ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ መንጎ ጽላለ ኲናት ኣብ ኵሉ ደረጃታት ንህይወት ክንከላኸል ኣሎና
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ኣብ እዋን ጽላለ ውግእ፣ ንህይወት ካብ ጽንሲ ኽሳዕ ባህርያዊ ፍጻሜኡ ምክልኻል ኣገዳሲ እዩ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ሎሚ ንግሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዘካፈልዎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ትምህርተ ክርስቶስ ንፖላንዳውያን ነጋድያን ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽናታን፣ ዕለተ ቅድስና ህይወት ምኹናኡ ብምዝካር ገሊጾም።
ኣብ ፖላንድ መዓልቲ ቅድስና ህይወት ዓመታዊ፣ ዕለት 25 መጋቢት እያ እትኽበር። ኣብ 2004 ምስ በዓል ትስብእት ብምስምማዕ ድማ እዩ ተመስሪቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኮም ንፈረንሳውያን ነጋድያን ኣብ ዘካፈልዎ ቃል ሰምታን ምሕጽንታን፣ ጓሶት ነፍሳት ቤተ-ክርስትያን "ብቕንኣት ወንጌል ክሰብኩን ንክርስትያን ምእመናን ሰላም ዝመልኣ ዓለም ንምህናጽ ብንጥፈት ክሕግዝዎምን" ጻውዒት ኣቕረቡ።
ቅዱስ ኣቦና ነዚ ጻውዒት እዚ ንዅሎም ምእመናን ብምቕራብ፣ ነቶም ቋንቋ ዓረብ ዝዛረቡ ምእመና ኣብ ዝለገሱሎም ቃል ሰምታ ድማ ወሲኾም፣ "ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብፍቕሪ ዝመልአ ወደ መዝሙርን፣ ወንጌል ኣብ መላእ ዓለም ንምስባኽ ተባዕ ልኡኽን ክኸውን ተጸዊዑ ኢዩ" ብምባል ኣዘኻኺሮም።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ሎሚ ተኸቢሩ ዝወዓለ በዓለ ትስብእት ጐይታና ብዝካር፣ "ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም ወትሩ ድሉዋት ምእንቲ ክኸውን፣ ኵሉ ሰብ ኣብነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክስዕብ ጻውዒት ይኹነና" ክብሉ ጸልዮም።
