ር. ሊ. ጳ. ልዮን 14 ንክንክን ጥዕና ሕጻናት ዝኸውን ምዕቡል ናይ ተሌመዲስን መሳርሒ ተቀቢሎም
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ንክንክን ጥዕና ሕጻናት ደገፍ ንምሃብ እተዳለወ እተራቐቐ ናይ ዘመና ተክኖሎጂ ዝዓጠቀ መሳርሒ ተሌሜዲስን ሲስተም ብልኡኻት "ሓለይቲ ሆስፒታል ሕጻናት ዓለም" ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ህያብ ወፍዮም።
እቲ ናይ ቴላዶክ ላይት መሳርሒ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ረቡዕ ንግሆ ዕለት 4 መጋቢት ኣብ ኣዳራሽ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ቅድሚ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ምጅማሮም ንወከልቲ ናይቲ ሆስፒታል ተቀቢሎም ኣብ ዘዛረቡሉ ኢዩ ተዋሂቡ።
"ሓለይቲ ዓለማዊ ሆስፒታል ሕጻናት" ናይ ኣመሪካ ዘይመንግስታዊ ትካል ረድኤት ኰይኑ፡ ምስ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለማዊ ምትሕብባር ጥዕናን፡ ሰብኣዊ ክንክን ሕጻናትን፡ ምስ ናይ ቫቲካን ናይ ኢየሱስ ሕጻን ሆስፒታልን ዝተሓባበር ትካል እዩ።
ዕላማኡ ድማ፡ ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ወይ ኣብ እኹል ናይ ሕጻናት ክንክን ጥዕና ዘይብሉ ከባቢታት ዓለም፡ ንኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ንኣሽቱ ሕጻናት ሕክምናዊ ክንክን ንምሃብ ዝሕግዝ ኢዩ። እዚ ተልእኾ እዚ ድማ ነቲ ትካል ኣብ ወርሒ ግንቦት 2024 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሕድሪ ተዋሂብዎ ነይሩ።
ኣቦ መንበር ናይቲ ትካል ፋብሪዚዮ ኣሬንጊ ቤንቲቮግሊዮ እቲ ትካል ንድሕንነት ሕጻናት ኣብ ዘለዎ ተልእኾ ደጊሙ ክተሓባበር ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ነዚ "ተኣምር" ናይ ሓልዮትን ርሕራሐን ዝኾነ ስራሕ፡ ነቶም እተሸገሩ ሕጻናት ንምሕጋዝ ኣብ ጐድኒ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኰይኖም ብቀጻሊ ከምዝሰርሑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
TELADOC LITE ንሕሙማትን፡ ንጕጅለታት ክንክን ጥዕናን ዘራኽብን ዝሕግዝን ምዕቡል ናይ ዘመና ናይ ተክኖሎጂ መሳርሒ ኢዩ።
ረቡዕ ንግሆ እዚ መሳርሒ፡ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዝተዋህበሉ እዋን፡ እዚ ፍሉይ መሳርሒ ኣብ ዓውዲ ተሌሜዲስን ዝህቦ ተኽእሎታት ንምግላጽ፡ ኣብ ኣርጀንቲና ምስ ዝርከብ ዓውዲ ርክባት ጀሚሩ።
