ር. ሊ. ጳ. ናብ ማእከል ሕክምናዊ መጥባሕቲ፣ 'ረብሓ ሕሙማን መሰረታዊ መምርሒታትኩም ግበርዎ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሃገራዊ ማእከል ምስግጋር ዋህዮታት ሰብ ኢጣልያ ዝወደቦ ዓውደ ጉባኤ ምስ ዝተሳተፉ ተወከልቲ ተራኺቦም፣ ወትሩ ንረብሓ ሕሙማን ከም መምርሒ ገይሮም ክሕዙ ድማ ተላበውዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዞም ተጋባእቲ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ሃገራዊ መርበብ ማእከላት ምስግጋር ማህዮታት ወድሰብ ተቐቢሎም ብምዝርራቦም ዝተሰምኦም ሓጐስ እውን ገሊጾም፣ ኣባኡ ምርካቦም ድማ ንህይወት ደቂ ሰብ ብኽእለትን ተወፋይነትን፣ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ እዋናት ዘገልግሉ ብዙሓት ሰብሞያ ክንክን ጥዕናን፣ ክኢላታትን ወለንተኛታትን ዘለዎም ተወፋይነቶም ዘረጋግጽ ምዃኑ ገለጹ።
ኣብ ኢጣልያ ንፈለማ እዋን ናይ ኣካላት ወድሰብ ወፈያ ካብ ዝጅመር መበል 70 ዓመት ከም ዘብዕል ዘሎ ድማ ተዘክሮኦም ገለጹ፣ "ብፁዕ ዶን ካርሎ ግኖቺ ድሕሪ ሞቱ ብሌን ዓይኑ ክውሰድን፣ ነቶም ዘገልግሎም ዝንበረ ኽልተ መንእሰያት ክወሃቦም ብምውፋዩ እንደገና ኺርእዩ ከኣሉ" ክብሉ ቅዱስነቶም መስከሩሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ እዚ ተግባር እዚ ገና ሰፊሕ ሕግታት ኣብ ዘይብሉ ዅነታት እተፈጸመ፣ ኣብ ሕብረተሰብ ኢጣልያ ሰፊሕ ኣስተንትኖታት ከም ዘለዓዓለን፣ ናብ ሕጋዊ ትርጕም ዝመርሕ መገዲ ክኽፈት ሓጊዙ እዩ በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም ድሕሪ እዚ ተግባር ብፁዕ ግኖቺ፣ ድሕሪ ገለ ሰሙናት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 12 ብዛዕባ እዚ ጕዳያት እዚ ናይ መጀመርታ ስነ-ምግባራዊ መምርሒ ከም ዝሃቡ ብምዝካር፣ ንኽብሪ ወዲሰብን መሰላቱን እቶም ኣብኡ እተሳተፉ ሰባትን ብምኽባር ንሕክምና ተባሂሉ ኣካላት ወድሰብ ምውሳድ ሕጋዊ ምዃኑ ኣፍልጦ ሃቡሉ።
ትውፊት ቤተክርስትያን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ
ስለዚ ካብ መጀመርታኡ ኣትሒዙ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ናይ ቤተ-ክርስትያን ኣስተምሮት ምስ ምዕባለ ናይ ምስግጋር ኣካልት ወድሰብን ዘሰንዮ መድሓኒታትን ንዋጋኡ ኣፍልጦ ብምሃብ ኣድላዪ ስነ-ምግባራዊ መዐቀኒታት እውን የመልክት።
ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው ኣብ ስነ-ፍልጠታዊ ምርምርን፣ ሰብኣዊ ተወፋይነትን እተገብረ ሃብታም ምዕባለ ነቲ ኣብ ኢጣልያ ዘሎ መርበብ ማእከላት ምስግጋር ሰብኣዊ ኣካልት፣ ኣብ ኣህጉራዊ ደረጃ ተፈላጥነት ዝረኸበ፣ ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዎ ውጽኢት ከም ዝረኸበ ብምዝካር፣ ብድሕሪ እዚ ውጽኢት እዚ፣ ብዙሕ ተመክሮን ከምኡውን ክዕቀብን ክድገፍን ዘለዎ ናይ ሓላፍነትን ምትእምማንን ባህሊ ከም ዘሎ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ “ወንጌላዊ ሕይወት” (Evangelium vitae) ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ከም ዝገለጽዎ ጠቂሶም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እውን ኣብ መንጎ እቲ ንባህሊ ህይወት ዘተባብዕ ስጕምትታት፣ "ብስነ-ምግባር ተቐባልነት ብዘለዎ መገዲ ዝግበርን፣ ወፈያ ኣካላት ወድሰብ ፍሉይ ምስጋና ይግብኦ" ክብሉ ገለጹ። ኣስዕብ ኣቢሉምውን ንልግሲ ወሃብቲ ምስቲ ምስ እዚ ተግባር እዚ እተተሓሓዘ ስነ-ምግባራዊ ሓላፍነት ዘጣምር ተግባር ምዃኑ እውን ኣመልከቱ።
ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፣ "ድሕሪ ሞት ወፈያ ኣካላት ወድሰብ ክቡርን ግቡእን ተግባር ምዃኑን፣ ከም መግለጺ ልግስን ሓድነትን ክተባብዕ ዘለዎን ምዃኑ" ከም ዘረጋግጽ ደጊሞም ኣረጋጊጹ።
ቀጻሊ ንቕሓትን ፍትሓውን ግልጽን መዐቀኒታት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ "ንኣካላት ወድሰብ ካብ ንግዲ ንምዕቃብን፣ ንምስግጋር ኣካላት ብፍትሓውን ግልጽን መዐቀኒታት ከም ዝምራሕ ንምርግጋጽን ብቐጻሊ ንቕሓት የድሊ" በሉ።
ኣብ ምስግጋር ኣካላትን ፍወሳኡን ምትእምማንን ሓባራዊ ሓላፍነትን ኣገዳሲ ቅድመ ኩነት ምዃኑ የዘኻኽረና ምዃኑ እውን ኣጕልሑ። "ብርግጽ ብምግጋር ኣካላት ወድሰብ፣ ህይወት ናይ ምድሓን ተኽእሎ ስለዘለዎ፣ ኣብ ልግሲ እቶም ለገስቲ እተመርኰሰ እዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወፈያ ኣካልት ኣብ ማሕበራዊ ረብሓኡ ጥራይ እተሓጽረ ከም ዘይኰነን፣ ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ ከም መግለጺ ኣድማሳዊ ሕውነት ከም ዝቐርጽ እውን ኣጕሊሖም ከም ዝነበሩ ብምዝካር፣ ባህሊ ሓገዝን ቀፈያን ኣካላት ተስፋ ህይወት ኪምስክር ዝኽእል ናጻ ተግባር ኰይኑ ክቕጽል ከም ዘለዎ ደጊሞም ኣረጋገጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ ነዚ ተፍባር እዚ "ብፍላይ ጠቓሚ መዘኻኸሪ" ክብሉ ብምጽዋዕ፣ኣብቲ ኵሉ ነገር ብዋጋ ስሉጥነት ወይ ብረብሓ እቲ ተጠቃሚ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኺግምገም ኣብ ዝኽእል እዋን እዩ ዘሎ ክብሉ እውን ኣመልከቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ስነ-ፍልጠታዊ ምርምር ንምትብባዕ ተጠቕሙ፣ እዚ ኸኣ ንሕክምና ምስግጋር ኣካላት ወድሰብ ኣገዳሲ ኣጋጣሚታት ይኸፍት ኣሎ ክብሉ ገለጽዎ።
ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ "ጠለብ ኣካላትን ድሌት ሕሙማትን ንምምላእ ዝያዳ ውጽኢታዊ መፍትሒ ንምምዕባል ተጸዕኩም ኣሎኹም" በልዎም። ስነ-ፍልጠታዊ ምዕባለ ኣብ ምሉእ ረብሓ ሓደ ውልቀ-ሰብን ክብሩ ኣብ ምኽባርን ዘተኰረ ምእንቲ ክኸውን እዚ ተጸምዶ እዚ ወትሩ ሓላፍነት ዝስምዖ ኣስተንትኖ ብምግባር ክቕጽል ኣድላዪ ኢዩ" ክብሉ ውን ተማሕጸኑ።
ንረብሓ ሕሙማት ከም መሰረታዊ መምርሒ ጌርኩም ምሓዝ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልባዊ ምስጋናኦም ብምግላጽ፣ "እዚ ናትኩም ኣገልግሎት ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትትን መብዛሕትኡ ግዜ ሕቡእ ዕዮ እዩ፣ ብቑዕን ጻዕርን ዝሓትት፣ ኣብ ርእሲኡ ውን ሕልናን ሚዛናዊነትን ከምኡውን ዓሚቝ ሰብኣዊ ስምዒት ዚሓትት እዩ" በሉ።
ንኣገልግሎቶም ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ክሊኒካዊ ሓላፍነታትን ተነቃፊ ውሳነታትን ንህይወት ሰባት ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር እዋናት ዚትንክፍ፣ ርክባትን እውን ከም ዜጠቓልል ኣፍልጦ ብምሃቡሉ፣ "ኵሉ ሳዕ ንረብሓ ሓደ ሕሙም ከም መሰረታዊ መምርሒ ጌርኩም ብምሓዝ" ነዚ ጻዕሪ እዚ ብተኣማንነትን ተወፋይነትን ክፍጽሙ ብምምሕጻን መደረኦም ዛዘሙ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣብ መደምደምታ ንትካላትን ዓለምን ወለንተኛታት ናይ ሓበሬታን ናይ ምስትውዓልን ዕዮኦም ክቕጽሉ ብምትብባዕ "ኣብዚ ተግባር እዚ ምልክት ሓድነትን ሕውነትን ተስፋን ኣፍልጦ ክህብ ዝኽእል ናይ ወፈያ ባህሊ ዝያዳ ንቑሕን ናጻን ሓባራውን ምእንቲ ክዓቢ ኢዩ።"
