ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መንጎ ፓኪስታንን ኣፍጋኒስታንን ሰላምን ዘተን ክሰፍን ይጽልዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን እዚ ኣብ መንጎ ፓኪስታንን ኣፍጋኒስታንን ውግእ ከም እተላዕለን ፓኪስታን ንጎረቤታ ኣፍጋኒስታን ንጉጅለ ዓለወይናታት ፓኪስታን ኣዕቊባ ኣላ እንክብል ድሕሪ ዘቕረቦ ክሲ ኣብ ክልትኤን ሃግራት ንነፍሲ ወከፍ መንግስቲ ሃገር ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ እውን ምክያንዱ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 1 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዘተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ብሓባር ምስ ደገሙ፡ እቲ ኣብ መንጎ ፓኪስታንን ኣፍጋኒስታን ዝተባርዔ ግጭት ዘሕደረሎም ስክፍታ ገሊጾም፡ ክልትኤን ሃገራት ብህጹጽ ናብ ዘተ ከምለሳ ተማሕጺኖም፡ ኣተሓሒዞም እውን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ እስራኤልን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዝፍጽምኦ ዘለዋ መጥቓዕትን ዝተፈጥረ ከቢድ ኩነታትን፡ እዚ ድማ ብግዲኡ ኣብቲ ዞባ ንዝርከባ ሃገራት እውን ንኸብዲ ሓደጋ የቃልዕ ምህላዉ ዘኪሮም፡ ሰላምን ምርድዳእን ክህሉን ሰላም ምንቲ ክስዕር ንጸሊ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘሎ ቁስሊ ክፍውስ ዝኽእል ውህበት ኣምላኽ ዝኾነ ሰላም ጥራይ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምዕልቃልቕ ውሕጅ ኣብ ብራዚል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ብራዚል ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናም ብፍላይ ኣብ ግዝኣት ሚና ጀራይስ ዘስዓቦ መጉዳእቲ እናሓሰቡ፡ ንናይቲ ዞባ ህዝቢ ቅርበቶም ገሊጾም፡ "ስለቶም ግዳያት፡ ነቶም ቤቶምን ንብረቶምን ዝሰኣኑ ኣባይቲ ስድራ፡ ከምኡ'ውን ንኹሎም ኣብ ስርሒታት ኣድሕን ህይወት ንዝተዋፈሩ እጽሊ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ግዝኣት ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናም ዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ማይ ብውሑዱ 46 ሰባት ከም ዝቐተለን፡ መብዛሕቲኦም እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ካብ ሪዮ ዲ ጃነይሮ ንሰሜን ኣስታት 300 ኪሎ ሜትር ርሒቐን ካብ ዝርከባ ከተማታት ኹይዝ ደ ፎራን ኡባን ምዃኖም ምንጭታት ሓበሬታ ብራዚል ጠቒሱ የመላኽት።
