ር. ሊ. ጳ.፦ እምነት ናብቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ደቂ ሰባት የዒንትና ክንከፍት ይገብረና
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰንበት ምስ ነጋዳያንን መፈሳውያንን በጻሕትን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣዕሪጐም።
ቅዱስ ኣቦና ቀቅድሚ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ምዕራጐም ኣብ ዝገለስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነቲ ብዕውሩ እተወልደ ሰብኣይ ከም ዘሕወዮ ዝዘንቱ ክፍሊ ወንጌል ካብ ናይ ዕለቱ ንባባብት (ዮሓ 9፡1-41) ብምጥቃስ ኢዮም ዘስተምሃሩ።
ቅዱስነቶም ኣብ ኣስተንትኖኦም ወዲ ኣምላኽ፣ ደቂ ሰባት ኣብ ጸልማት ይነብሩ ክንፊ ዝንበሩ፣ የዒንትና ክኸፍተልና ስለ ዝመጸ ምስጢር ድሕነት ኣብዚ ፍጻመ እዚ ተገሊጹ ይርከብ።
ልክዕ ከምቲ ኣብ ወንጌል ተጠቒሱ እንረኽቦ፣ ነቲ ናይ ደቂ ሰባት ኩነት፣ ንሕና እውን ብወገና ንዕምቈቱ ንኽንርድእ ዘኽእለናን ኣጸቢቑ ዝገልጸልናን ምስጢር ህይወት፣ ነቲ ከም 'ዕዉራት ኴንና እተወለድናሉ' ኩነት ክንግንዘብ እንከለና ኢና።
"ስለዚ ኸኣ እዩ፣ ኣምላኽ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ስጋ ዝለበሰ፣ ነቲ ብእስትንፋስ ጸጋኡ እተቐርጸ መሬት ዝነበረ ሰብኣውነትናን ንገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን ንኣምላኽን ብሓቂ ንኽንርኢ ዝሕግዘና ሓድሽ ብርሃን ምእንቲ ኺረክብ እዩ" ድማ በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ እምነት ከም "ኣብ ጸልማት ዘላ ቀንዴል" እያ፣ ዚብል ምስላ እውን ዘኪሮም፣ እዚ ኸኣ እምነት ብሓቂ ንዑረት የዒንትና ምርዳእን፣ "የዒንትና ዕሙት" ምዃኑ ምእማንን ማለት እዩ።
ኣብ ክንዳኡስ ምስ ክርስቶስን ፍቕሩን ዘሎና ርክብ፣ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ንየዒንትና ይኸፍተልና እዩ ድማ በሉ።
"እምነት ዕዉር ተግባር ኣይኮነንን፣ ካብ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ምውጻእ ወይ ከኣ ንየዒንትና ካብቲ ጭቡጥ ዝኾነ ዓለም ብምግላስ ኣብ ዝግበር ሃይማኖታዊ ርግጽነት ንድሕሪት ምምላስ እውን ኣይኰነን" በሉ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ እምነት ንነገራት 'ከምቲ ጐይትናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዝርእዮ፣ ብዓይኑ ንኽንርኢ' ኢዩ ትሕግዘና።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ንክርስትያን ምእመናን ስቓይ ካልኦትን ንደቂ ሰብ ዝጐድእ ዘሎ መከራን ምእንቲ ኽንርኢ ኣዒንትና ክንከፍት ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ዓመጻ ኣብ ዓለምና ኣስፋሕፊሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ክርስትያን ምእመናን ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዘይፍትሓውነትን ዓመጽን መከራን እውን ከይተረፈ "ንቑሓትን ጥንቁቓትን ብትንቢታዊ መንገዲ" እምነት ኪምስክሩ ኣለዎም ክብሉ ድማ ተላበዉ።
"የዒንትና ኣብዚ ናይ ጸልማት ዓለም ክኸፍተልና፣ ከምኡውን በቲ ንሰላምን ፍትሕን ሓድነትን ዘሎና ቘራጽነት ኣቢልና ንኻልኦት ብርሃን ወንጌል ከምጽኣሎም ኣሎና" ድማ በሉ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ክርስቶስ ንልብና ምእንቲ ኽኸፍተልና ብትብዓትን ብጽንዓትን ብዛዕባኡ ንኽንምስክር ምእንቲ ኺሕግዘና ጸልዮም።
