ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ቤተክርስትያን ናይ ሰላምን ሓድነትን ትንቢት እያ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ ዶግማዊ ቅዋም ቤተ-ክርስትያን “ብርሃን ኣሕዛብ” (Lumen gentium) ዝገብርዎ ዘለዉ ኣስተንትኖ ብምቕጻል፣ ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ኣጕልሑ፣ ከመይሲ ቤተክርስትያን ብክርስቶስ ሓድነት ዘለዎም ህዝቢ ኣምላኽ እያ፣ ክብሉ ውን ኣስተምሃሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘካፈልዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ቤተ-ክርስትያን ንኣባላታ ኣብ ክርስቶስን ፍቕሩን ብምሕባር ሓድነት ስለ እትህቦም፣ ንወንጌል ናብ ዅሉ ሰብ ናይ ምብጻሕ ተልእኾ ኣለዋ በሉ።

"ቤተክርስትያን ኣብ ክርስቶስ ጐይታን መድሓኒን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ሓድነት ስለ ዘለዋ፣ኣብ ገዛእ ርእሳ ክትዕጾ ኣይትኽእልን እያ፣ የግዳስ ንዅሉ ሰብ ክፍቲ እያ" ክብሉ ውን ኣስተምሃሩ።

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዘካፈልዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም ሰናይ ምክትታል።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሩኽ መዓልቲ!

ነቲ ብዛዕባ ዶግማዊ ቅዋም “ብርሃን ኣሕዛብ” (Lumen gentium) እንገብሮ ዘሎና ኣስተንትኖ ብምቕጻል፣ ሎሚ ውን ብዛዕባ እቲ ንህዝቢ ኣምላኽ እተወፈየ ካልአይቲ ምዕራፍ ናይዚ ሰነድ ክንርኢ ኢና።

እቲ ንዓለምን ንደቂ ሰብን ዝፈጠረ፣ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከድሕን ዝደሊ ኣምላኽ፣ ሓቀይና ህዝቢ ብምምራጽን፣ ኣብ መንጎኦም ብምንባርን ኣብ ታሪኽ ናይ ምድሓን ዕዮኡ ይፍጽም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ንኣብርሃም ብምጽዋዕ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ሑጻ ባሕርን ዝበዝሑ ክገብሮ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ቃል ተስፋ ኣተወሉ (ዘፍ 22፡17-18)። ንደቂ ኣብርሃም ካብ ባርነት ሓራ ምስ ኣውጽኦም፣ እግዚኣብሔር ቃል ኪዳን ኣተወሎም፡ የሰንዮም ነበረ እውን፡ ይከናኸኖምን፡ ካብኡ ኣብ ዝረሓቑሉ እዋን ድማ ይእክቦም ንበረ።  ስለዚ መንነት እዚ እዚ ሕዝቢ እዚ ብግብሪ ኣምላኽን ኣባኡ ብምእማንን እዩ ተረኺቡ። ንዅሎም ህዝብታትን ንብምልኦም ደቂ ሰባትን ኣብ በሪኽ ቦታ ከም ዝተተኽለ ኣመልካቲ መብራህቲ ኮይኖም ብምስሓብ፣ ንኻልኦት ኣህዛብ ብርሃን ክኾኑ ዀኑ ኢዮም ተጸዊዖም (ኢሳ 2፡1-5) ።

እቲ ዋዕላ ከም ዝገለጾ ድማ፣ "ግናኸ እዚ ዅሉ ድማ ከም ምስሊ ናይቲ ብክርስቶስ ኪጸድቕ ዘለዎ ሓድሽን ፍጹምን ዝኾነ ኪዳንን፣ ናይቲ በቲ ሥጋ ዝለበሰ ቃል ኣምላኽ ዝወሃብ ምልኣተ ግልጸትን፣ ከም መሰናደዊ ኮይኑ ኢዩ እተፈጸመ" (LG 9)። ብርግጽ ክርስቶስ እዩ ስጋኡን ደሙን ብምሃብ ነዚ ህዝቢ እዚ፣ ኣብ ገዛእ ርእሱን ብርግጸይና ዝኾነ መገዲን ዘሕበሮ። ሕጂ ድማ [እዚ ሕዝቢ እዚ] ብኣባላት ነፍሲ ወከፍ ብሔራት ዝቘመ ህዝቢ ኮይኑ ዘሎ። ብእምነት ኣባኡ ብምሕባር፣ ንዓኡ ጽን ብምባል፣ ብመንፈስ እቲ ዝተንስአ [ክርስቶስ] ተደሪኹ ድማ ልክዕ ከም ናቱ ዝመስል ዓይነት ህይወት ብምንባር ሓድነት ዘለዎ ይኸውን። እዚ ድማ ቤተክርስትያን እያ፦ እቶም  ንህላወኦም ካብ ስጋ ክርስቶስ ዝረኽቡ ንባዕላቶም ከኣ ኣካል ክርስቶስ ዝዀኑ ህዝቢ እያ፣ እቶም ብእኡ እተጸውዐ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብምትእኽኻብ ድማ ብኣንስትን ሰብኡትን ዝቘመ ህዝቢ ኣምላኽ እያ ደኣ እምበር፣ ከም ካልእ ዝኾነ ህዝቢ ኣይኰነትን። ሕመረት ሓድነቶም ድማ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ዓሌት ዘይኰነስ፣ ኣብ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት እዩ፣ ስለዚ ቤተ-ክርስትያን – ብመሰረት እቲ ዘደንቕ መግለጻ ናይቲ ጉባኤ – ማሕበር ናይቶም "ኵሎም ብእምነት ናብ ኢየሱስ ዘቋምቱ" እያ (LG 9)።

መሲሓዊ ዝኾነ ህዝቢ እዩ፣ ምኽንያቱ ክርስቶስ እቲ መሲሕ ርእሶም ክንዲ ዝኾነ። እቶም ኣባላቱ ዝኾኑ ድማ፣ እቲ ኾይኖሞ ዘለው ብውሕበት ክርስቶስ ክንዲ ዝኾኑ፣ ማለት ብእኡ ደቂ ኣምላኽ ብምዃን ጥራይ ስለ ዝኾንዎ፣ ብብቕዓቶም ወይ ብመዓርጎም ኣይሕበኑን እዮም። ስለዚ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ዕማም ወይ ተልእኾ ንላዕሊ እቲ ብሓቂ ዜገድስ ነገር ምስ ክርስቶስ ብምጥባቕ ብጸጋ ውሉድ ኣምላኽ ምዃን እዩ። ከም ክርስትያን ምእመናን መጠን ክንደልዮ ዘሎና ናይ ክብሪ መዓርግ እዚ ጥራይ እዩ። ካብ ኣቦ ብዘይምቍራጽ ህይወት ክንቅበልን ከም ደቁን፣ ኣብ ነሓድሕድና ድማ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኴንና ክነብር ኢና ኣብ ቤተክርስትያን ዘሎና። ስለዚ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንርክባት ዘነቓቕሕ ሕጊ፣ ከምቲ ካብ ኢየሱስ እንቕበሎን እንርእዮን ፍቕሪ እዩ። ሸቶኣ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዩ፣ ንሳ ድማ ምስ ኵሎም ደቂ ሰባት ሓቢራ ትጕዓዝ ኣላ።

ኣብ ክርስቶስ፣ ኣብቲ ጐይታን መድሓኒን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ዝኾነ ሓድነት ዘለዋ ቤተክርስትያን፣ ኣብ ገዛእ ርእሳ ክትዕጾ ኣይትኽእልን እያ፣ እኳ ደአ ንዅሎም ደቂ ሰባት ክፍቲ እያ፣ ናይ ዅሉ ድማ እያ። እቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ኣባላታ እኳ እንተ ኾኑ፣ "ኵሎም ደቂ ሰባት ኣባላት ናይዚ ሓደሽ ህዝቢ ኣምላኽ ኪዀኑ ተጸዊዖም እዮም። ስለዚ እቲ ብመጀመርታ ንሰብ ከም ሓደ [ሕዝቢ] ገይሩ ዝፈጠረ፣ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ደቁ ኺእክቦም ስለ ዝደሊ፣ ሓሳብ ፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ኺፍጸም፣ እዚ ህዝቢ እዚ ሓደን ፍሉይ ሕዝቢ ብምዃን፣ ናብ ኵሉ ዓለምን ናብ ኵሉ ዘመናትን ክዝርጋሕ ኣለዎ" (LG 13)። ስለዚ እቶም ገና ንወንጌል ዘይተቐበሉ እውን ከይተረፉ፣ ብገለ ወገን ናብ ህዝቢ ኣምላኽ ዘተኰሩ እዮም፣ ቤተክርስትያን ከኣ ኣብ ተልእኾ ክርስቶስ ብምትሕብባር ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምስ ክርስቶስ ምእንቲ ኺራኸብ፣ ወንጌል ኣብ ኵሉ ቦታን ንዅሉን ምእንቲ ከተብጽሕ ተጸዊዓ ኣላ (LG 17 ርአ)። እዚ ማለት ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝኸውን ቦታ ኣሎን ክህሉ ኣለዎን፣ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ከኣ ወንጌል ክሰብኽን ኣብ ዝነብረሉን ዝሰርሓሉን ሃዋህው ክምስክሮን ዝተጸውዐ ኢዩ። ስለዚ እዚ ህዝቢ እዚ ንሃብትን ጸጋን እተፈላለዩ ባህልታት ብምቕባል፣ ካቶሊካውነቱ የርኢ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ንምጽራዮምን ንምትብባዖምን ሓድሽ ወንጌል የወፍዮም (LG 13) ።

በዚ መዳይ እዚ ቤተክርስትያን ሓንቲ እኳ እንተ ዀነት፣ ንዅሎም ደቂ ሰባት እውን እተጠቓልል እያ። ሓደ ዓብዪ ናይ ሥነ መለኮት ሊቕ፣ ነዚ ኸምዚ ክብል ገሊጽዎ ይርከብ፦ "እታ ፍልይቲ ታቦት ምድሓን ንዅሉ ዓይነት ሰባት ኣብቲ ገፊሕ መርሕባ ክቕበሎም ኣለዋ። እቲ እንኮ ኣደራሽ ጽብል እቲ እትቕርቦ ምግቢ ድማ ኻብ ኵሉ ፍጥረታት እተሰናደወ እዩ። እቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ክዳን ክርስቶስ እውን፣ ከምቲ ብዙሕ ሕብርታት ዘለዎ ክዳን ዮሴፍ እዩ።”

ቤተ-ክርስትያን ካብ ዝተፈላለዩ ዜግነትን ቋንቋታትን ባህልታትን ዝመጹ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብእምነት ብሓባር ዝነብሩላ ህዝቢ ምዃና ምፍላጥ ዓቢ ምልክት ተስፋ እዩ፣ ኣብ ልቢ ደቂ ሰብ እተቐመጠ ምልክት መዘኻኸሪን ትንቢትን ናይቲ እግዚአብሔር ኣቦ ንዅሎም ደቁ ዝጽውዓሉ ሓድነትን ሰላምን እዩ።

11 Mar 2026, 12:52