ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኹሲ ደው ክብልን ዘተ ክብገሰን ይጽውዑ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኹሲ ደው ክብልን ዘተ ክብገሰን ይጽውዑ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኹሲ ደው ክብልን ዘተ ክብገሰን ይጽውዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኩሎም ተሓተትቲ ናይቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ተኹሲ ደው ኣብ ምባል ተሰማሚዖም ናይ ዘተ መንገድታት ዳግማይ ክኸፍቱ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰንበት ዕለት 15 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን መሪሖም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፡ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን እስራኤልን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ተሓተትቲ ዝኾኑ ሰባት “ብስም ክርስትያን ማእከላይ ምብራቕን ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን: ነቲ ውግእ ደው የብሉ! መንገዲ ዘተ ዳግማይ ይኽፈቱ! እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ "ዓመጽ ናብቲ ህዝብታት ዝጽበይዎ ፍትሒ፡ ምርግጋእን ሰላምን ፈጺሙ ክመርሕ ኣይክእልን እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ህዝብታት ማእከላይ ምብራቕ በቲ ካብ ዝባራዕ ካልኣ ሰሙን ዘቑጽር ዘሎ ዘስካሕክሕ ዓመጽ ኲናት” ኣብ ስቓይ ከም ዝርከብ ኣስተብሂሎም፡ "ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ንጹሃት ሰባት ተቐቲሎም፡ ካልኦት ብዙሓት ድማ ካብ ኣባይቶም ክመዛበሉ ከም እተገዱን ኣዘኻኺሮም፡ ምስ ኩሎም እቶም ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣባይቲ ሕክምናን መንበሪ ኣባይትን ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ፈተውቶም ዝሰኣኑ ብጸሎት ዘለኒ ቅርበት አሐድስ - ቢሎም - ኣስዒቦም ብዛዕባ ኩነታት ሊባኖስ ዘለዎም ዓቢ ስክፍታ ገሊጾም፡ “ምእንቲ ሓባራዊ ረብሓ ኩሉ ህዝቢ ሊባኖስ ንሰበስልጣን እታ ሃገር ነቲ ዝካየድ ዘሎ ከቢድ ቅልውላው ነባሪ ፍታሕ ኣብ ምትግባር ክድግፍ ዝኽእል መንገድታት ዘተ ክብገስ ተስፋ እገብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰላማውያን ሰባት ጾር ናይቲ ኣረሜናዊ ግጭት ኣደዳ እያቶም

እቲ ንኢራን ዘሳተፈ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝሰፍሕ ዘሎ ውግእ እናተጋደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ኢራንን ሊባኖስን ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ካብቶም ዝህሰዩ ዘለዉ ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዕለት 13 መጋቢት ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ኣብ ዝርከብ ማእከል ጥዕና እስራኤል ብዝፈጸመቶ መጥቓዕቲ 12 ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ከም እተቐትሉን ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ “ዘይቅቡል ሞት” እንክብል ከም ዝገለጾን፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ፡ እቲ ውግእ እናገደደ ካብ ዝኸደሉ ንደሓር ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ልዕሊ 800 ሰባት ከምዝሞቱን፡ ልዕሊ 800 ሽሕ ድማ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ይሕብር።

እስራኤል ንሂዝቦላህ ኣጽዋር ዝኽዝነሉን መጥቃዕቲ ዘወሃህደሉን ቦታ ኢላማ ዝገበረ መጥቓዕቲ ከም ዘበገሰት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እስራኤልን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ድሕሪ ዘበገሰኦ መጥቓዕቲ ቁሩብ መዓልታት ሂዝቦላህ ንኢራን ንምድጋፍ ናብ ሰሜናዊ ዞባ እስራኤል ተወንጫፊ ሮኬታት ምትኳስ ከም ዝጀመረን እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ዕለት 14 መጋቢት ኣብ ማእከላይ ግዝኣት ኢስፋሃን ኣብ ዝርከብ ኢንዱስትርያዊ ዞባ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 15 ኢራናውያን ከምዝተቐትሉን ሰበስልጣን ኢራን፣ ቀይሕ ወርሒ ኢራንን ሓያሎ ተጣበቕቲ መሰላትን ከም ዝግምትዎ፣ ሕቡራት መንግስታት ሜሪካን እስራኤልን ዘበገሰኦ ጸረ ኢራን መጥቃዕቲ ካብ ዝጅመር ካብ 1,230 ክሳብ 1,300 ሰላማውያን ሰባት ከም እተቐትሉ ክሕብሩ እንከለዉ፡ እቲ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ብናጻ ኣካል ከም ዘይተረጋገጸ ይንገር።

ሓደ ካብቲ ዝኸፍአ ሓደገይና ፍጻመታት መጥቃዕቲ፡ ዕለት 28 ለካቲት ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እቲ ኲናት ሚሳይል ኣብ ሚናብ ንዝርከብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ ምስ ሃረመ ዘጋጠመ ኮይኑ። መራኸቢ ብዙሓን ኢራን ካብ 168 ክሳዕ 180 ዝዀኑ ሰባት ከም እተቐትሉ፡ መብዛሕትኦም ድማ ቈልዑ ምዃኖም ይገልጹ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ዞባዊ ወጥሪ እናሰፍሐ ይኸይድ ምህላዉ ዝፍለፍጥ እውን ኮይኑ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ሪያድን ምብራቓዊ ዞባን ሸውዓተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ውግእ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍጻመን ከም ዘፍሸለ እንክሕብር፡ ሰበ-ስልጣን ዱባይን ቓጣርን እውን ዕለት 15 መጋቢት ብመከላኸሊ ኣየር ተወንጫፊ ሚሳይላት ከም ዘፍሸላ ከፍልጡ እንከለዉ፡ ኩዌት ከኣ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እተፈጸመ መጥቓዕቲ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ መቆጻጸሪ ስርዓት ከም ዘሰናኸለ ትገልጽ፡ ሰራዊት እስራኤል ዕለት 15 መጋቢት ንግሆ ካብ ኢራን እተተኰሰ ሚሳይል ከም ዘፍሸለ ከፍልጥ እንከሎ፡ ህጹጽ ኣገልግሎት ጉዳይ ዝከታተል ኣካል እቲ ዝፈሸለ መጥቓዕቲ ናብ ማእከላይ እስራኤል ዘቕነዐ ምንባሩ የረጋግጹ።

ኣብዚ ድሕረ ባይታ’ዚ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ልኡከ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቀጽሪ ሚሳይል ከም ዝወደቐ እቲ ቤት ጽሕፈት ብምሕባር ንዜጋታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓድሽ መጠንቀቕታ ብምሃብ፡ "ብቕልጡፍ ካብ ዒራቕ ክወጹ" ይሓትት።

16 Mar 2026, 16:12