ተስፋ፡ ጥርጣረ፡ እምነት፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ መንእሰያት ሞናኮ ንዝቐርቡ ሕቶታት ይምልሱ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ደቮታ ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ምስ መንእሰያትን ንኡሳን ክርስቲያንን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ኣርባዕተ መንእሰያት ተቐማጦ ሞናኮ ዘቕረቡሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን፡ ቀዳመይቲ ሕቶ ወዲ 22 ዓመት ተመሃራይን ካቶሊክን ቤንጃሚን ኣብ ማእከል ኣከባብያዊ ጸገማትን ዓመጽ ዝመልኦ ግጭትን "እምነት ኪህልወካን ተስፋ ከተጽንዖን" እንታይ ምግባር የድሊ ዝብል ንዘቕረበሎም ሕቶ፡ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፥ ነቲ ምስ ክርስቶስ ዘሎካ ርክብ ብምምዕባል ዝመጽእ ምስ ገዛእ ርእስኻን ምስ ካልኦትን ክህሉ ዝኽእል "ሓድነት" ኣጒሊሖም፡ "ንህይወት ርግኣት እትህብ ፍቕሪ እያ"፣ ብቐዳምነት "መሰረታዊ ተመክሮ ፍቕሪ ኣምላኽ ደሓር ከኣ ቅዱስን ብርሃንን ተመክሮ ሓባራዊ ፍቕርን" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጸሎትን ህሞታት ስቕታን ኣስተንትኖን
እቲ ቀጺሉ ዝቐረበ ሕቶ ካብ ፖርቱጋል ዝመጸት ጓል 24 ዓመት ካቶሊክ ዘቕረበቶ ኮይኑ፡ ኣብ እዋን "ጥርጣረን ውሽጣዊ ባዶነትን" እምነታ "ጽኑዕን ህያውን ኰይኑ ኽቅጽል" እንታይ ክገብር ኣሎኒ ዝብል ኮይኑ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ቦታ ምእንቲ ኺሓድጉ "ኣፍ ደገ ልቢ ምጽራይ" ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕሊሖም፡ እዚ ድማ፡ "ጸሎትን ህሞታት ስቕታን ኣስተንትኖን ዝሓትት እዩ" “ናብ ጽላለ ዝመርሕ ስምዒትን ዘረባን መልእኽትን ምናባዊ ዕላልን ኩሉ ብምብታኽ ብጭቡጥ ኣገባብ ብኣካል ምስ ካልኦት ግዜ ምሕላፍ፡ "ንጽባቔን ሓቅን ብሓባር ምዃን ምስትምቓር የድሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተስፋ 'ፈጠራ ሰብ ኣይኮነን’
ስዒቡ ኤታን ዝስሙ ኣብዚ በዓል ትንሳኤ ዚጥመቕ ወዲ 25 ዓመትን ሶፍያ ዝስማ ጓል 35 ዓመት ሓኪምን ዛዕባ እቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ንወንጌል ዝምስክሩሉ ጭቡጥ መገድታት ዝምልከት ማለት ኤታን ብዛዕባ "ንህይወትና ዝቐየረ ፍቕሪ" ብኸመይ ክምስከር ከም ዘለዎን ሶፊያ ድማ ናብ ካልኦት ከመይ ጌርና ብሓልዮት እናዓበና ንኸይድ” ዝብል ንዘቕረበትሎን ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ "ቃላትን ተግባራትን ምስክርነትን ተስፋን ናይ ኣጋጣሚ ጉዳይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፡ ስለዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጕምትታት "ፍረ ጻዕርና ዘይኰነስ ምስ ኣምላኽ ካብ ዘሎና ዓሚቝ ርክብ እዩ ዝምንጭው" እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ ጸጋ ኣምላኽ ክንቅበል ድሉዋት እንተ ዄንና "ቅኑዕ ቃላትን ስጕምቲ ንምውሳድ ዘድሊ ብርታዐን ኣብ ግቡእ ግዜኡ ኸም ዚመጽእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና" ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
'ርእስኻ ምሃብ' ከም ምስጢር ሓጎስ
ኣብ መደምደምታ ቅዱስ ኣቦና ንመንእሰያት ሞናኮ "ንጐይታን ንኻልኦትን ምሉእ ብምሉእ ገዛእ ርእስኹም ኣቅርቡ - ቢሎም - በዚ መገዲ እዚ ጥራይ ኢኹም ዘለኣለማዊ ሓጐስን ዓሚቝ ትርጕም ህይወትን ክትረኽቡ እትኽእሉ። እዚ ትርጕም እዚ ኣብ ሃገራዊ ደረጃ እውን ኪፍጸም ከም ዚኽእል ኣስተብሂሎም - ሞናኮ ንእሽቶ ሃገር እኳ እንተ ዀነት ዓብዪ ናይ ሓድነትን መብራህቲ ተስፋን ክትከውን ትኽእል እያ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
