ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ዋና ኣመሓዳሪ ካናዳ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 5 መጋቢት ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወት ንዋና ኣመሓዳሪት ካናዳ መርይ ጀንይ መይ ሲሞን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንዋና ኣመሓዳሪት ሃገረ ካናዳ መርይ ጀንይ መይ ሲሞን ሓሙስ ንግሆ ዕለት 5 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ዋና ኣመሓዳሪት ካናዳ ካብ ቅዱስቶም ተሰናቢታ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊክ ከም እተራኸብት ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ርክብ እዚ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ካናዳን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ዝምስገንን ብፍላይ ከኣ ፍረ ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘበገስዎ መገዲ ሓባራዊ ምርድዳእ ይርአ ምህላዉ ከም እተሰመረሉ ኣመላኺቱ፡ ብደረጃ ዞባውን ኣህጉራውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ኣርእስታት ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰላም ንምርግጋጽ ዝግበር ተወፋይነት ኣቓልቦ ብምግባር ሰፊሕ ምይይጥ ምክያዱ የረጋግጽ።
07 Mar 2026, 16:35
