ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ካቶሊካዊ መርበብ ግብረ ሰናይ መግለጺ መለኮታዊ ፍቕሪ እዩ! ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ካቶሊካዊ መርበብ ግብረ ሰናይ መግለጺ መለኮታዊ ፍቕሪ እዩ!  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ካቶሊካዊ መርበብ ግብረ ሰናይ መግለጺ መለኮታዊ ፍቕሪ እዩ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋመ ካቶሊካዊ መርበብ ግብረ ሰናይ - FADIC ናብቲ ትካል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እቲ መርበብ ግብረ ሰናይ ነቶም ኣዝዮም ዝተጸገሙ ናይ ምሕጋዝ “ብቑዕ ተልእኾኡ” ክቕጽል ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14  ኣብ ካቶሊካዊ ንጥፈታት ዝግደሱ ማሕበራት መወልትን ለገስትን - FADIC ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋመኡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ መላእ ዓለምን ንዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ናይ ኵርያ ሮማና. - ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈትን ካቶሊካዊ ተበግሶታትን ዝድግፍ መርበብ ግብረ ሰናይ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ ቅዱስነቶም ንካቶሊካዊ ንጥፈታት ዝግደሱ ማሕበራት መወልትን ለገስትን - FADIC ዋና ፈጻሚት ስራሕ ኣሌክስያ ኬሊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 5 ዓመት ምስረታ ዝገብርዎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመነ ዓቢይ ጾም ምዃኑ ኣጉሊሖም፡ “ቤተክርስትያን ብጀካ ጸሎትን ጾምን፡ ንዅሎም ካቶሊካውያን ብዝያዳ ብውዕዉዕ ስምዒት ናይ ምሕረት ተግባር ከሳልጡ እትዕድመሉ እዋን እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ነቲ ኢየሱስ ንብጻይና ብኸመይ ክንሕግዞ ከም እንኽእል ዝመሃረና መመያ ነቲ ትካል ብምዝኽኻር፡ ኩሉ ሰብ ናይቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣብነት ክስዕብ ተማሕጺኖም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እዚ ኣብነት እዚ “ናይ ኣምላኽ ቅርበትን ርህራሄን ምዉቕ ፍቕርን” ዝገልጽ እዩ ዝበልዎ ሓሳብ ብምዝካር፡ ነቶም ስለ ዝገበርናሎም ክገብሩልና ዘይክእሉን ጽጉማትን ብምሕጋዝ፡ መሳርሒ ኣምላኽ ምስ እንኸውን “ንብጻይካ ምፍቃር ዘበለ ኩሉ ብገለ መልክዑ ነጸብራቕ መለኮታዊ ፍቕሪ እዩ” ዝብል ኣብቲ Dilexi - ኣነ ኣፍቀርኵከ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ፍቕዲ 26 ዘንብረዎ ሓሳብ ብምቕራብ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ መርበብ ግብረ ሰናይ "ማሕበራዊ ፍትሒ ዘስፍሑ፡ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ዘሐይሉ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዝጣበቑ፡ ንኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝከናኸኑ መደባት" ንምድጋፍ ዝሰርሖ ስራሕ ብሓቂ መግለጺ መለኮታዊ ፍቕሪ ምዃኑ ከም ዘዘካኸሩ ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዕዮኦም ንኻልኦት ሰባት ነቶም እተሸገሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ንኢየሱስ ኪረኽብዎ ዘተባብዖም ከም ዝኸውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ስለዚ ድማ እቲ ትካል “ብቑዕ ተልእኾኡ ኣብ ኣግዚኣብሔር ብምትእምማን ክቕጽል ኣተባቢዖም፡ ነቲ ውድብ “ፍቕራዊ ኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም” ኣወፍዮም ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ድማ “ከም መብጽዓ ሰላምን ሓጐስን ብጐይታ” ብምቕራብ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Mar 2026, 16:50