ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ዝሓሸ መጻኢ ንምርግጋጽ ናይ ሎሚ ቅልውላዋት ብሓባር ምእላይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ዝሓሸ መጻኢ ንምርግጋጽ ናይ ሎሚ ቅልውላዋት ብሓባር ምእላይ 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ዝሓሸ መጻኢ ንምርግጋጽ ናይ ሎሚ ቅልውላዋት ብሓባር ምእላይ

ር.ሊ.ጳ. ናብቲ ብጉባኤ ሓምላይ ውዕል ዝድገፍ መበል 17 ኣህጉራዊ መድረኽ ሓበሬታ ድሕነት ተፈጥሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተሳተፍቲ “ብዘላቒ ልምዓታዊ ውጥናት ምርምር” ንፍጥረት ንምሕብሓብ ብሓባር ክሰርሑ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጉባኤ ውዕል ሓምላይ ዝድገፍ መበል 17 ኣህጉራዊ መድረኽ ሓበሬታ ድሕነት ተፈጥሮ ንምኽባር ዕለት 18 መጋቢት ኣብ ትረቪሶ ኢጣልያ ናብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ጳጳስ ትረቪሶ ሚከለ ቶማሲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፔይትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ነዳለውትን ተጋባእያንን ሰላምታኦም ብምቕራብ “ንኹሎም ተሳተፍቲ ዘለዎም ዓሚቝ ሞሳ” ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ “መጻኢ ብሓባር ምህናጽ፡ ንመጻኢ ዝጸምእ ሓድሽ ሰብኣውነት” ብዝብል መርሕ ቃል ካብ ልዕሊ 40 ሃገራት ዝመጹ ተጋባእያን ኣብ ከተማ ትረቪዞ ብዛዕባ ስነ-ህይወትን ሰባት ነቲ ናይ ሓባር ገዛ ንምሕላው ዘለዎም ሓላፍነትን ከም ዝዘተዩ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም “ብዘላቒ ልምዓታዊ ናይ ምርምር ውጥናት” ቀጻሊ ጻዕርታት ምትሕግጋዝን ንቕሓትን ሓልዮት ፍጥረት ክድንፍዕ ኣተባቢዖም፡ “ስነ ምህዳራዊ ሓላፍነት ብግብራዊ መረዳእታ ጥራይ ዝፍጸም ኣይኮነን” እንክብሉ ኣዘካኺሮም፡ ከምዚ ዓይነት ጸብጻባት ኣድላዪ'ኳ እንተኾነ እኹል ኣይኮነን። እቲ ዘድሊ ልብን ኣእዳውን ዘሳትፍ፡ ሓደስቲ ልማዳት፣ ሓባራዊ ኣነባብራን ጽቡቕ ልምድታት ዘጠቓልል ትምህርቲ እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ሰባት ነዚ ናይ ሎሚ ቅልውላዋት ንምፍታሕ ብሓባር እንተሰሪሖም፡ "ንሓደስቲ ወለዶታት ዝሓሸ መጻኢ ዘረጋግጽ፡ ኣኽብሮትን ንኹሉ ዝሓቁፍን ማሕበራዊ ሃዋህው" ክለምዕ ከምዝኽእል ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ንፍጥረት ንምሕብሓብ ደረት ምሕላፍ

ነቲ ዓውደ ኣኼባ መኽፈቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን መበል 800 ዓመት ዝኽሪ ማህልየ ፍጥረትን ዕረፍቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ብፍሉይ ዝዝክር ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም ዘንበቡ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ነበር ህየንተ ካርዲናል ቤንያሚኖ ስቴላ ከም ዝኾኑን ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መልእኽቶም "መጻኢ ብሓባር ምህናጽ ብሓቂ ናይ ሓባር ዕላማና እንተኾይኑ፡ ናብ ሓድሽ ገዛ ንምእታው ደረት ምሕላፍ ይሓትት። እዚ እንተዘይሃልዩ፡ ክንክን ምፍጣር ኣብ መንጎ ስነ - ሓሳብን እደ ጥበባዊ ስርዓተ ምሕደራ፡ ኣብ መንጎ ስምዒታዊ ኒሕን ዝሑል ኣገባብን፡ ኣብ መንጎ ኣነቓቓሒ ቃላትን ኣልቦ ነፍሲ ዝኾነ ምሕደራን ንየውነጀው ናብ ምባል ሓደጋታት የስዕብ። እቲ ዝኽሪ ንምዝካር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሓባራውነትን ሓድነትን ከስዕብ ዝኽእል ቃል - ተግባር  ንምርካብ ዝሕግዝ ዕድል ዝጒልሕ እዩ። መንፈሳውን ስነ ኣእምሮኣውን ኣረኣእያ ዝቐርጹ ቃላት የቕርብ - ንደቂ ሰባት ካብቲ ናይ ምዕብላልን ምዝመዛን ፈተና ነጻ ዘውጽእ፡ ኣብ ክንድኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ነባሪ ጸዋዕታ ሓልዮት ዘቐምጠና እዩ፡” ነቲ ዘይንውንኖ "ሓውንን ሓብትን" ኢልካ ምጽዋዕ ዓሚቝ ሓልዮት ከም ዝዀነ ንክውንነት ከም ርክብን ፍጥረትን ከም ውህበት ኣፍልጦ ምሃብ ማለት ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"ብሓባር ምስራሕ፡ ብተጣባቕነት በቶም እኹል ዘለዎም ሰባት ዝግበር ኣይኮነን ሓድሕዳዊ ምትእስሳር ከም ዘሎና ምፍላጥ እዩ - በይኑ ዝድሕን ሰብ የለን። ምስ ምድሪ ዝህሉ ሰላምን ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ሰላምን ዘይነጻጸል ምዃኑ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ማህልየ ፍትረት የዘኻኽረና። ፍጥረት ኣብ ዝቖሰለሉ፡ ሕብረተሰብ ይበታተን፤ ክብሪ ወዲ ሰብ ኣብ ዝረገጸሉ ተፈጥሮ ዝምዝመዝ ነገር ይኸውን፤ ዝምድናታት ኣብ ዝበታተነሉ፡ እደ ጥበብ ዝመቓቐል ሓይሊ ይኸውን ዝበሉ ካርዲናል ፓሮሊን፡ ኣብ መደምደምታ ማህልየ ፍጥረት ንዓለም ከም ዋንነት ወይ ግዳይ ዘይኰነስ ከም ሕውነት ጌርና ኽንርእያ እንተ ምሂሩና ንመጻኢ ብሓባር ምህናጽ ናብ ዕማም ወይ ስነ ሜላ ኪንኪ ኣይክእልን እዩ። መገዲ ህይወት ኪኸውን ኣለዎ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

21 Mar 2026, 17:31