ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ምስ ርእሰ ብሔር ኦስትርያ ተራኺቦም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 5 መጋቢት ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ሪፓብሊካዊት ኦስትርያ ርእሰ ብሔር ኣሌክሳንደር ቫን ደር ቤለን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ኦስትሪያ ኣሌክሳንደር ቫን ደር ቤለን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ኦስትሪያ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊክ ከም እተራኸቡን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዘውጽኦ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ርክብ እዚ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ኦስትርያን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ከም እተሰመረሉን ብፍላይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ምድንፋዕ ሓባራዊ ረብሓ ሕብረተሰብ እትገብሮ እወታዊ ኣበርክቶ ከም ዝጎለሐን፡ ብዛዕባ ስደትን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዝምድናታትን ከም ዝተጠቕሰን ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ እዋናዊ ኣህጉራዊ ጉዳያት ብምትኳር፡ ብፍላይ ድማ ንኹነታት ግጭት ብዝምልከት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ምድላይ ሰላማዊ ፍታሕ ዝዓበየ ተራ ክጻወት ሃገረ ቫቲካንን ኦስትርያን ተስፋ ከምዘለወን የመላኽት።
07 Mar 2026, 16:41
