ድለ

2026.03.11 Udienza Generale 2026.03.11 Udienza Generale   (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. በቶም ኣብ ሊባኖስ እተቐትሉ ሊባኖሳዊ ካህን ሓዚኖም፣

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 በቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት እተቐትሉ ሊባኖሳዊ ካህን ክቡር ኣባ ፒየር ኤል-ራሂ ዝተሰምኦም ሓዘን ገሊጾም፣ ንህዝቢ ሊባኖስ ዘለዎም ጥቡቕ ርክብ ብምግላጽ ድማ፣ ክርስቲያን ምእማነን ምእንቲ እቶም ንጹሃት ግዳያት ኲናት ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ኣብ ኢራንን ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕን ብፍላይ ከኣ ንብዙሓት ግዳያት ዝኾኑ ሰላማውያን ሰባት፣ እንተላይ ንብዙሓት ቈልዑን ህሳናትን ሰላም ክወርዶም ካብ ምጽላይ ኣይነቛርጽ። ጸሎትና ነቶም ዚሳቐዩ ምጽንናዕን ዘርኢ ተስፋን ይኹኖም።" ክብሉ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ሎሚ ረቡዕ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዘካፈልዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትመህርተ ክርስቶስ ተማሕጺኖም።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ናይቶም ኣብ ሃገረ ሊባኖስ ብሰንኪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ እተቐትሉ ክቡር ኣባ ፒየር ኤል-ራሂ ማሮናዊ ካህን ሥርዓተ ቀብሪ ኣብ ቃሊያ ሊባኖስ ኣብዘን መዓልታት ከም ዝፍጸም ብምምዝኽኻር እተሰምዖም ሓዘን እውን ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘካፈልዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ክቡር ኣባ ኤል-ራሂ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከባ ክርስትያናዊት ኣቝሻት ዘገልግሉ ዝንበሩ ማሮናዊ ካህን ከም ዝነበሩ ዘኪሮም፣ ኣብዚ ግዜና "እንደገና ዘሕዝን ፍጻመ ኲናት የሕልፋ ኣለዉ" ብምባል ንኹነታት ናይቲ ዞባ ሕዝቢ ገሊጾም።

"ኣብዚ ኸቢድ ዓመጻ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ምስ ኵሎም ህዝቢ ሊባኖስ ደው እብል" እውን በሉ።

ብመሰረት መራኸቢ ብዙሓን ሊባኖስ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እዞም ካቶሊካዊ ካህን ናይ ማሮናዊ ሥርዓት እትኽተል ቤተክርስትያን፣ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ቃሊያ ሊባኖስ ነቶም ኣባይቶም ብታንክ እስራኤል ዝዓነወ ምእመናን ንምሕጋዝ ኣብ ዝጽእሩሉ ዝንበሩ እዋን ከም እተቐትሉ ኣመልኪቱ።

ክቡር ኣባ ኤል-ራሂ ምስ ብዙሓት መንእሰያት ናብቲ ኣኽራን ዝበዝሖ ከባቢታት ዝርከብ ቍምስናኦም፣ ኣብ ኣገልግሎት ምእንመናን እናተጓየዩ እነከለዉ፣ እታ ቤትክርስትያኖም ብደብዳብ ታንክታት ተወቕዐት፣ ክቡር ኣባ ኤል-ራሂ ድማ ኣባኡ ተወቕዑ። ናብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዶም ድማ ኣብኡ በቲ ዝወረዶ መጉዳእቲ ናብ ሰማያዊ ቤት ኣቦ ተሳገሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሎሚ ረቢዕ ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ብቛንቋ ዓረብ ኣብ ዘካፈልዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ ኤል-ራሂ ማለት "ጓሳ" ማለት ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ "ክቡር ኣባ ፒየር ኤል-ራሂ ብፍቕርን መስዋእትን ንኢየሱስ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ወትሩ ብምግልጋል፣ ኣብ ጐድኒ ህዝቡ ብምዃን ዝተግሁ ሓቀይና ጓሳ እዮም ዝንበሩ" ክብሉ መስከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ኣባ ኤል-ራሂ ገለ ምእመናን ብቦምብ ከም ዝቘሰሉ ምስ ሰምዐ ከይተወላወለ ንምሕጋዝ ከም ዝጐየየ እውን ዘኪሮም።

ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም፣ "ጐይታ እቲ ዘፍሰሶ ደም ነታ ፍቅርቲ ሊባኖስ ዘርኢ ሰላም ኪኸውን" ጸልዮም።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ውግእ ደው ንምባል ይጽልዩ ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ ምንባሩ እውን ዝዝከር ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ዝሞቱ ብዙሓት ንጹሓት ሰባት እንተላይ ቈልዑን ህጻናትን ዚከናኸንዎምን ብፍላይ ከኣ ምእንቲ ነፍሲ ክቡር ኣባ ኤል-ራሂ ዝተሰምዖም ዓሚቝ ሓዘን ገሊጾም።

11 Mar 2026, 12:54