TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ.፦ ስቓይ እቶም ኣብ ውግእ ዝምህምኑ ዘለዉ ህጻናት ናብ ንስሓ ይምርሓና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብ ፖፖተስ እተሰምየ ንቘልዑ እተወፈየ ዓምዲ ዝሓዘት ኢጣልያዊት ሰሙናዊ ሕታም፣ መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ምስረታኡ ንምጽንባል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፣ ህጻናት "ከም ሰብ ምእንቲ ክነብሩ" ኵሉ ሰብ "ብዛዕባ ክውንነት ከም ህጻናት ዘለዎ ኣረኣእያ" ክዕቅብ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ንኣንበብቲ  እታ ንቘልዑ እተወፈየት ሰሙናዊ ዓምዲ ፖፖተስ ከም ክፍሊ ናይቲ ኣቨኒረ እተሰምየ ጋዜጣ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢጣልያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ “ኣብዘን ዕለታት ዓቢይ ሻቕሎት ብዛዕባ እቲ ንመጻኢ ሰብኣውነት ዘስግእ ዘሎ ውግእ፣ ናብ ቆልዑን ህጻናትን ክንጥምት ኣሎና፣ እዞም ቆላሕታ ዝሰኣኑ ህጻናት ናብ ሓቀይና ንስሓ ክመርሑና ይኽእሉ ኢዮም” ክብሉ ተማሕጸኑ።  

"ሰብ ምእንቲ ክነብር" ነቲ ሓቀይና ምርኣይ ዝኾነ፣ "ንጹሕ ኣዒንቲ" ህጻናት ብምርኣይ ከም ህጻናት ክንከውን ኣሎና ክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ተላበው።

ፖፖተስ መበል 30 ዓመት ናይታ ብዕለት 23 መጋቢት 1996 ዝወጸት ናይ መጀመርታ ሕታሙ ይጽንብል ኣሎ።  

ሓደጋታት ኤለክትሮኒካዊ መዋእልን ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ዳይረክተር ኣቭቨኒረ ዝኾነ ማርኮ ጊራርዶ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፣ መራኸቢ ብዙሓን ነዚ እዋናዊ ፍጻመታት ንቘልዑ ንምክፋል ዝገበርዎ ዘልዉ ጻዕሪ ኣመስጊኖም፣ "ዘተባብዓና ብስራት ከምኡውን ሓደ ዓይነት ጌጋታት ንኸይንደግም ዝምህረና ሕማቕ ዜና" ብምባል እውን ገለጽዎ።

ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ኩነታት ብምምርማር ንወለድን መምህራንን ንቘልዑን ህጻናትን፣ "ካብ ኢሰብኣዊ ሓበሬታን ትምህርትታትን" ኬዕቍብዎም ጻውዒት ኣቕረቡ።

"ኵላትና ብፍላይ ሎሚ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መዋእልን ኣብ መዋእል ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን ቀጻሊ ትምህርቲ የድልየና ኣሎ። ሰብ ንምዃን ከኣ ብዛዕባ ክውንነት ከም ናይ ህጻናት ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኽንዕቅብ ኣሎና" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣጕሊሖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብተወሳኺ፣ "ቈልዑ ኣብ ናይ ሰብ ዝሰርሖ መተግበሪታት ናይ ቀረባ ኣዕሩኽቶም ወይ ናይ ኵሉ ፍልጠት ዝኾነ ማዕከን ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ክኣምኑን፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣእምሮኦምን ርክባቶም ዘዳኽም ናይ ምፍጣርን ኣተሓሳስባኦምን ድንዛዜ ኢዩ ዘስዕበሎም" ብምባል ኣጠንቀቑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም፣ "ንቝልዕነቶም ክንሕልዎ ኣሎና፣ ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይታ እተሓደሰት ዓለም ምእንቲ ክዀኑ ድማ፣ ኣብ ዕቤቶም ክንመርሖም ኣሎና" ብምባል ተማሕጸኑ።

ናብ ዓለም ጽባቐ ምምላስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም መንእሰያት ኣንበብቲ እውን፣ "ብርግጽ ጽባቐ ናብ ዓለም ምምላስ ይከኣል እዩ" ብምባል ኣረጋገጹሎም።

"በታ ንዓኻትኩም እተዳለወት ጋዜጣ ኣቢልኩም፣ ንዓበይቲ ብጸጋኹም ንሓድስቲ ዘደንቑ ነገራት ብምርኣይ ብምትእምማን ኪሓስቡን ብዘይ ኣድልዎ ንኺሃንጹን ክትሕግዝዎም ትኽእሉ ኢኹም" በሉ።

ወሲኾም ድማ ቅዱስ ኣቦና፣ "እናዓበኹም ብእትኸድሉ ዘሎኩም መጠን፣ ነቶም ሎሚ ዝስዕቡኹም ዘለእው ኣንበብቲ ብምዝካርን፣ ነቶም ኣብ ሰላሳታት ዕድሚኦም ዝርከቡ ሰባትን ብምዝካርን፣ "ኵሉ ሳዕ ሓድሽ ነገር ክትረኽቡን ባዕልኹም ሓድሽ ነገራት ክትፈጥሩን ኢኹም። እንተዀነ ግን ካብዘን ናይ መጀመርታ ዓመታት ህይወትኩም ኣትሒዝኩም ወትሩ ኽትዕቅብዎ ዘሎኩም ነገራት ኣሎ፦ ኣብቶም ዜፍቅሩኹም ምትእምማን፣ ኣድማሳዊ ቋንቋ ፍቕሪ ምልምማድ፣ ኣጽዋር ዘራግፍ ፍሽኽታ፣ ይቕረታ ንምሕታት ትብዓት፣ ሰላም ናይ ምፍጣር ጽባቐ ድማ ኢዩ" ክብሉ ተማሕጸንዎም።

ንጹሕ ጠመተ ዘለዎ ዓይኒ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ "ተመሊስኩም ከም ቈልዑ እንተ ዘይኴንኩም ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይክትኣትዉን ኢኹም" ብምባል እተዛረቦም ቃላት እውን ዘኪሮም።

ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ፣ "ከም ቈልዑ ምዃን ንድሕሪት ምምላስ ዘይኰነስ፣ የግዳስ ንትሕዝቶ ዅሉ ነገር ንምርኣይን፣ ንኣዝዩ ኣጸጋሚ ሕቶታት እውን ከይተረፈ ዜገርም መልሲ ምርካብን ማለት እዩ" በሉ።

"ምናልባት ኣብ ቅድሚ ኣረሜናዊ ዝኾነ ውግእ፣ ናብቲ ዝጠፍአ ጠመተ ቘልዑ ብምርኣይ ጥራይ ኢና ክንልወጥ እንኽእል" ክብሉ እውን ጸሓፉ። "ኣዒንቲ ሓድሕድኩም ምጥማትን፣ ንዓለም ብንጹሕ ኣዒንቲ ምርኣይን ከም ብሓድሽ ተምሃሩ” ክብሉ ድማ መዓዱ።

ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም፣ ንወለድን መምህራንን ስለቲ ንመንእሰያት "ብጾቶም ኣብ ጕዕዞኦም" ብምምሃር ዘርኣይዎ "ሓልዮትን" "ፍቕርን" ምስጋናኦም ገለጹ። ንቘልዑ "ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ጽባቐ ኼንጸባርቑን ምስ ታሪኽን ምስ ተዘክሮን ንህይወትን ብዝተሓሓዘ ብሓድሽ መገድታት ክገልጹን" ብዝያዳ ኺሕግዝዎም ድማ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

23 Mar 2026, 15:04