2026.02.01 Angelus 2026.02.01 Angelus  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ መንበሪ ገዛ ሓዋርያዊ ሕንጻ ቅድስቲ መንበር ተሰጋጊሮም

ዳይረክረት ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ዘመነ ጳጳስናኦም ካብ ዝጅምሩ ኣትሒዞም ኣብቲ ኣብ ህንጻ ቅዱስ ቤትጽሕፈት ዝርከብ መንበሪ ገዛ ከም ካርዲናል ክንበሩሉ ዝጸንሑ ወጺኦም፣ ናብቲ ወግዓዊ መንበሪ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኾነ ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ቅድስቲ ምነብር ዝርከብ መንበሪ ገዛ ከም ዝገዓዙ ኣረጋጊጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ዕለት 14 መጋቢት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ገለ ኻብቶም ናይ ቀረባ መሳርሕቶም ብምዃን፣ ናብቲ ቅድሚኦም ዝንበሩ ኣርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝቕመጡሉ ዝንበሩ መንበሩ ገዛ ከም ዝገዓዙን፣ ኣብቲ ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ቅድስቲ መንበር ዝርከብ መንበሪ ገዛ ክነበሩ ከም ዝጀመሩን፣ ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝቕመጡ ኣትሒዞም፣ ኣብቲ ኣቐዲሞም ከም ካርዲናል ዝንበሩ ዝነበሩ ኣብ ሕንጻ ቅዱስ ቤጽሕፈት ዝፍለጥ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እመነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኢዮም ክቕመጡ ዝጸንሑ፣ ካባኡ ድማ ከም ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ጳጳሳት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኰይኖም ከገልግሉ ጸንሑ።

እቲ ኣብዚ እዋን እዚ እተሓደሰ መንበሪ ገዛ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ኣብ ሳልሳይ ደርቢ ሓዋርያዊ ህንጻ ቅድስቲ መንበር ዝርከብ እዩ። ሓያሎ ኽፍልታት ዜጠቓልል ኮይኑ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዝመርሑሉ ብሕታዊ ናይ ንባብ ክፍሎምን ቤተ መጻሕፍቶምን ከምኡ ውን ሓንቲ ንእሽቶ ቤት ጸሎትን ዜጠቓልል እዩ።

ብዕለት 11 ግንቦት 2025 ድሕሪ ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቶም ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ቅድስቲ ማርታ ክነበሩ ዝመረጹ፣ ዝተነብረ ማሕተም መዓሸጊ ብዕለት 21 ሚያዝያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብቲ ኣፍ ደገ መንበሪ ገዛ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣልገስዎ።

ኣብዚ ኽፍልታት እዚ ማለት ኣብቲ ኣብ ሳልሳይ ደርቢ ናይ ሓዋርያዊ ሕንጻ ንመጀመርያ ግዜ እተቐመጡ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ፒዮስ ዓስራይ (1903-1914) እዮም ዝነበሩ።

16 Mar 2026, 13:38