መልእኽቲ መዓልቲ ጸዋዕታ ር. ሊ. ጳ.፦ 'ውሳጣዊ ርኽበት ውህበታት ኣምላኽ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ መበል 63 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ጸዕታ ብምምልካት፣ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፣ እዛ ናይ ሎም ዓመት መዓልቲ ጽዋዕታ ኣብ ዕለት 26 ሚያዝያ ኣብ ራብዐይቲ ሰንበት ዘመነ ትንሳኤ፣ ማለት ኣብ "ሰንበት ሕያዋይ ጓሳ" ኢያ ተዘኪራ እትውዕል።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ኣብዛ ዕለቲ እዚኣ "ነቲ ኣብ መዓሙቝ ልብና ከም ዝዕምብብ ናጻ ውህበት ኣምላኽ፣ ከም ምርካብ ጌራና ክንርድአ፣ ብዛዕባ ውሳጣዊ ስፍሓት ጸዋዕታ እተወሰነ ሓሳባት እንካፈለሉ ናይ ጸጋ ኣጋጣሚ ኢያ" ኢሎም ጸውዕዋ። ብተወሳኺውን "ምስቲ ዝጓስየናን ዝመርሓናን፣ ነቲ ብሓቂ ባህ ዜብል መገዲ ህይወት ብሓባር ክንምርምሮ" ኣጋጣሚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ከም ዝኾነና ገለጹ።
እቲ ጽባቐኡ ጽባቓት ይገብረና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መልእኽቶም፣ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ ከም "ሕያዋይ ጓሳ" ጌይሩ ከም ዝገለጸ ብምዝካር፣ ንፍቕሪ ኣምላኽ እውን ብምግላጹ፣ "ኢየሱስ ናብ ገዛእ ርእሱ ዝስሕበና ጓሳ እዩ፣ ሓደ ሰብ ኪስዕቦ ኸሎ ህይወት ብሓቂ ጽብቕቲ ምዃና ይገልጽ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ነዚ ጽባቐ እዚ ንምልላይ፣ ኣስተንትኖ ምግባርን ውሽጣዊ ስምዒትና ከም ዘድሊ ምምማይን ኣድላዪ ኢዩ፣ ሓደ ሰብ ደው ኢሉ ዝሰምዕ ዝጽሊ ከምኡውን ንጠመተ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝቕበል ጥራይ ኢዪ ብምትኣማንነት "ብእኡ እተኣማመን ኣሎኹ፣ ምስኡ ምንባር ብሓቂ ባህ ዜብል ኪኸውን ይኽእል እዩ" ክብል ዝኽእል።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ "እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘደንቕ ነገር፣ ሓደ ሰብ ወደ መዝሙሩ ምስ ዝኸውን፣ ብሓቂ 'ጽቡቕ' ኢዩ ዝኸውን፣ እቲ ጽባቐኡ ድማ መልዕልተ ባህርያዊ ይኸውን" በሉ።
ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ከምዚ ዓይነት ተመክሮታት ህይወትን እምነትን ትርጕምን ከም ዝነበሮ ዘከሩ፣ ንሱ ከም ዝገለጾ፣ ነቲ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ዝፈጸሞ ሓጢኣትን ጌጋታትን ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ጽባቐ እቲ ኣብ ጸልማት ዝመርሖ መለኮታዊ ብርሃን ረኸበ።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ከም ዝገለጽዎ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽባቐ ኣብ ጸሎትን ስቕታን እተመስረተ ርክብ ምስ ተማዕብል ውህበት ጸዋዕታ ንኽንቅበልን ብንጥፈት ምላሽ ንኽንህብን ይኸፍተልና።
ናይ ፍቕርን ሓጐስን ፍጻመ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቶም ብምቕጻል፣ "ሓደ ሰብ ጥራይ ዝሰምረሉ፣ ብጸቕጢ ወይ ብሓደ ዓይነት ሞዴል ንዅሉ ዝኸውን ኮይኑ ዝቐርብ" ዘይኰነስ፣ "ናይ ፍቕርን ሓጐስን ንያት" ምዃኑ ገለጹ።
"ስለዚ ንውሽጣዊ ህይወት ኣብ ምክንኻን ተመርኲስና፣ ብህጹጽ ጸዋዕታዊ ኣገልግሎትና እንደገና ኽንጅምርን፣ ንስብከተ ወንጌል ዘሎና ተጸምዶ ከነሐድስን ኣሎና" በሉ።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅላቶም "ስድራ ቤታትን ሰበኻታትን ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወትን፣ ጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናትን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስን ከምኡ ውን ንኵሎም ምእመናን" እዚ ውህበት እዚ ብዙሕ ፍረ ምእንቲ ከፍሪ፣ ክንቅበሎን ክንምግቦን ከነዕምቖን ዘኽእለና ኵነታት ንምፍጣር፣ ምሉእ ብምሉእ ኪውፍዩ ጻውዒት ኣቕረቡ።
ቅዱስነቶም እክም ዝገለጽዎ፣ "ከባቢና ብህያው እምነት ምስ ዝበርህ፣ ብዘየቋርጽ ጸሎት ምስ ዚጸንዕን ብሕውነታዊ ኣሰንዮታት ምስ ዝበልጽግን ጥራይ እዩ፣ ጽውዓ ኣምላኽ ኪዕምብብን ኪበስልን ዝኽእል" በሉ።
ፍቕራዊ ጠመተኡ ንልባትና የብርሆ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ጐይታ ይፈልጠናን ብፍቕራዊ ጠመተኡ ንልባትና የብርሆን እዩ ይብሉ። ከም ሓቁ እኳ ደኣስ ነፍሲ ወከፍ ጸዋዕታ፣ ብርድኢትን ተመክሮን ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዝጅምር ኣጕልሑ።
ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም፣ "ጐይታ ኣጸቢቑ ይፈልጠና ጸጕሪ ርእስና እውን ከይተረፈ ብምቝጻር፣ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍሉይ መገዲ ቅድስናን ኣገልግሎትን መዲቡልና ኣሎ" በሉ።
ይኹን እምበር እዚ ርድኢት እዚ ወትሩ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ኪኸውን ከም ዝኽእል ኣጕልሑ፣ ከመይሲ "ንኣምላኽ ብጸሎት፡ ብምስማዕ ቃል ኣላኽ፣ ምሥጢራት ህይወት ቤተ-ክርስትያን ብምስታፍ ከምኡውን ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዚግበር ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ክንፈልጦ ተዓዲምና ኢና" ክብሉ እውን ኣመልከቱ።
"ኵሉ ጸዋዕታ ንቤተክርስትያን ማእለያ ዘይብሉ ውህበት እዩ"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ መንእሰያት ንድምጺ ጐይታ ክሰምዑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ጐይታ ድማ ናብ "ምሉእን ፍረ ዘለዎን ህይወት" ክዕድሞም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ንክእለቶም ክጥቀሙሉን፡ ድሩትነቶምን ድኽመቶምን ምስ ግርማ ዝመልኦ መስቀል ክርስቶስ ከሕብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
መንእሰያት ንጐይታ ምእንቲ ኽፈልጥዎ፣ ንስግደት ቅዱስ ቍርባን ግዜ ክምድቡ ተማሕጸኖም። ንቓል ኣምላኽ በብመዓልቱ ምእንቲ ኼፍጽምዎ ብተኣማንነት ኬስተንትኑሉ ከምኡውን ኣብ ምስጢራትን ህይወት ቤተ-ክርስትያንን ብንጥፈት ብምልኣት ምእንቲ ክሳተፉ ተማሕጺኖም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ምስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥብቕ ዕርክነት ብምምስራት ብቃል ኪዳን ብክህነት ብቀዋሚ ዲያቍና ወይ ብቕዱስ ህይወት ከመይ ገይሮም ገዛእ ርእሶም ከም ዝውፍዩ ክፈልጡ እውን ተማሕጺኖም።
"ነፍሲ ወከፍ ጸዋዕታ ንቤተ-ክርስትያንን ነቶም ብሓጐስ ዝቕበልዎን ሰባት ማእለያ ዘይብሉ ውህበት እዩ" በሉ።
ቅዱስ ዮሴፍ ኵሉ ነገር ብጥርጣረ እተኸበ እኳ እንተ መሰለ ይኣምን ነበረ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዎን ቀጺሎም፣ ንጐይታ ምፍላጥ ኪበሃል ከሎ፣ ልዕሊ ዅሉ ንዕኡን ንመደባቱን ሕድሪ ምውፋይ ማለት ምዃኑ ኣስተንቲኖም፣ ህይወት ድማ ኣብ ጐይታ ምውካልን፣ ንገዛእ ርእስና ንዕኡ ኽንሓድግን ከም እትዕድማ ብምግላጽ፣ "መደባቱ ዋላ እውን ንመደባትና እንተ ኣሰናኸሎ" ንሱ ወትሩ ኣባኡ ከም ዝግለጽ ኣመልከቱ።
ንቅዱስ ዮሴፍ ብፍሉይ መገዲ ጠቒሶም ድማ፣ ቅዱስ ዮሴፍ ምስጢራውን ዘይተጸበዮን ጽንሲ ድንግል ማርያም እኳ እንተ እንተ ኣጓነፎ፣ ነቲ ኣብ ሕልሚ እተገልጸሉ መለኮታዊ መልእኽቲ ዝኣመነ፣ ንድንግል ማርያምን ንወዳን ከኣ ብእዙዝ ልቢ እተቐበለን ጻድቕ ሰብ ኢዩ ዝንበረ ክብሩ ገለጽዎ።
ከምዚ ድማ በለ፦ "ቅዱስ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት፣ ኣብ መዳብት ኣምላኽ ምሉእ ትውክልቲ ብምግባር ኣብነት ኮይኑና እዩ። ኵሉ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ነገራት ብጸልማትን ጥርጣሬትን እኳ እተሸፈነ ዀይኑ እንተ ተሰምዖ፣ ከምኡ ውን መወዳእታኡ ካብ መደባቱ እተፈልየ ዀይኑ እኳ እንተ መሰሎ እውን ይኣምን ነበረ። ንርእሱ ንኹሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣሕሊፉ ሃበ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ጐይታ ኣብ ጸልማት ዝኾነ ግዜያትና ከም ዘይሓድገና፣ የግዳስ ንዅሉ ጽላሎት ብብርሃኑ ኼጥፍኦ ኸም ዚመጽእ ዘኪሮም እውን ኣተባብዑ።
ቅዱስነቶም ብምቕጻል፣ "ብብርሃንን ብርታዐን መንፈሱን፣ ኣብ እዋን ፈተናታትን ቅልውላውን እውን ከይተረፈ ጽባቐና እናዓበየ ክኸይድን ክበስል እንከሎን ክንርኢ ንኽእል ኢና፣ እዚ ኸኣ ቍሱላት ክንስና ነቲ ብተኣማንነትን ብምትእምማንን እተቐርጸ ጽባቐና ኢዩ ዝመልክት።
ኣብ ኵሉ ዅነታት ህይወት ምስ ኢየሱስ ክንከውን ኣሎና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ጸዋዕታ ሓደ ውሱን ነጥቢ ዘይኰነስ፣ ምስ ጐይታና ብጥቡቕ ርክብ ዝንበር ናይ ብስለት መስርሕ እዩ። ምስ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንከውን ከም ዘሎና ብግላጽ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ከም ዝገለጽዎ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብናን ኣብ ኵነታትናን ኪዓዪ ብምፍቃድ፣ ነዚ ውህበት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ንዅሉ ነገር እንደገና ትርጉም ክንህበሉ ኣሎና ክብሉ መዓዱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቶም ብምቕጻል፣ "ልክዕ ከም ተኽሊ ወይንን ጨናፍሩን ምሉእ ህይወትና ምስ ጐይታ ኣብ ዝንበር ድልዱልን ኣገዳስን ማእሰር እተመስረተ ክኸውን ኣለዎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ብፈተናታትናን በቲ ኣገዳሲ ዝኾነ 'መሰናኽላትን' ንጽውዓኡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ልብና ምላሽ ክንህበሉ ንኽእል ኢና" በሉ።
ምስኡ መዓልታዊ ብእንገብሮ ዝምንድና ምምጋብ
ስለዚ ጸዋዕታ "ሓንሳእን ንሓዋሩን 'እተዋህበ' ወይ ብቕጽበት ዝውሃበና ነገር" ዘይኰነስ፣ ልክዕ ከም ህይወት ቀስ ብቐጭ እናሰፍሐ ዝከይድ መገዲ ምዃኑ ገለጹ። "ነቲ እተቐበልናዮ ውህበት ንምዕባሩን፣ ፍረ ምእንቲ ኽንፈርን ዕቝባ ጥራይ ዘይኰነስ፣ በቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና መዓልታዊ ርክብ እውን ኪምገብ ኣለዎ" ክብሉ እውን ተማሕጸኑ።
ስለዚ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ መዓልታዊ ብጸሎትን ኣስተንትኖን፣ ከምኡ ውን ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ብሕታዊ ርክብ ኬማዕብል ጻውዒት ኣቕረቡ።
"ደው በሉ፣ ንምስማዕ እውን ጽን በሉ፣ ንገዛእ ርእስኹም ድማ ሕድሪ ኣወፍዩ" ክብሉ ድማ ተላበዉ። "በዚ ኸምዚ ውህበት ጸዋዕታኹም ኪበስልን ሓጐስ ኬምጽኣልኩምን ንቤተ ክርስትያንን ንዓለምን ከኣ ብዙሕ ፍረ ከፍርን እዩ።”
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዘመልከትዎ፣ ነታ ውሽጣዊ ውህበት ከምኡ ውን መለኮታዊ ዝኾነ ውህበት ንምቕባል ኣርኣያ ዝዀነት፣ ብጸሎት ኣብ ምስማዕ ክኢላ ዝዀነት ድንግል ማርያም፣ "ኣብዚ ጕዕዞ እዚ ኵሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ትኹን" ክብሉ ብምጽላይ መልእኽቶም ዛዘሙ።
