ድለ

2026.03.29 Celebrazione della Domenica delle Palme 2026.03.29 Celebrazione della Domenica delle Palme  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ነቶም ኣብዚ ቅዱስ ሰሙን ሕማማት ክርስቶስ ዝሳቐዩ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ይዝክሩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ብዙሓት ክርስትያን መእመናን፣ ጽምብላት ቅዱስ ሰሙን ሕማማት ከሕብሩ ዘይክእሉ ምዃኖም ብምዅናን፣ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ምስጢር ሕማማት ጐይታ ከተስተንትን እትንከላ፣ ነቶም ኣብ ስቓይ ክርስቶስ ዝካፈሉ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ድማ ክንዝክሮም ተማሕጸኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ልክዕ ከምቲ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ምስጢር ሕማማት ጐይታ እተስተንትን፣ ነቶም ሎሚ ብሓቂ ኣብ ስቓዩ ዝካፈሉ ዘለዉ ሰባት ድማ ክንርስዖም ኣይትኽእልን ኢያ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መደምደምታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይ ሰንበት ዘሆሣዕና ኣብ ዘካፈልዎ ቃል ሰምታን ምሕጽንታን ገሊጾም።

ኣቓልቦ ቤተ-ክርስትያን ናብቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ ሕዝበ ክርስትያን ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ብምቕናዕ "መከራኦም ንሕልና ዅላሎም ደቂ ሰባት ዝሓትት ኢዩ" በሉ።

"ኣብ መጀመርታ ቅዱስ ሰሙን ሕማማት፣ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ናብቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ክርስትያን ምእመናን ብዝያዳ ብጸሎትን መንፈስን ቀሪብና ኣሎና፣ እዞም ክርስትያን ምእመአናን እዚኣቶም ብዘስካሕክሕ ግጭት ይሳቐዩ ኣለው፣ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከኣ ጽምብላት እዚ ቅዱስ ሰሙን ሕማማት ምሉእ ብምሉእ ክነብሩ ኣይክእሉን ኢዮም ዘለዉ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምእመናን፣ "ነቶም ብውግእ ዝሳቐዪ ዘለዉ ህዝብታት ምእንቲ ኺድግፍን፣ ጭቡጥ መገድታት ዕርቅን ሰላምን ምእንቲ ክኽፈትን" ናብ መስፍን ሰላም ክርስቶስ ብመንፈስ ምህለላ ክቐርቡ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀቅድሚ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚብሔር ምድጋሞም፣ ነቶም ግዳያት ውግእ ዝዀኑ ባሕረኛታት ሕድሪ ናብ ጐይታ ኣወፈይዎም፣ ምእንቲ እቶም ዝሞቱን ዝቘሰሉን ስድራቤቶምን ከም ዝጽልዩ ገለጹ።

"ምድርን ሰማይን ባሕርን፣ ንህይወትን ንሰላምን እዮም ተፈጢሮም" ድማ በሉ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቤተ-ክርስትያን ምእንቲ ዅሎም እቶም ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ ዘለዉ ስደተኛታት፣ ብፍላይ ከኣ ምእንቲ እቶም ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ገማግም ደሴት ቅሬጥስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ምእመናን ክጽልዪ ተማሕጺኖም።

30 Mar 2026, 16:26