ር. ሊ. ጳ.፦ “ሰበ-ስልጣን ብዘተ ኣቢሎም ተዅሲ ብምቍራጽ ንሰላምን ክስዕቡ ኣለዎም!”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ነቲ ተዅሲ ደው ንምባል ዝቐረበ ጻውዒት ዳግም ከሐድሶ እደሊ ኣለኹ፣ ንሰላም ግን ብኣጽዋር ዘይኰነስ ብዘተ ንዅሉ ሰብ ሓቀይና መፍትሒ ምድላይ" ይግባእ ብልባል፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣብ ወጻኢ ቪላ ባርበሪኒ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ንዝጽበይዎም ዝነበሩ ጕጅለ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ሓጺር መግለጺ ነዚ ጻውዒት ዳግም ኣቕረቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ነቲ ዓለምለኻዊ ዅነታት ብምዝካር "ጽልኢ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፣ ዓመጻ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ካብ መረበቶም መመዛቢሎም ይርከቡ ኣለዉ፣ ብዙሓት ድማ ህይወትም ስኢኖም ኣለዉ" ክብሉ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም።
"ምእንቲ ሰላም ክንጽሊ ንደሊ እኳ እንተ ዀንና፣ ኵሎም ሰበ-ስልጣን ግን ጸገማት ንምፍታሕ ብዝርርብ ክዓዩ እምሕጸኖም ኣለኹ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰምታም ምሕጽንታን፣ በቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ካልእ ከባቢታትን ብውግእን ዓመጽን እተበታተነ ዞባታት ዓለምን ዘሎ ዅነታት እተሰምኦም "ጓሂ" እውን ገሊጾም ኢዮም።
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ "ግዳያት እዚ ግጭታት ዝዀኑ ብዙሓት ሰባት መጽለሊ ዘይብሎም ስቓይ ዝበዝሖም ብምዃኖም ስቕ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና" ከም ዝበሉ እውን ዝዝከር ኢዩ። "እቲ ዚጐድኦም ዘበለ ንዅሎም ደቂ ሰብ እዩ ዝጐድእ። እዚ ውግኣት እዚ ዘስዓቦ ሞትን ስቓይን ንብምሉኦም ደቂ ሰብ ዜሕፍር ናብ ኣምላኽ ዝዓርግ ኣውያት እዩ!" እውን በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ "ኣብ ልባዊ ዝርርብን ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ምኽባር እተመርኲሰ ውግእ ደው ናይ ምባል ውዕላት ግበርን፣ ናብ ሰላም ዝመርሕ መገድታት ምእንቲ ክኽፈትን ካብ ዝግበር ጸሎት ከይነቋርጽ ጻውዒተይ ኣበርቲዐ እሕድስ ኣለኹ" በሉ።
