ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ሞናኮ፡ ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ናብ ሓድነትን ንምክልኻል ክብሪ ደቂ ሰባትን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 28 መጋቢት ኣብ ሞናኮ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ካቴድራል ንጹህ ጽንሰታ ለማርያም፡ ምስ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ሞናኮ ተራኺቦም መሪሖም ብሓባር ጸሎት ሰዓታት ደጊሞም፡ ሓዋርያ ዮሓንስ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ጠበቓ ኣሎና፡ ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ጻድቕ፡ እዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፡ ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ኩሎም ድማ ነቲ ምስጢር ድሕነት ከም ተበግሶ ምሕረት ኣምላኽ ነቲ ብድኽመትን ብሓጢኣትን ዝፍለጥ ፍጥረት ሰብ ምዃኑ ንኸስተንትኑ ዓዲሞም፡ ክርስቶስ፡ “ነቲ ኣብ ደቂ ሰባትን ኣብ ዓለምን ዝርከብ ክፍኣት ናቱ ገይሩ (...) ነዚ ክፉእ እዚ ድማ ስዒሩ፡ ለዊጡ ንዘለኣለም ሓራ ኣውጺኡና - ቢሎም - ኣብ ሕይወት ናይታ ብብዙሕነታን ግሉጽነታን እትፍለጥ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ብምስታፎም ዝተሰምዖም ሓጎስ ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።
ህያብ ሓድነት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ኢየሱስ ከም ጠበቓና እንከስተንትኑ፡ መጀመርያ ንውህበት ሓድነት ኣጒሊሖም፡ ክርስቶስ፡ “ምስ ኣቦን ኣብ ነንሕድሕድናን የተዓርቐና - ብውግዘት ዘይኰነስ፡ “ዘንጽሕ፡ ዝፍውስ፡ ዝልውጥን ኣካል ናይታ ሓንቲ ስድራ ኣምላኽ ብዚገብረናን” ምሕረቱ። እዚ ሓድነት እዚ ትርጉሙ ማሕበራዊ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ተልእኾ ኢየሱስ ጽቡቕ መንፈሳዊ ህይወት ንምምላስ ጥራይ ዘይኰነስ ክብሪ ደቂ ሰባት ንምምላስ፣ ንውልቀሰባት ናብ ሕብረተሰብ ዳግማይ ንምውህሃድ እዩ። በዚ መንገዲ እዚ ቤተ ክርስቲያን "ብዘይ ዝኾነ ኣድልዎ ኣብ ዓለም ነጸብራቕ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኽትከውን" ትጸዋዕ - ቢሎም - ናብ ከባብያዊ ኵነታት ኣቅኒዖም፡ ማሕበራውን ባህላውን ብዙሕነት ሞናኮ ሃብቲ እምበር ምፍልላይ ከምዘይኮነ ኣስተብሂሎም፡ “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሕነት ኣብ ማሕበራዊ ደርብታት ፍጹም ናይ ምምቕቓል ኣጋጣሚ ክኸውን የብሉን። የግዳስ ኩሎም ከም “ሰብን ደቂ ኣምላኽን” ተቐባልነት ከም ዝረኽቡ ዘርኢ ምልክት ክኸውን ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንሰብኣውነት ሰብ እትከላኸል ቤተ ክርስቲያን
ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ንምክልኻል ወንጌል ምእዋጅ ዘለዎ ኣገዳስነት ብምምልካት፡ ኢየሱስ ነቶም “ዝተረስዑን ዝተገለሉን” ድምጺ ከም ዝህቦም ገሊጾም እዚ ድማ “ንዅሎም ውጹዓት ጽድቅን ፍትሕን ዝገብር” መሓሪ ኣምላኽ ምዃኑ የርኢ። በዚ ኣረኣእያ እዚ ቤተ - ክርስትያን ንባዕላ ንምሉእ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ንኽትውፈ "ተጣባቒት" ክትከውን ተጸዊዓ እያ። ወንጌል ንመንነት ደቅሰብን ርክባትን ናይ መወዳእታ ትርጕም ህይወትን ከብርህ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቦም፡ ነቲ ሓድሽ ወንጌላዊ ቕንኣት ብምትብባዕ ንኣመንቲ "ወንጌል ህይወትን ተስፋን ፍቕርን ክሰብኩ" ተማሕጺኖም፡ ካብቲ እቲ ንህይወት ደቂ ሰብ ናብ ውልቃውነት ቍጠባዊ ፍርያምነትን ናብ ዝብል ሓደጋ ዘእቱ ጸቕጥታት ዓለማውነት እውን ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ህያውን ትንቢታውን እምነት
እምነት ልምዲ ከይከውን ዘጠንቀቑ ቅዱስነቶም፡ “ህያው እምነት ኩሉ ግዜ ትንቢታዊ እዩ - ቢሎም - ብዛዕባ ፍትሒ፡ ምትሕግጋዝን ስነ - ምግባራዊ መሰረታት ሕብረተሰብን ሕቶታት ከልዕል ዝኽእል እዩ። እዋናዊ ቁጠባውን ማሕበራውን ኣብነታት ብሓቂ ክብሪ ኩሉ ዘስፍሑ ድዮም ወይስ ኣብ “መኽሰብ ዕላማ ኣብ ዝገብር ስነ - መጐት” ዝተሓጽሩ እያቶም ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፡ ኣጠማምታና ኣብ ክርስቶስ ምጽናዕ፡ ናብ ውልቃዊ ህይወትን ሕብረተሰብን ዝቕየር እምነት ከም ዝመርሕ ኣስተብሂሎም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት “ብሓድሽ ቋንቋን ብሓድሽ መጋበርያታትን፡ እንኮላይ ብስነ ኣሃዛዊ መጋበርያታትን” ክመሓላለፍ ኣለዎ” እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
