእ ዝነበሮ ባህጊ ዝምስክር ተግባራት ኣጕልሑ።

ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ንሓደ ጊልያ ናይ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ እዝኑ ምስ ቈረጾ፣ ጐይታናን መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስትስ ግና ነቲ ወደ መዝሙር፣ እቶም ብሰይፊ ዝልዕሉ ብሰይፊ ኸም ዝጠፍኡ ብምዝዝኽካር ንሰይፉ ናብ ቦትኡ ክመልሶ ኣዘዞ።

ክርስቶስ ክሰቕልዎን ክቐትልዎን ክደልዪ እንከለዉ እኳ ኣጽዋር ኣይተዓጥቀን ወይ ውን ንርእሱ ኣይተከላኸለን፣ የግዳስ ከም ገንሸል ናብ ማሕረዲ ክወስድዎ ፈቐደ።

"ነቲ ወትሩ ንዓመጻ ዝነጽግ ለዋህ ገጽ ኣምላኽ ድማ ገለጸልና" በሉ። "ንርእሱ ኣብ ክንዲ ዜድሕን ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ኣብ ኵሉ ግዜን ቦታን ዝስከሞ ዅሉ መስቀል ሓቚፉ፣ ኣብ መስቀል ክሽንከር ፈቐደ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀጺሎም፣ ነቲ ነብዪ ኢሳይያስ "ኣንዊሕኩም እኳ እንተ ጸለኹም ኣይሰምዓኩምን፣ ከመይሲ ኣእዳውኩም ብምፍሳስ ደም ረኺሰን ኢየን" (ኢሳ 1፡15) ዝበሎ እውን ኣዘኻኸሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ "ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወላ ሓደሰብ እኳ ንውግእ መመኽነይታ ዝኸውን ክረኽበሉ ዘይክእል፣ ንዓመጻ ዘበለ ኩሉ ዝነጽግ፣ ንጉሥ ሰላም እዩ" በሉ። "ንጸሎት እቶም ዚዋግኡ ዝእውጁ ይነጽጐ እምበር ኣይሰምዖን እዩ” ድማ በሉ።

ሰባት "ብዓመጻ እተጨቈኑን ግዳያት ውግእን እኳ እንተዀኑ፣ በቲ ንዅሉ ሰብ ዜሳቒ እህህታ" ናብ ኣምላኽ ኪጭድሩ ኸለዉ፣ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ኣብ ዓለምና ዘሎ ንሰብኣዊ ስድራ ቤትና ዜጋጥሞ ዘሎ ብዙሕ ቍስሊ ጠቒሶም ድማ ሓዘኖም ገለጹ።

"ክርስቶስ እቲ ንጉስ ሰላም፣ ሎሚውን ከም ብሓድሽ ካብ መስቀሉ፣ ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ" ክብል ይጭርሕ ኣሎ፣ “ምሕረት ግበሩ! ኣጽዋርኩም እውን ኣራግፉ!  ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንኩም ዘክሩ ይብል ኣሎ" ድማ በሉ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ብዛዕባ እታ ኣብ እግሪ መስቀል ወዳ ደው ኢላ ዝነበረት ቅድስት ድንግል ማርያም ብምስትንታን፣ ነቲ ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ኣቡነ ቶኒኖ ቤሎ ንዝበሎ ቃላት ደጊሞም ኣቃልሑ።

"ቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ ኣታ ናይ ሳልሰይቲ መዓልቲ ሰበይቲ፣ ሞት ደጊም ከም ዘይገዝኣና ርግጽነት ትህበና። ዘይፍትሓዊ ተግባራት ህዝብታት ከም እተቘጽረ፣ ብርሃን ውግእ ናብ እጽልምት ከም ዘሎ፣ ስቓይ ድኻታት ድማ ናይ መወዳእታ ትንፋሱ የስተንፍስ ከም ዘሎ ነገረትና" በሉ። "ኣብ መወዳእታ ድማ ንብዓት ኵሎም ግዳያት ዓመጽን ስቓይን ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ውርጪ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ጽድያ ኺነቅጽ ኢዩ" ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

መሥዋዕተ ቅዳሴ በዓለ ሆሣዕና
30 Mar 2026, 16:18