ድለ

VATICAN-RELIGION-POPE-AUDIENCE VATICAN-RELIGION-POPE-AUDIENCE 

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ምእመን ብዛዕባ ክርስቶስ ብቐጻሊ ይምስክር!'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ፣ ብዛዕባ እቲ ብካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እተኣወጀ 'ብርሃን ኣሕዛብ' እተሰምየ ሰነድ ዝገብርዎ ዘለዉ ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል፣ "ነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ምእመን ብዛዕባ ክርስቶስ ብቀጻሊ ምስክርነት ኪህብ ከም እተጸውዐን፣ ንጡፍ ወኪል ስብከተ ወንጌል" ምዃኑን ብምግላጽ ኣስተምሂቶም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

 

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን  መበል 14 ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘካፈልዎ ኣስተምህቶ፣ "ነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ሰብ ብመሰረት እቲ ጐይታ ንመላት ቤተ-ክርስትያኑ ዝሃቦ ትንቢታዊ ውህበት፣ ብዛዕባ ክርስቶስ ብቐጻሊ ክምስክር እተጸውዐን ንጡፍ ወኪል ስብከት ወንጌል እዩ” ክብሉ ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ነቲ ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብተኸታታሊ ዝገብርዎ ዘለዉ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል፣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ውን ነቲ  ንቤተ-ክርስትያን ከም ህዝቢ ኣምላኽ ንዝብል ኣርእስቲ እተወፈየ ካልኣይ ምዕራፍ ናይ ዶግማዊ ቅዋም ብርሃን ኣሕዛብ እንደገና ብምስትንታን፣ መሲሓዊ ህዝቢ ካብ ክርስቶስ "ኣብቲ ናይ ምድሓን ተልእኾኡ ዝፍጸመሉ ናይ ክህነትን ትንቢታውን ከምኡውን ንጉሳዊ ተልእኾ ተሳትፎ" ከም ዝቕበል ኣስተምሃሩ።

ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዘካፈልዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም። ሰናይ ምክትታል!

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሩኽ መዓልቲ!

ሎሚ ነቲ “ቤተ-ክርስትያን ከም ህዝቢ ኣምላኽ” ንዝብል ኣርእስቲ እተወፈየ ካልኣይ ምዕራፍ ናይ ጉባኤያዊ ቅዋም “ብርሃን ኣህዛብ” (LG) ክነጽንዕ እደሊ።

እዚ መሲሓዊ ህዝቢ (LG, 9) ካብቲ ክርስቶስ ናይ ምድሓን ተልእኾኡ ዝፈጸመሉ፣ ናይ ክህነትን ትንቢታውን ንጉሳውን ዕዮ ብተሳትፎ ይቕበሉ። ኣበው እዚ ጉባኤ እዚ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ሓድሽን ዘለኣለማውን ኪዳን ኣቢሉ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ከም 'ንጉሣዊ ክህናት' ገይሩ ብምሻም፣ መንግስቲ ክህነት ከም ዘቘመ ይምህሩ (1 ጴጥ 2፡9፣ 1 ጴጥ 2፡5፣ 1 ጴጥ 2፡5፣ ራእይ 1፡6)። እዚ ሓባራዊ ክህነት ምእመናን ብጥምቀት እዩ ዚወሃብ፣ እዚ ኸኣ ንኣምላኽ ብመንፈስን ብሓቅን ከነምልኾን፣ "ነቲ ብቤተ ክርስቲያን ካብ ኣምላኽ እተቐበልዎ እምነት፣ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰባት" ክንብምክር ድማ ዘኽእለና ኢዩ (LG 11)። ብተወሳኺ ውን ብምስጢረ ሜሮንጺ ኣቢሎም ኵሎም እተጠምቁ "ምስ ቤተ-ክርስትያን ኣጸቢቖም ይተኣሳሰሩ ... መንፈስ ቅዱስ ከኣ ከም እሙናት መሰኻኽር ክርስቶስ መጠን፣ ብቓልን ብግብርን ንእምነት ኣብ ኩሉ ከብጽሑን ኪጣበቑን ብጽንዓት ምእንቲ ክእዘዙ ፍሉይ ሓይሊ ይህቦም።" እዚ ተወፋይነት እዚ ሱር ናይቲ ነቶም መዓርገ ክህነት እተቐበሉ ኣገልገልትን ምእመናንን ዘሕብር ሓባራዊ ተልእኾ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብወገኖም ከም ዝገለጽዎ፣ "ንህዝቢ ኣምላኽ ክንዕዘብ እንከሎና፣ ኵላትና ከም ምእመናን ናብ ቤተ-ክርስትያን ከም እንኣቱ ምዝካር እዩ። እቲ ንመንነትና ንሓዋሩ ዝሓትምን፣ ኵሉ ሳዕ ክንሕበነሉን ዝግብኣና ቐዳማይ ምስጢር ጥምቀት እዩ። ብጥምቀትን ብምቕባኣተ መንፈስ ቅዱስን፣ (ምእመናን) 'ከም መንፈሳዊ ቤትን፣ ንቅዱስ ክህነትን ይውፈዩ' (LG 10) [ስለዚ] ኵሉ ኣማኒ ዝኾነ ቅዱስ ህዝቢ ኣምላኽ የቕውም" (መልእኽቲ ናብ ኣቦ መንበር ጳጳሳቲ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ፣ 19 መጋቢት 2016) ።

ተግባራት ንጉሳዊ ክህነት ብብዙሕ መገድታት እዩ ዝካየድ፣ እዚ ዅሉ ድማ ንቅድስና ዝዓለመ እዩ፣ ብቐዳምነት ድማ ኣብ መሥዋእተ ቅዱስ ቍርባን ብምስታፍ እዩ ዝፍጸም። በዚ ኸምዚ ብጸሎትን ተጋድሎን ብንጡፍ ኣገልግሎት ፍቕርን በቲ ካብ ኣምላኽ ዝረኸብናኦ ጸጋ፣ ብዛዕባ እቲ እተሓደሰ ህይወት ንምስክር (LG 10)። ከምቲ እዚ ጉባኤ ኣሕጽር ኣቢሉ ዝገለጾ፣ "እዚ ናይ ቅድስና ባህርያትን ህያው መዋቕር ናይዚ ክህነታዊ ማሕበረሰብን ኣብ ግብሪ ዝውዕል ብምስጢራትን ብመንፈዋይን ሓይላት ብምንባርን ኢዩ" (LG 11)።

ኣስዒቦም ድማ ኣበው ናይዚ ጉባኤ፣ እዚ ቅዱስ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ትንቢታዊ ተልእኾ ክርስቶስ ከም ዝሳተፍ የስተምህሩና (LG 12) ። ኣብዚ ዓውዲ እዚ ድማ ኣገዳሲ ዝኾነ ፍረ ነገር፣ ማለት ናይ እምነት መግለጽን፣ ናይ ምእመናን ስምምዕን ዝብል ሓሳባት ተኣታተዉ። እቲ ብዛዕባ ዓንቀጽ-እምነት ዝግደስ ዝነብረ ሽማግሌ ናይዚ ጉባኤ እዚ ከም ዝገለጾ ድማ፣ እዚ sensus fidei (ናይ ምእመናን እምነት) "ልክዕ ከም ናይ መላእ ቤተ-ክርስትያን ሓይሊ እዩ፣ ቤተክርስትያን ድማ ብእምነታ ነቲ እተዋህበ ግልጸት ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ኣብ ጕዳያት እምነት ንሓቅን ሓሶትን እትፈልየሉ ብተመሳሳሊ እዋን ከኣ ብዕምቈት እትኣቱን፣ ኣብ ህይወታ ድማ ምሉእ ብምሉእ ትዓይን እያ" (cf. Acta Synodalia, III/1, 199)። ስለዚ መግለጺ እምነት ናይ ውልቀ-ሰባት ዝኾኑ ኣመንቲ ብገዛእ ርእሶም ዘይኰነስ፣ ከም ኣባላት ህዝቢ ኣምላኽ መጠን እዩ ዝፍጸም።

“ብርሃን ኣሕዛብ” Lumen gentium ድማ ኣብዚ ዳሕረዋይ መዳይ እዩ ዜተኵር፣ ናይ ሮማ ጳጳስ ወራሲኡን ኣገልጋሊኡን ከም ምዃኖም ኣብ ዘለዎም መዝነብር፣ ቤተ-ክርስትያን ዘይትስሓሓት ከም ምዃን ድማ የስተምህሩ። "ብዘሎ ኣካል እዞም ምእመናን ከምቲ በዚ ቅዱስ እተቐብኡ ከም ምዃኖም፣ (1ዮሃ 2፡20-27) ኣብ ናይ እምነት ጕዳያት ክጋገዩ ኣይክእልን ኢዮም። ካብ ጳጳሳት ክሳብ እቶም ናይ መወዳእታ ምእመናን ኣብ ናይ እምነትን ስነ-ምግባርን ጕዳያት ኣድማሳዊ ስምምዕ ከርእዩ ኸለዉ፣ ነዚ ፍሉይ ባህሪ እዚ ብምልእት ከም ሓደ መልዕልተ-ባህርያዊ ምስትውዓል ገይሮም የንጸባርቑ" (LG 12)። ስለዚ ቤተ-ክርስትያን ከም ሕብረት ምእመናን መጠን – ብባህርያዊ መገዲ ንጓሶት ነፍሳት እውን ብምጥቕላል – ኣብ ናይ እምነት ጕዳያት ክትጋገ ኣይትኽእልን እያ፦ እቲ ኣብ ቅብኣተ መንፈስ ቅዱስ እተመስረተ ሓቂ እዚ ዚዕቀበሉ ኣካል፣ እቲ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ምእመናን ዝግለጽ ልዕለ-ባህርያዊ ናይ መግለጺ እምነት ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ እዩ። ካብዚ ሥልጣነ ኣስተምህሮት ቤተ-ክርስትያን ዘዕቍቦ ሓድነት እዚ፣ ነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ምእመን ብመሰረት እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንመላእ ቤተ-ክርስትያኑ ዘወፈዮ ትንቢታዊ ውህበት፣ ንክርስቶስ ብቐጻሊ ክምስክር ዝተጸውዐ ንጡፍ ወኪል ወንጌላውነት ምዃኑ ይግለጽ።

እወ እቲ ብትንሳኤ ክርስቶስ ኣቢሉ ናባና ዚመጽእ መንፈስ ቅዱስ፣ "ነቶም ኣብ ኵሉ ደረጃ ዘለዉ ምእመናን ፍሉይ ጸጋ ይዕድሎም እዩ። በዚ ውህበታት እዚ ኣቢሉ ንምሕዳስን ንምህናጽን ቤተ-ክርስትያን ኣበርክቶ ዝገብር እተፈላለየ ዕዮታትን ስልጣናትን ንምፍጻም ብቑዓትን ድሉዋትን ይገብሮም" (LG 12)። በዚ ኸምዚ ድማ ፍሉይ መርኣያ ናይዚ ህያው ውህበት ዝኾነ ህይወት፣ ብዕዮ ጸጋ ኣቡሉ ብቐጻሊ ዝበቍልን ዝዕምብብን እተቐደሰ ህይወት ኢዩ ዘቕርበሎም። ኣቅላሲያውያን ማሕበራት ድማ ከምኡ፣ ንህዝቢ ኣምላኽ ንምህናጽ ዝኸውን መንፈሳዊ ፍረታትን በበይኑ ዝዓይነቱ ፍርያምነትን ከም ዘለዎ ዜርኢ ብሩህ ኣብነት እዩ።

ፍቑራት ኣሕዋተይ ክፍሊ ህዝቢ ኣምላኽ ናይ ምዃን ውህበት ስለ ዝረኸብና ዘሎና ምስትውዓልን ምስጋናን ኣብ ውሽጥና ነነቓቕሕ። እዚ እውን መዝነትና ኢዩ።

18 Mar 2026, 15:19