ድለ

2026.03.18 Udienza Generale 2026.03.18 Udienza Generale  (@VATICAN MEDIA)

ር. ሊ. ጳ. ምስ ኣቦታት መናብርት ጉባኤ ካቶሊካውያ ጳጳሳት ብዛዕባ ስድራ ቤታት ኣኼባ ጸዊዖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓዋርያዊ ምዕዳን “ናይ ፍቕሪ ሓሴት” (Amoris Laetitia) ካብ ዝእወጅ ዓሰርተ ዓመት ብምቝጻሩ፣ ነቲ "ኣገዳሲ ትምህርትታት" እዚ ሰነድ እዚ ብምምጓስ፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2026 ምስ ኵሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣቦታት መናብቲ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት፣ ኣብዚ ዘመን እዚ ንስድራቤታት ወንጌል ብኸመይ ከም ዝሰበኽ ንምምይያጥ ኣኼባ ክካየድ ጸዊዖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዓሰርተ ዓመት ይገብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በታ ኣብ ዓመተ 2014ን 2015ን እተኻየደ ሲኖዶስ ጳጳሳት ተደሪኾም ብዛዕባ "ፍቕሪ ኣብ ስድራ ቤት" ዘስተምህር ሓዋርያዊ ማዕዳን “ናይ ፍቕሪ ሓሴት” ዝርእስታ ሰነድ ኣሕቲሞም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ረቡዕ ዕለት 19 መጋቢት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ፣ ነዚ ሰነድ እዚ፣ "ብዛዕባ ናይ ሓዳርን ፍቕርን ናብራ ስድራ ቤትን ዝገልጽ፣ ብሩህ መልእኽቲ ተስፋ" ብምባል ነኣድዎ።

እቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. እተኣወጀ ሓዋርያዊ ማዕዳን፣ "ኣብ ቤተ-ክርስትያን ፍሉይ ኣስተንትኖን ጉስነታዊ ተሓድሶን ክግበር የተባብዕ፣" ከምኡውን "ኣብዚ ዘመን እዚ ክንምርምሮ ዘሎና ጠቓሚ ትምህርትታት የቕርብ" ክብሉ ጸሓፉ።

ምሉእ ትሕዝቶ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምምባብ ኣብዚ ጠውቕ

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መልእኽቶም፣ ንስድራ ቤት እውን ሓዊስካ "ቅልጡፍ ለውጥታት" ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን ንነብር ከም ዘለና ገሊጾም ይርከቡ።

ነዚ ለውጥታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቀርሒ ጥቅምቲ 2026፣ ኣብ ሮማ ኣኼባ ኩሎም ኣቦታት መናብርተ ጉባኤታት ካቶሊካውያን ጳጳሳት ክጽውዑ ከም ዝወሰኑ ውን ኣፍሊጦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ እቲ ኣኼባ "ኣብዚ ዘመን እዚ ንስድራቤታት ወንጌል ንምስባኽ ክውሰድ ዘለዎ ስጕምትታት፣ ኣብ ሲኖዶስ ንእተገብረ ሞመያ ንምቕጻል ኣጋጣሚ ክኸፍተልና ኢዩ፣ እዚ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ፣ ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን ዘሎ ግድላት ኣብ ግምት ብምእታውን፣ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን ዝካየድ ዘሎ ምቅስቓሳት ኣብ ግምት ብምእታው ዝኻየድ ኼባ ኽከውን ኢዩ” በሉ።

ሓድሽ ሜላታት ሓዋርያዊ ጉስነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መልእኽቶም፣ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓደ ኻብቲ ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንነጀው፣ ንኣገልግሎት ስድራ ቤታት፣ "ንዓንቀጽ-እምነትን ጉስነታዊ ቈራጽነትን ቤተ-ክርስትያን ዘደልደለ"፣ ሓደ ካብቶም ክልተ ሓዋርያዊ ማዕዳናት ምዃኑ ገሊጾም፣ እቲ ኻልኣይ ድማ ብ1981 ዓ.ም. ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እተኣወጀ “ስድራቤታዊ ምሕዝነት” (Familiaris Consortio) ዘርእስቱ ሰነድ እዩ ዝንበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ከም ዝገለስዎ፣ ይበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ስድራቤት "ስነ-ሰብኣውን ባህላውን ለውጥታት ኣብ ስድራቤት"፣ ኣብ መንጐ ህዝቢ ኣምላኽ "ሓባራዊ ጽን ምብህሃል" ከም ዝሃትት ኣስተምሂሮም ነይሮም፣ እዚ ርድኢት እዚ ድማ ንሲኖዶስ ጳጳሳት ብዛዕባ ስድራቤት ከም ዝጽውዑን፣ ኣብ መወዳእታ  ድማ ነዛ “ናይ ፍቕሪ ሓሴት” (Amoris Laetitia) እተሰምየት ሓዋርያዊት ምዕዳን ከም ዝጽሕፉ ገብሮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ፣ "ንስድራቤታት፣ ባዕሎም ከይተሳተፉ ሓጐሶምን ተስፋኦምን ሓዘኖምን ጭንቀቶምን ከይሰምዑ ብዛዕባ ስድራቤት ምዝራብ ዘይከኣል ኢዩ" ክብሉ ከም ዝመልከቱ ድማ ዝዝከር ኢዩ።

ኣምላኽ ስለቲ "ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሜመያን ተሓድሶ ሓዋርያዊ ጉስነትን ዘተባብዕ ድራኸ ስለዝገበረ" ምስጋናኦም ድማ ገለጹ።

ስድራቤት መሰረት ሕብረተሰብ ኰይና፣ "ንሰብኣዊ ብልጽግና ዝኸውን ቤት ትምህርሪ" ከም እተፈወፊ ድማ ገለጹ፣ ነቲ ካልኣይ ጉባኤ ጉባኤ ቫቲካን፣ ኣብቲ “ሓጐስን ተስፋን” (Gaudium et Spes) እተሰምየ ሰነድ ንዝበሎ እውን ጠቐሱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "ብምስጢተ ተኽሊል ኣቢሎም ክርስትያን ሰብ ሓዳር ንእምነት ንምስትምሃርን ንምምሕልላፍን ኣገዳሲ ግደ ዘለዋ 'ቤተ-ክርስትያን' የቝሙ” ክብሉ ድማ ኣመልከቱ።

ይኹን እምበር ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሰርተታት ዓመታት፣ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ብዙሕ ነገራት ከም እተቐየረን፣ በዚ ኸምዚ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ነቲ ናይ 2015 ሲኖዶስ ጳጳሳት ንመንፈስ ቅዱስን፣ ንተስፋን ሓጐስን ጓህን ስድራቤታት ንስማዕ ክብሉ ተማሕጺኖም።

ንመንእሰያት ወለዶታት ብዛዕባ ስድራቤታዊ ወንጌል ምስባኽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ እዚ “ናይ ፍቕሪ ሓሴት” እተሰምየ ሰነድ፣ ብዛዕባ ቅዱስ መጽሓፋዊ ተስፋ ብዛዕባ ፍቕራውን ምሕተይናን ህላዌ ኣምላኽ፣ ኣብ እዋን ቅልውላው ስድራ ቤት ኸም ዚህሉ ዚገልጽ ጠቓሚ ትምህርትታት የቅርብ፣ ቃል-ኪዳን ወትሩ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ህይወት ክህሉ ጻውዒት የቕርብ፣ ከምኡውን ወለዲ ንደቆም ንከስተምህሩን ኣብ ስድራ ቤትዊ ናብራ ዓሚቝ መንፈሳውነት ንኺረኽቡን ዝሕግዝ ዘመናዊ ሜላታት ሓዋርያዊ ጉስነት ከም ዜድሊ ይገልጽ።

ንመንእሰያት ወለዶታት ስድራቤታዊ ወንጌል ናይ ምስባኽ ተልእኾ ንምክያድ፣ ቤተ-ክርስትያን "ጽባቐ ናይ ኪዳናዊ ጸዋዕታ ብልክዕ ተነቃፊ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ ከተነቓቕሕ" ሓድስቲ መገድታት ከተናዲ ድማ ጻውዒት ኣቕረበ።

"ንስድራ ቤታት ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብዚ ግዜና ብዘሎ እተፈላለየ ዓይነት ድኽመታትን ዓመጻትን ይሳቐያ ብምህላወርን፣ ንስድራ ቤታት ክንድገፈን ኣሎና" ይብል።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መደምደምታ ምልእኽቶም፣ ቤተክርስቲያን ነቲ ብዛዕባ “ናይ ፍቕሪ ሓሴት” ዝምስክሮ ንስድራ ቤት ዘለዋ ተጸምዶ ከተሐድስን ከተዕምቖን ተማሕጺኖም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ሰብ ሓዳር፣ "ናይ ኪዳናዊ ፍቕሮም ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺነብሩ፣ መንእሰያት ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ብጽባቐ  ኪዳናዊ ጸዋዕታ እውን ምእንቲ ክሰሓቡ እዮም" ክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።

20 Mar 2026, 12:24