ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ኣብ ኢራን ኣጽዋር ስቕ ይበል
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰንበት ዕለት 8 መጋቢት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተርኽቡ ምመናን መሪሖም ብሓባር ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፡ ሓሳቦም ናብ ማእከላይ ምብራቕ ኣቕኒዖም፡ ካብቲ ዞባ “ዓሚቕ ጭንቀት ዝፈጥር ሓበሬታ ይበጽሓና ኣሎ፡ ብፍላይ ኣብ ኢራንን ኣብ መላእ እቲ ዞባን ዘሎ “ዓመጽን ዕንወትን” ከምኡ’ውን “ሰፊሕ ናይ ጽልእን ፍርሕን ሃዋህው” ጠቒሶም፡ እቲ ግጭት ከም “ፍቕርቲ ሊባኖስ” ዝኣመሰላ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ዳግማይ ናብ ዘይምርግጋእ ክጥሕል ዝኽእል ስግኣት ምህላዉ ኣስሚሮም፡ “ሩምታ ቦምብታት ደው ክብል፣ ኣጽዋር ስቕ ክብል፣ ናይ ዘተ ቦታ ክኽፈት፣ ኣብኡ ድማ ድምጺ ህዝብታት ክስማዕ” ኵሉ ክጽልይ ዓዲሞም፡ ጸሎቶምን ጸሎት ኩሎም ምመናንን፡ “ብሰንኪ ውግእ ንዝሳቐዩ ከተማልድ፡ ንልብታት ኣብ መንገዲ ዕርቅን ተስፋን ክትመርሕ” ንቅድስቲ ድልግል ማርያን ንግስተ ሰላም ሕድሪ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብስግኣት ዘይተሃንጸ ሰላም
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 1 መጋቢት ቅዱስነቶም ኣብ ተመሳሳሊ ጉባኤ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ብዛዕባ ኩነታት ማእከላይ ምብራቕን ኢራንን ዘለዎም “ዓሚቕ ስክፍታ” ገሊጾም፡ "ምርግጋእን ሰላምን ብሓድሕዳዊ ስግኣት፡ ብጥፍኣት፡ ቃንዛን ሞትን ብዝዘርእ ኣጽዋር'ውን ዘይኮነስ፡ ብርትዓዊ፡ ሓቀይናን ሓላፍነታውን ዘተ ጥራይ'ዩ ዝህነጽ። ዓመጽ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ምስ ዝኸውን ዘይተኣደነ መዓት ከም ዘጋጥም ኣጠንቂቖም፡ “መጠነ ሰፊሕ መዓት ከጋጥም ኣብ ዝኽእለሉ እዋን፡ ነቶም ተጻባእቲ ወገናት፡ ነቲ ዓንኬል ዓመጽ ቅድሚ መዋጽኦ ናብ ዘይብሉ ዓዘቕቲ ምባሉ ደው ናይ ምባል ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ክወስዱ ልባዊ ጻውዒት እቕርብ!” ከም ዝበሉን ቅዱስነቶም ዕለት 8 መጋቢት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ መንግስታት ሰላም ንምድላይ ናብ ዘተ ክምለሱ፡ ስነ ሜላዊ ርክብ ግደኡ ይመለስ፡ ኣብ ፍትሒ ዝተመስረተ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ናይ ዝናፍቑን ሰናይን ህዝብታት የስፍሕ - ቢሎም - ንሰላም ድማ ጸሎትና ንቐጽል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
