መደብ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ መደብ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ 

መደብ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ

ዕለት 28 መጋቢት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ርእሰ ምሕደራ ሞናኮ ዝገብርዎ ዑደት ኣስታት ትሽዓተ ሰዓታት ዝሽፍን ኮይኑ፡ ቅዱስነቶም ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ምስ ልኡል ኣልበርት ዳግማዊ፡ ምስ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብን መንእሰያትን ኣባላት ማሕበረሰብ ንኡሳን ክርስቲያን ክራኸቡን ኣብ ስታድዩም ሉዊስ ዳግማዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ናይቲ ሓዋርያዊ ጉዕዞ መርሕ ቃልን መለለይን ካብ ወንጌል ዮሃንስ ዝተወስደ “Je suis le Chemin, la Vérité et la Vie - መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ” ዝብል እውን ምዃኑ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣርባዕተ ወግዓዊ ርክባት ዘጠቓልል፡ ትሽዓተ ሰዓታት ዝሽፍን ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስነቶም፡ ልኡል ኣልበርት ዳግማዊ ብዝግበረሎም ወግዓዊ ስነ - ስርዓት ኣቀባብላ ዝጅምር ኮይኑ፡ ኣስዒቦም ምስ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብን ምስ መንእሰያትን ምስ ማሕበረሰብ ንኡሳን ክርስቲያን ብምርኻብ፡ ኣብ ናይ ስፖርት ሜዳ ሉዊስ ዳግማዊ ብዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዛዘም ምዃኑ ዕለት 9 መጋቢት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ፍክሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጸዖ መግለጺ ሓቢሩ፡ እዚ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ቀዳም ዕለት 28 መጋቢት ኣብ ዋዜማ ሰሙነ ሕማማት ዝካየድ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡ ናይቲ ሓዋርያዊ ጉዕዞ መርሕ ቃል “Je suis le Chemin, la Vérité et la Vie” — “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ” (ዮሃ 14፡6) ዝብል ኮይኑ እዚ መርሕ ቃል እዚ ቅዱስ ኣቦና ንኽርስቶስን መልእኽቱን ንምቕራብ ዘካይድዎ ጉዕዞ ምዃኑ ይሕብር።

እቲ ሓዋርያዊ ጉዕዞ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብሄሊኮፕተር ናብታ ብቕዋም ዝተመስረተት ሃገር ክበጽሑ እዮም፣ ነዛ ብቅዋም ዝተመስረተት ካቶሊክነት እምነት ናይ መንግስታዊ ሃይማኖት ዝኾነላ ኣብ መንጎ በርገሳውን መንግስታውን ትካላትን ቤተ ክርስቲያንን ዝግበር ዘተ ኣብ ህዝባዊ ክትዕ ጭቡጥ ተራ ዝጻወተሉ ሃገር ዝበጽሑ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክኾኑ እዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ሰበ - ስልጣን ሞናኮ ብዝቐረበሎም ተደጋጋሚ ዕድመ መሰረት ዘካይድዎ ምብጻሕ ኮይኑ ሊቀ ጳጳሳት ዶሚኒክ - ማሪ ዴቪድ ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ምብጻሕ ነቲ ኣብ መንጎ ስድራቤት ግሪማልዲን ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስን ዘመናት ዘቁጽር ዘሎ ምትእስሳር ንምርግጋጽ ከምኡውን ነቲ ብዙሕ ሓባራዊ ተወፋይነት ብዛዕባ ህይወት ሰብ "ካብ ምጽናስ ክሳዕ ባህርያዊ ሞት" ክኽበር ከም ዘለዎን ንዘይተሓላለኸ ስነ ምህዳርን ንምዕቃብ "ሓባራዊ ቤትና" ከምኡውን ንስፖርት ዘሎና ፍቕር ንምድልዳል ኣጋጣሚ ዝኸፍት እዩ።

ልዑል ኣልበርት ዳግማዊ ዕለት 17 ጥሪ ምስ ልዕልቲ ሻርለን ኣብ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዝዝከር ኮይኑ፡ ር.ሊ.ጳ. ልዮን ዝገበርዎ ምብጻሕ "ነቲ ኣብ መንጎ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ጥንታውን እሙንን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት" ዝምስክርን ዘቐጽልን ኮይኑ፡ እቲ ዕለት 28 መጋቢት ዝካየድ ምብጻሕ፡ "መንግስታውን ጉስነታውን ዝብል ድርብ ሸነኽ ዘለዎ ኣጋጣሚ ክኸውን እዩ። እዚ ድማ "ኣብ መንፈስ ምይይጥን ሰላምን ሓባራዊ ሓላፍነትን ሓያል ምልክት ተስፋ" ዘጉልሕ ኢዩ።

ዝርዝር መደባት ናይቲ ሓዋርያዊ ጉዕዞ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕለት 28 መጋቢት ካብ ሃገረ ቫቲካን ብሄሊኮፕተር ሰዓት 7፡00 ክብገሱን ሰዓት 9፡00 ንጉሆ ኣብ መዓርፎ ሀሊኮፕተር ሞናኮ ክኣትዉን፡ ኣብኡ ድማ ወግዓዊ ኣቀባብላ ክገብረሎም ብድሕሪኡ ናብ ቤተ መንግስቲ ልኡል ብምኻድ ድሕሪ ዝፍጸም ወግዓዊ ናይ ኣቀባብላ ስነ - ስርዓት ምስ ልኡል ሞናኮ ግላዊ ርክብ ከካይዱን ምስ ስድራ ቤት ልዑል ኣልበርት ዳግማዊ ክራኸቡ ኣብኡ ድማ ቀዳማይ መደረ ከስምዑ እዮም።

እቲ ካልኣይ መደረ ድማ ኣብ ካቴድራል ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያን ንጉሆ ሰዓት 11፡00 ምስ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ተራኺቦም ዘስምዕዎ ኮይኑ፡ ድሕሪ ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቓይቕ ቅዱሰንቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዞባ ላ ኮንዳሚን ዝርከብ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዝተሃንጸ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን መንበር ቁስምና ርእሰ ሰበኻታት ሞናኮ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዲቮት ፊት ኣብ ዘሎ ቅርዓት ምስ መንእሰያትን ማሕበረሰብ ንኡሳን ክርስቲያንን ክራኸቡን ኣብኡ መደረ ከምስዑ እዮም።

ድሕሪ ምሳሕን ሓጺር ዕረፍትን ቅዱስነቶም ናብቲ ብስም ልኡል ሉዊስ ዳግማዊ (ካብ 1922 – 1949 ንጉስ ሞናኮ ዝነበሩ) ዝተሰየመ ናይ ስፖርት ሜዳ ክኸዱን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከም ዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ፡ ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ናብ መዓርፎ ሄሊኮፕተር ክኸዱን ንኽብሮም ወግዓዊ ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት ምስ ተፈጸመ ካብኡ ክነቕሉን ልክዕ ሰዓት 17፡ 45 ደቓይቕ ሮማ ክኣትዉን መደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ የመላኽት።

መርሕ ቃልን መለለዪን

ብመሰረት እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ፡ እቲ ናይቲ ሓዋርያዊ ጉዕዞ መለለዪ፡ ኣብ ላዕለዋይ ጸጋማይ ሸነኽ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍሽኽ እናበሉን ቡራኬ እናሃቡን፡ ሊጡርጊያዊ ኣልባሳት ተኸዲኖም፡ ኣብ ርእሶም ዘውዲ ር.ሊ.ጳ.፡ ከምኡ’ውን በትረ ኖላዊ ሒዞም ዘርእይ ኮይኑ፡ “መንፈሳውን ጉስነታውን ሸነኽ ናይቲ ምብጻሕ ንምግላጽ” ጸሊምን ጻዕዳን ምስሊ ዘለዎ እዩ።

ኣብ የማን ንመንነትን ልኡላውነትን ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ ዘዘኻኽር ቅዲ ዘለዎ ምስሊ ግምቢ ቤተ መንግስቲ ልኡል ሞናኮ ኣሎ። እቲ ግምቢ ብጫ ሕብሪ ዘለዎን ድሕረ ባይታኡ ጻዕዳ ህብሪ ዘለዎን ከም ዝኾነን እዚ ድማ  ሕብሪ ሰንደቕ ዕላማ ቫቲካን ዝውክል እዩ። ኣብ ታሕተዋይ ክፋል እቲ ነቲ ጉዕዞ ዘበስር ጽሑፍ ዝሓዘ፡ ኣብ ማእከል ብዓበይቲ ፊደላት “ልዮን መበል 14” ዝብል ስም ዝተነብሮ ኮይኑ፡ ብድሙቕ ቀይሕ ባንዴራ ሃገራዊትን ብልኡላውያን ምልክትን ዝተጐልበበት “ሞናኮ” ዝብል ቃል ኣሎ። ብሓፈሻ እቲ መለለዪ “ምስ ኣቀባብላ ናይቲ ካቶሊክ እምነት መንግስታዊ ሃይማኖት ናይ ዝዀነ ርእሰ ምምሕዳር ሞናኮ ዝገብረሎም ኣቀባብላን ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ ተልእኾ ዘጉልሕ እዩ።”

10 Mar 2026, 16:38