ድለ

2026.03.23 Suor Stanislawa Samulowska 2026.03.23 Suor Stanislawa Samulowska 

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መስርሕ ኣዋጅ ቅድስትና ናይ ሽዱሽተ ሰባት ኣበጊሶም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንብዙሓት ውልቀ-ሰባት ናብ ኣዋጅ ቅድስናኦም ዝመርሕ መንግድታት ይኸፍቱ ኣለዉ፣ ገለ ኻብዚኣቶም ኸኣ ሓደ ኢጣልያዊ ኣቦ ስድራ ምእንቲ እምነቱ ህይወቱ ዘወፈየን፣ ከምኡውን ካልእ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ንቤተ-ክርስትያን ዘገልገለ ስጳኛዊ ኣባል ማሕበር ሰብ ውፉይ ሕይወትን ኢዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰኑይ ንግሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንብፁዕ ካርዲናል ማርቸሎ ሰመራሮ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ኣዋጅ ቅድስና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ተቐቢሎም ንኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ንናይ ሽዱሽተ ውልቀ-ሰባት ኣዋጅ ቅድስትና ዝመርሕ ሰነድ ክህተም ይኹንታ ሂቦምሉ።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ብዕለት 17 ሓምለ 1805 ኣብ ከተማ ሮማ ኢጣልያ እተወልደ፣ ብዕለት 11 ነሓሰ 1867 ኣብ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣልባኖ ላዚያሌ ዝሞተ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ሉዶቪኮ ኣልቲየሪ ጳጳስ ሰበኻ ኣልባኖ ካርዲናል ናይ ቅድስት ሮማዊት ቤተ-ክርስትያን ንመሥዋዕታዊ ህይወቱ ኣፍልጦ ሃቡሉ።

ቅዱስ ኣቦ ነቶም ኣርባዕተ ኣባላት ማሕበር ሰብ ውፉይ ሕይወት ዝኾኑ ሓደ ኢጣልያዊ ምእመንን ኣቦ ስድራ ቤትን ዝነበረ ዝፈጸሞ ጅግንነት እውን ኣፍልጦ ሂቦምሉ የከቡ፦

- ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኤድዋርድ ጆሴፍ ፍላናጋን ካህን ሰበኻን መስራቲ ማሕበር “ቦይስ ታውን” ብዕለት 13 ሓምለ 1886 ኣብ ባሊሞ ኣይርላንድ ተወሊዱ፣ ብዕለት 15 ግንቦት 1948 ኣብ በርሊን ጀርመን ሞተ።

- ኣገልጋሊ ኣምላኽ ሄንሪ ካፋረል ካህን ሰበኻን መስራቲ ማሕበር "ጕጅለታት እኖና ቅድስቲ ድግል ማርያምን" (Équipes Notre-Dame) ከምኡ'ውን ማሕበራት ምእመናን "ሕውነታት እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘትንሳኤን" ብዕለት 30 ሓምለ 1903፣ ኣብ ከተማ ልዮን ፈረንሳ ተወሊዱ ብዕለት 18 መስከረም 1996 ኣብ ቦቫ ናብ ሰማያዊ ቤት ተሳገረ።

- ኣገልጋሊት እግዚአብሔር ስታኒስላው ሳሙሎቭስካ (ባርባራ ተባሂላ ትጽዋዕ ዝነብረት) ኣባላ ማሕበር ደናግል ደቂ ልግሲ ቅዱስ ቪንቸንስዮስ ዘፖል፣ ብዕለት 30 ጥሪ 1865 ኣብ ከተማ ዎሪቲ ሎሚ ኣብ ሃገረ ፖላንድ ዝረከቭ ተወሊዳ፣ ብዕለት 6 ታሕሳስ 1950 ኣብ ከተማ ጓቲማላ ሃገረ ጓቲማላ ካብ ድኻም እዚ ዓለም ዓረፈት።

- ኣገልጋሊት ኣምላኽ ማሪያ ዘቤት-ልሄም ናይ ልቢ ኢየሱስ ዘሮሜሮ ኣልጋሪን (ማሪያ ዶሎረስ ትጽዋዕ ዝነበረት) ኣባል ማሕበር ደናግል ከም ምንባራ ዝንገረላ ዝንበረ፣ ብዕለት 7 ጥቅምቲ 1916 ኣብ ከተማ ሴቪል ስጳኛ ተወሊዳ፣ ብዕልት 12 ሕዳር 1977 ኣብ ሳንሉካር ላ ከንቲባ ሞተት።

- ኣገልጋሊ ኣምላኽ ጁሰፔ ካስታግኔቲ ምእመናን ኣቦ ስድራ ብዕለት 15 መጋቢት 1909 ኣብ ከተማ ሞንቴባራንዞን ኢጣልያ ተወሊዱ፣ ብዕለት 22 ሰነ 1965 ድማ ኣብኡ ሞተ።

እዞም ሕጹያት በዚ ጅግንነት መንፈሳዊ ሓይላቶም ዚገልጽ ሰነድ ብምእዋጁ፣ ክቡራት ኣገልገልቲ እግዚአብሔር ተባሂሎም ክጽውዑ ቅዱስነቶም ኣጽዲቖም።

24 Mar 2026, 15:05