ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ  (Manon Cruz)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንሓዋርያዊ ዑደት ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ሄሊኮፕተር ጉዕዞ ናብ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም፡ ኣብቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት “ምስክር እምነት ክርስትናን ህንጸት ናይ ሓባር ረብሓን” ንምትብባዕ ዘለዎ ድሌት ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 28 መጋቢት ልክዕ በኣቆጻጽር ሮማ ሰዓት 7.20 ንግሆ ብሄሊኮፕተር ናብ ርእሰ ምምሕዳር ከም ዝነቐሉን ከምቲ ልሙድ ናይ ኣየር ዶባታ ንዘቘርጹላ ሃገረ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጅዮ ማታሬላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም፡ “ምስክርነት እምነት ክርስትናን ህንጸት ሓባራዊ ረብሓን ንምትብባዕ” ናብ ሞናኮ ክገሹ ድሌት ከምዘለዎምን ኣብ ርእሲኡ ድማ ንርእሰ ብሔርን ህዝቢ ኢጣሊያን ምዉቕ ሰላምታ ብምቕራብ፡ ንመንፈሳዊ፣ በርገሳውን ማሕበራውን ምዕባለ ህዝቢ ኢጣልያ ብጸሎት ዝተሰነየ ሰናይ ትምኒቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጉዕዞ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14  ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ
ጉዕዞ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ   (@Vatican Media)

እቲ ኣርባዕተ ወግዓዊ ርክባት ዘጠቓልል፡ ትሽዓተ ሰዓታት ዝሽፍን ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስነቶም፡ ልኡል ኣልበርት ዳግማዊ ብዝግበረሎም ወግዓዊ ስነ - ስርዓት ኣቀባብላ ዝጅምር ኮይኑ፡ ኣስዒቦም ምስ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብን ምስ መንእሰያትን ምስ ማሕበረሰብ ንኡሳን ክርስቲያን ብምርኻብ፡ ኣብ ናይ ስፖርት ሜዳ ሉዊስ ዳግማዊ ብዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዛዘም ኮይኑ፡ እዚ ኣብ ዋዜማ ሰሙነ ሕማማት ዘካየይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ፡ “Je suis le Chemin, la Vérité et la Vie” — “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ” (ዮሃ 14፡6) ዝብል ካብ ወንጌል ዮሓንስ ብዝተወስደ ቃል ዝተመርሐ እዩ። እዚ ድማ ቅዱስነቶም ንኽርስቶስን መልእኽቱን ንምቕራብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ምዃኑ የረጋግጽ።

ቅዱስ ኣቦና እዚ ትሽዓተ ሰዓት ዝሽፍን ሓዋርያዊ ዑደቶም ዛዚሞም በቆጻጽራ ኢጣሊያ ሰዓት 17፡45 ካብ ሞናኮ ተሰናቢቶም በቆጻጽራ ኢጣሊያ ሰዓት 19፡30 ሃገረ ቫቲካን ክበጽሑ ትጽቢት ይግበር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ቅድሚ እቲ ዑደት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ጉዕዞ “ንተልእኾ ናይታ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ዳግማይ ድርኺት ዝህብ”፡ ኣብ ከም ሓልዮት ፍጥረት፡ ምክልኻል ህይወት ወዲ ሰብ፡ ከምኡ’ውን ምድንፋዕ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ዝኣመሰሉ ህጹጽ ቀዳምነታት ዝጠልቦ ሓባራዊ ተወፋይነት ዘነቓቕሕን፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሰባት ኣቓልቦ ክረኽቡ ዝድርኽ ከም ዝኸውን ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

28 Mar 2026, 09:33