ር. ሊ. ጳ. ኣብ ሞናኮ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ብሰላም ብምንባር ክትምስክሩ ተጸዊዕኩም ኢኹም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንቶም ኣብ ሞናኮ ኣብ ዝርከብ ሉዊ ዳግማዊ እተሰምየ ናይ ስፖርት ሜዳ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ መዛዘሚ ናይቲ ንሓደ መዓልቲ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምስታፍ ኣባኡ እተረኹ ምእመናን "ንድምጺ ኣጽዋርን ምስልታት ውግእን ኣይንለምዶ!" ክብሉ ስብከት ቃል ኣምላኽ ኣከፈልዎም።
ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ዘካፈልዎ ስብከት ንምንባብ ኣብዚ ጠውቕ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስብከቶም "ነፍሲ ወከፍ ዝተኾልፈ ህይወት ንስጋ ክርስቶስ ዘቝስል ኢዩ፣" ብምባል ድማ ኣጕልሑ፣ "ሰላም ሚዛናዊ ሓይሊ ጥራይ ኣይኰነን። ሰላምሲ ዕዮ ናይቶም ንኻልኦት ንምዕቋብ ዘለዎም ዕላማ፣ ኣሕዋትን ኣሓትን ገይሮም ብምርኣይ ደኣ እምበር ከም ጸላእቲ ክስዕርዎም ዘለዎም ገይሮም ናይ ዝርእዩ ኣይኰነን" በሉ።
ቅዱስነቶም ኣብ መኽፈቲ ስብከቶም፣ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል እንካብ ወጌል ዮሓንስ እተወስደ ክፍሊ ምርኩስ ብምግባር ብዛዕባ እታ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ሒዞም ክቐርልዎ ዝወሰኑላ ዕለት ብምንጋር ኣብ ልዕሊ ኢየሱስ እተዋህበ ጭካነ ዝመልኦ ፍርዲ የዘንትወል ክብሉ ኣስተንተኑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ውሳነ እዚ ብዓቢኡ ኣብ ፍርሂ እተመስረተ ፖለቲካዊ ሕሳብ ምንባሩ ገለጹ። "ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋኦም ብምልዕዓል ንጓሂ እቲ ህዝቢ ናብ ሓጐስ እንተ ቐየረ፣ ሮማውያን ግን መጺኦም ነታ ሃገር ምኣጥፍእዋ ነይሮም" ክብሉ እውን ኣመልክቱ።
ስለዚ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ መራሕቲ ሃይማኖት ንኢየሱስ መሲሕ ከም ዝዀነ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ እቲ ቅቡእ ገይሮም ኣብ ክንዲ ዝርእይዎ፣ ከም ሓደ ስግኣት ገይሮም ከም ዝረኣይዎ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ክልተ ተጻረርቲ ሓይልታት ንርኢ ኸም ዘለና ኣስተንተኑ፣ "በቲ ሓደ ሸነኽ ራእይ እቲ ንገዛእ ርእሱ ኸም ኵሉ ዝኽእል ጐይታን መድሓኒን ገይሩ ዜቕረበ ኣምላኽ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ስዉር ውዲት እቶም ብዘይ ምጥርጣር ኪቐትሉ ዝደልዩ ሓያላት ሰበ-ስልጣን" ኢዩ በሉ፣ ሎሚ እውን ኣብ ዓለምና ኣብዚ ኩነት እዚ ብዙሕ ለውጢ ኸም ዘየለ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ገለጹ።
ንንጹሃት ንምቕታል ክንደይ ውዲት እዩ ዝግበር ዘሎ!
"ሎሚ እውን እንተ ዀነ ኣብ መላእ ዓለም ንንጹሃት ሰባት ንምቕታል ክንደይ ውዲት ይእለም ኣሎ!” ድሕሪ ቢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ "ነዚኣአቶም ንምጥፋእ ክንደይ መመኽነይታ እዩ ዝወሃብ ዘሎ!" ብምባል ድማ ኮነንዎ።
ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ እከይ እኳ እንተ ቐጸለ፣ "ዘለኣለማዊ ፍትሒ ኣምላኽ ከምቲ ንኣልኣዛር ዝገበሮ ወትሩ ኻብ መቓብርና ከይተረፈ የናግፈና ሓድሽ ህይወት እውን ይህበና ኢዩ" ብምባል ኣረጋገጹ።
ጐይታ ተስፋ ብምስራጽ፣ ካብ ስቓይ ሓራ ኸም ዘውጽኣናን ነቲ ተሪር ልብና ኸም ዝቕይሮን ኣዘኻኸሩ። ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ ምሕረቱ ንዓለም ዘድሕናን፣ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወት ኣብ ማሕጸን ካብ ዝህነጸሉ እዋን ኣትሒዙ ኽሳዕ ብሞት ዝሓልፍ ኣብ ኩሉ ድኽመታቱ ኢዩ ዘዕቍቦ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ነብዪ ህዝቅኤል ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ንባብ ዝሰማዕናዮ፣ ኣምላኽ ብሓርነት ጀሚሩ ነቲ ሕዝቢ ብምቕዳስ ልክዕ ከምዚ ጕዕዞ ናይ ጾምና ዝመስል ነቶም ናይ ንስሓ ጕዕዞ ንዝጀመሩ ሰባት ብኸመይ ነቲ ናይ ምድሓን መደባቱ ከም ዘቐጽሎ ከም ዝመስከረ እውን ኣስተንትነኑ።
ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ "ኣብ ክንዲ ኣብ ብሕታዊ ወይ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ጥራይ ንሕጸር፣ ምስ ኣምላኽን ምስ ጐረባብትናን ዘሎና ዘሎና ርክብ ምእንቲ ኺልወጥ፣" ተሳተፍቲ ክንከውን ተዓዲምና ኣሎና ክብሉ እውን ኣዘኻኸሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ሓራ ምውጻእ ክበሃል እንከሎ፣ ካብቲ ንህዝቢ ዘርክስ "ጣኦታት" ንልብና ባሮት ዝገብሮን ዘታልልን ዘበላሽወን ነገራት ከም ምንጻህ ምኳኑ ብምዝካር፣ "ጐይታ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ናብ ሓቀኛ እምነት፣ ካብ ሞት ናብ ህይወት ብምጽዋዕ ኣንፈት ታሪኽና ቀይርዎ ኢዩ" ብምባል ኣጕልሑ።
ዘጋጥመና ዘሎ ብዙሕ ዘይፍትሓውነትን ውግእን
በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፣ እቲ ንህዝብታት ዘሳቕዮም ዘሎ ብዙሕ ዘይፍትሓዊ ተግባራትን፣ ንኣህዛብ ዝበታትን ዘሎ ውግእን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ነብዪ ኤርምያስ "ሓዘኖም ናብ ሓጐስ ክቕይሮ፣ ከሓጕሶምን ደጊመ እውን ከጸናንዓዎም እየ" ዝብል ቃላት ብሓይሊ ከም ዝስማዕ ዘሎ ኣስተብሃሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ኣምልኾ ጣኦት ንሰባት ባሮት ሓድሕዶም ከም ዚገብሮምን፣ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ምንጻህ ግን ኣምላክ ከም ዝቕድሶም ኣስመሩሉ። "እዚ ውህበት ጸጋ እዚ ንደቂ ሰባት ውሉድ ኣምላኽ ዝገብሮምን፣ ንሓድሕዶም ከኣ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘዛምዶም ውህበት ጸጋ እዩ” በሉ። ወሲኾም ድማ ከምዚ በሉ፦ "እቲ ብደም ዝዓለሶም ውግኣት ፍረ ኣምልኾ ጣኦት ማለት ኣምልኾ ስልጣንን ገንዘብን እዩ እሞ፣ እዚ ውህበት እዚ ነዚ ህሉው ኵነታትና ዘብርህ እዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መብል 14 ወሲኾም፣ "ነፍሲ ወከፍ እተኾልፈ ህይወት ንሰብነት ክርስቶስ ዘቝስል እዩ" ብምባል ነቒፍዎ፣ "ንድምጺ ኣጽዋርን ምስልታት ውግእን ኣይንለምዶ!” ክብሉ ድማ ኣትሪሮም ተላበዉ።
በዚ ምኽንያት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም፣ ሰላም ሚዛናዊ ሓይሊ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ተግባር ናይቲ ንጹሕ ዝኾነ ልቢ ምዃኑ ኣጕልሑ፣ "ናይቶም ንኻልኦት ዘዕቍቡ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ገይሮም ዝርእይዎም ደኣ እምበር ናይቶም ከም ሰላእቶም ገይሮም ብርኣይ ክስዕርዎም ዝፍትኑ ኣይኮነን" ብምባል ኣበርቲዖም መስከሩ።
ብእምነትካ ንኻልኦት ሓጐስ ነምጽኣሎም
በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን ናይታ ኣብ ሞናኮ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን፣ ብሰላምን ብበረኸት ኣምላኽን ክትነብሩ ከም እተጸውዑ ኣዘኻኸርዎም። "ስለዚ ፍቑራተየ ብፍቕሪ እምበር ብውርርድ ዘይዕወት ናይ ሓቂ ሓጐስ ብምግላጽ፣ ብእምነትኩም ንኻልኦት ሓጐስ ኣምጽኡሎም፡ ክብሉ ተላበውዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ፍቕሪ ኣምላኽ "ምንጪ እዚ ሓጐስ እዚ ኮኑ፣ ፍቕሪ ሓድሽን ተኣፋፍን ህይወት እዩ፣ ኵሉ ሳዕ ኪቕበል ድማ ክንከናኸኖ ይግባእ። ንመንእሰያትን ንኣረጋውያንን ኣብ ህይወት ንዜጋጥሞም ብድሆታት ምትብባዕ ክረኽቡ ዘኽእሎም ፍቕሪ፣ ነቶም ሓድሓደ እዋን በይኖም ከም ዝኾኑ ኮይኖም ዝሰምዖም ሰባት ኵሉ ሳዕ ብጥንቃቐ ዝስዕብዎም ብምዃን፣ ንጥዑያትን ሕሙማትን ብምፍቃር ድማ ኢያ እትግለጽ" ክብሉ ድማ ኣመልከቱሎም።
ኣብ ዓለም ዘሎ እከይ እናሃለወ ኽነሱ፣ ጐይታ ንዓናን ንቤተ-ክርስትያንን ይድግፍ
ናብ ድንግል ማርያም ከአ ንቘልዑን ንድኻታትን ባህ ዜብልን ምዕቡልን ቦታ ንምፍጣር ከምኡውን ንሓድሕዱ ዝተሓቋቐፍ ምዕባለ ንምድንፋዕ ክትሕግዞም ጸልዮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ፣ "ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመነ ጾም ኣብ ዓለም እከይ እኳ እንተ ተጋደደ፣ ኣምልኾ ጣኦት እውን ንልቢ ደቂ ሰባት እንተ ኣደንዞ፣ ጐይታ ግና ንበዓለ ትንሳኤኡ የዳልወና ኣሎ" በሉ።
