ድለ

2026.03.26 cardinale Jean-Baptiste Phạm Minh Mẫn 2026.03.26 cardinale Jean-Baptiste Phạm Minh Mẫn 

ር. ሊ. ጳ. ነቶም ዝሓለፉ ካርዲናል ዣን-ባፕቲስት ፋም ሚን ማን ዘለዎም 'ዓሚቝ ምስክርነት' ገለጹ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ መበል 92 ዕድሚኦም ዝዓረፉ ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ታን-ፎ ሆ ቺ ሚን ቬትናም ብፁዕ ካርዲናል ዣን-ባፕቲስት ፋም ሚን ማን ብምዝካር፣ ኣብ ሃገረ ቬትናም ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቬትናም ኣገልግሎቶም፣ "ንጉስነታዊ ሓልዮትን ማሕበራዊ ሓላፍነትን ዓሚቝ ቈራጽነትን ምይይጥን ሓድነት ቤተ-ክርስትያንን ብምስክርነት ወንጌላውነትን ቀጻሊ ትሕትናን ከም ዝነበሩ ብምግላጽ" ናብ ሰመያዊ ቤት ከም እተሳገሩ ገለጹ።

ኣባ ተውለደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ብዕረፍቲ ናይቶም ብዕለት 22 መጋቢት ኣብ መበል 92 ዓመት ዕድሚኦም ዝዓረፉ ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ታን-ፎ ቺ ሚን ቬትናም፣ ብፁዕ ካርዲናል ዣን-ባፕቲስት ፋም ሚን ማን ሎሚ ሓሙስ ናብ ሊቀ ጳጳሳት ከተማ ሆቺ ሚን ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጆሴፍ ንጉየን ናንግ ኣብ ዝለኣኽዎ ናይ ሓዘን ቴለግራም ሓዘኖም ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ ብሞት እቶም በዓል ጥዑም ዝኽሪ ዝኾኑ ካርዲናል ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ ድማ ንዅሎም ኣባላት ናይታ ኣብቲ ዞባ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን "ልባዊ ሓዘኖም" ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም "ነዞም ዝዓረፉ ካርዲናል ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ከተማ ማይ ቶን ሆ ቺ ሚንን ንዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ምስ ካህናትን ጳጳሳትን ዘሕለፍዎ ውፉይ ኣገልግሎትን ከምኡውን ንዝሰፍሐት ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ቬትናምን ንሓዋርያዊት መንበር ዝገበርዎ ኣበርክቶን" ዘለዎም ዓብዪ ምስጋና ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ ኣገልግሎቶም "ንጕስነታዊ ሓልዮትን ማሕበራዊ ሓላፍነትን ዓሚቝ ቈራጽነት ብምግባር ብጽኑዕ ዝርርብን ሓድነት ቤተ-ክርስትያንን ከምኡውን ምስክርነት ወንጌላውነትን፣ ብቀጻሊ  ትሕትናን ዝመልኦ ህይወት ከም ዝፍለጥ ይዝክሩ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን ንዅሎም እቶም ብሞቶም ዚሓዝኑ "ተስፋ ምጽንናዕን ሰላምን ካብ ጐይታ" ክረኽቡ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣካፈልዎም።

ዓንዲ ቤተ ክርስቲያን ቬትናም

ብፁዕ ካርዲናል ዣን-ባፕቲስት ፋም ሚን ማን ብዕለት 5 መጋቢት 1934 ኣብ ካ ማው ሰበኻ ካን ቶ ቬትናም ተወሊዱ፣ ብዕለት 25 ግንቦት 1965 ድማ ክህነት ተቐበሉ።

ብመሰረት እቲ ወግዓዊ ታሪኽ ህይወቶም ካብ ሃገረ ቫቲካን ዝወጸ ከም ዘመልክቶ፣ ድሕሪ መዓርገ ክህነት ምቕባሎም ኣብ ካይ ራንግ ኣብ ዝርከብ ንእሽቶ ቤት ትምህርቲ ቢቶ ኲይ መምህር ኮይኖም ኣገልገሉ።

ብ1975 ብምኽንያት እቲ ኣብ ደቡብ ቬትናም እተገብረ ዓብዪ ለውጢ ፖለቲካዊ ስርዓት፣ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስትያን ብዝወረደ ስደት፣ እተን ናይ ቤተክርስቲያን ዝንበራ ኣብያተ ትምህርቲ ብመንግስቲ ተዓጽዋ ወይ ውን ተሃገራ።

ኣብቲ እዋን እቲ ካህናት ኣብ ሥነ መዕበያ ካህነት ሓላፍነት ተዋህቦ ። ብ1988 ኣብ ቬትናም ሽዱሽተ ዓበይቲ ኣብያተ ትምህርቲ ምስ ተኸፍታ፣ ከም ሓለቓ ናይቲ ኣብ ካይ ራንግ ዝርከብ ዘርኣ ክህነት ቅዱስ ኲይ ኰይኖም ተሾሙ፣  ሕጽረት መምሃራን እውን ሓዊስካ ብዙሕ ጸገማት ኣባኡ ኣጋጠሞም።

ብዕለት 22 መጋቢት 1993 ናይ ውርሲ መሰል ዘለዎ ተራዳኢ ጳጳስ ሰበኻ ማይ ቶ ኰይኖም ተሾሙ፣ ብዕለት 11 ነሓሰ ድማ ቅብኣተ ጵጵስና ተወበሉ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት 1998 ሊቀ ጳጳሳት ታን-ፎ ሆ ቺ ሚን ኰይኖም ተመዙ፣ ክሳዕ 2014 ዓ.ም. ድማ ነቲ ሰበኻ መርሕዎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2003 ዓ.ም. ኣብ እተኻየደ ጉባኤ ካርዲናላት ናብ መዓርግ ካርዲናልነት ኣደየብዎም።

26 Mar 2026, 15:25