2026.03.28 Viaggio Apostolico nel Principato di Monaco - Accoglienza uï¬ iciale 2026.03.28 Viaggio Apostolico nel Principato di Monaco - Accoglienza uï¬ iciale  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሞናኮ ኣትዮም

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ልክዕ ሰዓት 9፡00 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሞናኮ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ኤሊኮፕተር ምስ በጽሑ ናይ ሞናኮ ልኡል ኣልበርት ዳግማውን ልእልቲ ሻርለነን ኣቀባብላ ከም ዝገበሩሎም ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ክቡር ዘበዓይና ንኽብሪ ቅዱስነቶም ድሕሪ ዘቕረቦ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ሰላምታ ንኽብሮም 21 መድፍዕ ከም እተተኮሰን ቅዱስ ኣቦናን ልኡል ኣልበርትን ልኡኻቶም ናይ ምልላይ ስነ ስርዓት ፈጺሞም ምስ ኣብቅዑ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብቲ ወግዓዊ ስነ ስርዓት ቀባብላ ዝፍጸመሉ ናብ ናይ ልኡላን ቤተ መንግስቲ ከም ዝኸዱን ኣብ ቤተ መንግስቲ ምስ በጽሑ ልኡል ኣልበርትን ልእልቲ ሻርለነን ደቆምን ኣቀብብላ ምስ ገበሩሎም ክቡር ዘበዐይና ናይ ክብሪ ሰላምታ ምስ ኣቕረበ ናይ ሃገረ ቫቲካንን ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮን ሰንደቓዊ መዛሙራት ምስ ተሰምዐ ነፍሲ ወከፎም ኣሰነይቶም ናይ ምልላይ ስነ ስርዓት ፈጺሞም ሰዓት 9፡40 ምስ ልኡልነቶም ናይ ግሊ ርክብ ኣካይዶም ናይ መጀመርታ ፍጻመ ናይቲ ጉዕዞ ከም ዝዛዘሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ በቲ ዘለዎም ናይቲ ሓዋርያዊ ጉዕዞ መርሓ ግብሪ መሰረት ድማ ምስ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኣብ ካቴድራል ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያምን ከምኡ እውን ምስ መንእሰያትን ንኡሳን  ክርስቲያን ኣብ ፊት ቤተክርስትያን ቅዱስቲ ደቮታ ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ከም እተራኸቡን ድሕሪ ቀትሪ ድማ ኣብ ናይ ስፖርት ሜዳ ሉዊስ ዳግማዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

28 Mar 2026, 10:26