ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ሃይማኖታት ኣብ ኣኽራሪ ዓለም ብሓባር ክነብራን ሰላም ከስፍሓን ይኽእላ እየን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ኣብዛ ብሃይማኖታዊ ኣኽራርነትን ምፍልላይን ግጭትን እናተለለየት እትኸይድ ዘላ ዓለም፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ፍልልያት እኳ እንተሃለወ፡ ብሰላምን ስኒትን ብሓባር ምንባርን ምስራሕን ከምዝከኣል እቲ ናይ ሓባር ምስክርነትኩም ዘርእዮ እዩ” እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይቲ ኣብ ኬንያ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ዝኾነ መርሓ ግብሪ ርክብ ክርስትያንን ኣስላምን ኣብ ኣፍሪቃ (PROCMURA) ልኡካን ዕለት 25 መጋቢት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም ኣስዒቦም፡ እቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቤተ ክርስቲያን ምስ ሰዓብቲ ካልኦት ሃይማኖታት ብዘተ ክትስጉም ዘኽኣላ፣ ኣብ መንጎ ኩሎም ሰላምን መንፈስ ሕውነትን ንምስፋን ዘኽኣላ ዘቅርቦ ኣገልግሎት ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ልብታት ንኽራኸባ ይኽፈታ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ቤተ - ክርስትያን ምስ ዘይክርስቲያን ሃይማኖታት ዘለዋ ርክብ ዝገልጽ Nostra Aetate - ዘለናዮ ዘመን ዘርእስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምጥቃስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንሰዓብቲ ካልኦት ሃይማኖታት ሓባራዊ ምርድዳእ ክህሉን ኽኽበሩን ከም እትጽውዕ ብምዝካር "ኣብዘን ሃይማኖታት እዚኣተን ዘሎ ሓቅን ቅዱስን ዝዀነ ከም ዘይትነጽጎ" ኣረጋጊጾም፡ "መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ሓቂ ዘንጸባርቓ እየን። እዚ ኸኣ ንዅሎም ሰብኡትን ኣንስትን ዜብርህ እዩ - ቢሎም - ነፍሲ ወከፍ ክርስትያንን ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን ናብ ሓድነትን ሕብረትን ዝገብርዎ ሓቀይና ጕዕዞ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ ኢዩ። ኣብ ናይ ሓቂ ሕውነት ንሓድሕዶም ምእንቲ ክተሓቛቝፉ ድማ ንምርኻብን ንምይይጥን ክፉት ልቢ ዝሓትት ኢዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ምእንቲ ናይ ሓባር ረብሓ ምትሕብባር
ኣብ መንጎ መርሓ ግብሪ ርክብ ክርስትያንን ኣስላምን ኣብ ኣፍሪቃ (PROCMURA)ን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቃቕቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ንጥቕሚ ሓባራዊ ረብሓ ቀጻሊ ዘተ ክካየድ ኣተባቢዖም፡ በዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕርታት ሰላምን ፍትሕን ተስፋን ኣብ ሕብረተሰባት ኣፍሪቃን ኪኖኡን እናዓበየ ክኸይድ እዩ እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ናይ ሓባር ምስክርነትኩም "ኣብዛ ብሃይማኖታዊ ኣኽራርነት፡ ብምፍልላይን ግጭትን እናተለለየት እትኸይድ ዘላ ዓለም፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ፍልልያት እኳ እንተሃለወ፡ ብሰላምን ስኒትን ብሓባር ምንባርን ምስራሕን ከም ዝከኣል ዘርኢ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዓመጽ ዝኹንኑን ሰላም ዝእውጁን ድምጽታት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሃይማኖታት “ህዝብና ካብ ሰንሰለት ቅድመ ፍርድን ቁጥዐን ጽልእን ንኽወጽእ ምሕጋዝ፤ ካብ ንኣይነትን ርእሰ ማእክልነትን ንኽላቐቕን፤ ነቲ ንመንፈስ ሰብን ምድርን ዘጥፍእ ስስዐ ንኽስዕር ናይ ምሕጋዝ” ዓቢ ሓላፍነት ከምዘለወን ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ በዚ መንገዲ እዚ ድማ "ንዓመጽን በደልን ዝኹንን፣ ምፍልላይ ዝፍውስን ንኹሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሰላም ዝእውጅ ድምጽታት" ሒዝና ህዝብና ናይ ዘመንና ነብያት ክኸውን ክንመርሕ ንኽእል ኢና - ቢሎም - ነቶም ኣብቲ ዝተካየደ ርክብ ንዝተሳትፉ ሰባት ከም ስነ ጥበባውያን ሰላምን መሰኻኽር ተስፋን ሃነጽቲ ሓቀይና ሕውነትን ኮይኖም ንቕድሚት ክጓዓዙ” ተላብዮም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
