ር. ሊ. ጳ.፦ “ኩሉ ሰብ ናይ ሰላምን ዕርቅን ሃናጺ ክኸውን ይኽእል እዩ!”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ፣ ኣብ ምዕራባዊ ክፍለ ከተማ ቶረቬኪያ ኣብ እትርከብ ቍምስና ደበረ በኣታ ለማርያም ጕስነታዊ ምብጻሕ ኣካየዶም።
ኣብ ደገ ሰላም ናይታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዚርከብ ቅርዓት፣ ምእመናንን፡ ስድራ ቤታትን፣ ጕጅለታትን ቈልዑን ህጻናትን ምስ ምስ ጕጀለ መንእሰያትን ስካውትን ሓቢሮም ድሙቕ ተቕባል ገበሩሎም። ቆሞስ ናይቲ ደብሪ ክቡር ኣባ ፓውሎ ስታኪዮቲ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ጥቕላኢ ዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሮማ ዝኹኑ ብፁዕ ካርዲናል ባልዶ ሬናን ከምኡውን ብፁዕ ካርዲናል ፍራንቸስኮ ሞንቴኔግሮን፣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኤግሪጀንቶን ተቐቢሎም ድሙቕ ሰላምታ ኣቕረቡሎም።
ምስ ቈልዑን መንእሰያትን ዘካየድዎ ርክብ
ቅዱስ ኣቦና ኣብኡ ምስ በጽሑ ብቐጥታ ምስ ቈልዑን መንእሰያትን ተራኸቡ፣ ንሳቶም ከኣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሕቶታትን ደብዳበታትን ኣቕረቡሎም። ብዛዕባ ምስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንምርኻብ ዝገብክገርዎ ዘለዎም ምድላዋትን፣ ብዛዕባ ኣብ ጽንኩር እዋናት ንሓድሕዶም ብኸመይ ከም ዝደጋገፉን ምኽሪ ሓተትዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ድማ ኣባታዊ ምኽሮም ብምክፋል፣ ንዓመጽን ምክፍፋልን ኪነጽጉን፣ ዕርቀ ሰላም ክገብሩን ኣተባብዕዎም ።
ኵሉ ሰብ ናይ ሰላም ሃናጺ ክኸውን ከም ዚኽእል ድማ ኣመልከቱሎም።
ብተወሳኺውን ቈልዑን ህጻናትን ግጭት ኪለዓል ከሎ ምስቶም ኣዕሩኽቶም ኪዕረቑን፣ ምድንዳንን ኵሉ ዓይነት ዓመጽን ጽልእን ኪነጽግዎ ድማ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
ምስ ኢየሱስ ንምርኻብ ምድላው
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ንመጀመርያ ቍርባን ዝዳለዉ ዘለዉ ቘልዑ ህጻናትን እንክዛረብዎ ድማ ብዛዕባ እታ ብማሪዮ ደልፒኒን ጳጳሳት ሎምባርዲን እተዳለወ Qualcuno bussa al tuo cuore “ሓደ ሰብ ኣብ ኣፍደገ ልብኻ ይዅሕኩሕ ኣሎ!” ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ ጸሎትን ጸዋዕታን እትገልጽ ጠቒሶም፣ ልቦም ንክርስቶስ ኪኸፍቱ ዓደምዎም።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኣባይትን ልብን ህይወትን ደቂ-ሰባት ከም ዝኣተወ፣ ኣመንቲ ድማ ኪቕበልዎ ተጸዊዖም እዮም ክብሉ ድማ ተማሕጸንዎም።
ብተወሳኺውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብጸሎት ክዘራረቡን ኣብቶም ዝሳቐዩ ሰባትን ኣብ ግብረ ሰናይን ምሕዝነትን ከም እንረኽቢ ኣፍልጦ ክህቡሉ ኣሎና ክብሉ ኣተባብዕዎም።
ጸሎትን ርክብን ምስ ስድራ ቤታት
ብድሕርዚ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ርክቦም ጸሎት ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር ብምድጋም ተዛዘመ። ስዒቡ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምዕራግ ናብ ቤተ-ክርስትያን ቅድሚ ምእታዎም፣ ነቶም ቝጠባዊ ጸገማት ዘጋጠሞም ስድራ ቤታትን፡ ሕሙማትን ሰላምታ ኣቕረቡሎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ኣረጋውያንን ሕሙማትን ንምርኻብ ግዜ ብምውሳድ ድማ፣ ስለቲ ዝገበሩሎም ተቕባል ኣመስገንዎም። ነቶም ምስ ቅዱስነቶም ዝነበሩ ካርዲናላት ብምጥቃስ ድማ ስለዘሰነይዎም ኣስመስገንዎም፣ ነቲ ርክብ ድማ "ንእሽቶ ጉባኤ" ከም ዚመስል ብምግላጽ ዝተሰምዖም ሓጐስ ገለጹ።
መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተክርስትያን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ብፁዕ ካርዲናል ባልዶ ሬና መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስን ክርስቶስ ምስታ ሳምራዊት ሰበይቲ ዝገበሮ ርክብ ዘዘንቱ ክፍሊ ወንጌል ኣስተንተኑ።
ናይ ዕለቱ ወንጌል ብዛዕባ ህይወት ማሕበረሰብን ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ብድሆታትን እንተላይ ብዛዕባ ተነጽሎን ስጋውን ማሕበራውን ጸገማትን ከም ዝዛረብ እውን ገለጹ። ንመንእሰያት ዝትንክፍ ሻቕሎትን እንተላይ እቲ ብዛዕባ ስራሕን መንበሪ ኣባይትን ከምኡ ውን ንማሕበረሰብ ዘድሊ ድሕንነት ዘልዓዕል ዘሎ ሳቕሎት ጠቒሶም ቃል ተስፋ ኣካፈልዎም።
ብዙሓት ሰባት ቍስሊ ተሰኪቶም ክንሶም ተስፋ ኸም ዚደልዩ ዘለዉ እውን ገለጹ፣ ንማሕበረሰብ እቲ ቍምስና ድማ ጠበቓነት ኢየሱስ ከንጸባርቑን ነቶም እተሸገሩ ኺድግፉን ኣተባብዕዎም።
ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ከም ኣደ መጠን ንሰባት ብዘይ ምዅናን ወይ ብዘይ ፍርዲ ምቅባልን ምስማዕን ምድጋፍን ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ናይ ኣደነት ባህሪ ንከንጸባርቑ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
ኣብ ጐይታ ተመወከሉ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንምእመናን ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምሕጽንታ፣ ኣብ ጐይታ ብዘለዎም ትውክልቲ ንቕድሚት ኪስጕሙ ብምትብባዕ፣ ጐይታ ንኣመንቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ከም ዘሰንዮም ብምዝኽኻር ስብከቶም ዛዘሙ።
ብተወሳኺውን ኣብ እዋን ዘመነ ጾም ንክርስትያን ምእመናን ምስ ህይወት እምነት ዜፋልጦም ጸጋ ጥምቀት እንደገና ከዕምቑዎ ከም ዘለዎም ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
ምስ ወለንተኛታት ኣገልግሎት ካሪታስ ዘካየድዎ ርክብ
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንወለንተኛታት ካሪታስ ሰላምታ ብምቕራብ፣ ነቶም ብሰንኪ ናይ ዕድመ ጸጋን ሕማምን ስደትን ወይ ድኽነት ንሓደጋ እተቓልዑ ሰባት ስለ ዝገበርዎ ዘለዉ ኣገልግሎታት ኣመስገንዎም።
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጥረን ኣወዳትን ኣዋልድን ኣምላኽ ናይ ምዃን ክብሪ ስለ ዘለዎን ክብሪ ዋጋኡ ክትመን ከም ዘይክእል እውን ኣዘኻኸርዎም።
