ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ንጉስን ንግስትን ስጳይና
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዓርቢ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ንንጉስ ፊሊፐ ሻድሻይን በዓልቲ ቤቱ ንግስቲ ስጳይና ለቲዝያን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ፡ እቶም ንጉሳውያን መጻምድቲ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ኣፍሊጡ።
ኣብ ሕመረት እቲ ክሌኣዊ ዘተ “ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ስጳይና ዘሎ ሰናይ ዝምድና፡ እዚ ድማ ኣብቲ ዚመጽእ ዘሎ ሃዋርያዊ ጕዕዞ ቅዱስ ኣቦና ዓብዪ ግደ ኺህልዎ” ምዃኑ ኣብቲ ዳሕረዋይ ክሌኣዊ ርክብ ከም ተሰመረሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ፡ ብዛዕባ ኩነታት እታ ሃገርን ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ሕብረተ-ሰብ፡ ኣገዳስነት ሰላም ንምድጋፍ ቀጻሊ ተወፋይነትን ከምኡውን መሰረት ኣህጉራዊ ሓባራዊ ህይወት ዘቝሙ መትከላትን ክብርታትን ምድልዳልን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣቃልቦ ከም እተገበረሉ ኣፍሊጡ።
ፍሉይ ማዕርግ ንንጉስ ፊሊፐ ሻድሻይ
እቶም ንጉሳውያን መጻምድቲ ካብ ሃገረ ቫቲካን ተሰናቢቶም ናብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ ብምኻድ ንጉስ ፊሊፐ ሻድሻይ ናይቲ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቀዳሜ ቀኖናውያን ዝብል መዓርግ ከም እተወሃቦም - ናይዚ ማዕርግ ናይ ምሃብ ስነ-ስርዓት ዝፈጸሙ ናይ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ ሊቀ ካህናት ካርዲናል ሮላንዳስ ማክሪካስ ከም ዝኾኑን ኣብቲ ስነ ስርዓት ናይ ስጳይና ቀኖናዊ ኻይመ ብሮሰል ከም ዝሓበሩን እቲ ጉባኤ ቀኖናውያን ባዚሊካ ቅድስቲ መርያም ዓቢይ ብካርዲናል ሊቀ ካህናናትን ዓሰርተው ክልተ ቀኖናውያን ዝቖመ እዩ።
ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ምስ ንግስነት ስጳይና ርክብ ዘለዎ ምዃኑ ብምዝኽካር ንዘመናት ስጳይናውያን ገዛእትን ዓቕለሲያውያንን ምእመናንን ደገፍቲ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ ከም ዝኾኑ የመላኽት።
